ኩቡራትን ፍቁራትን የሕዋትና ካብዚ ቀጺልና ድማ ምሩጻት ዝበልናዮም መዛሙር ኣብ ሰሙን ሓንቲ
መዝሙር ከነቅርብ ምዃና እንዳ ሓበርና ፡ን ህጂ ከም መጀምሪት በዛ ናይ ዲያቆን እዝራ ናይ ኣምሓርኛ መዝሙር ንጅምር::
1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ
በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
Saturday, 18 February 2012
Thursday, 16 February 2012
ይቅጽል 4ይ ክፋልንጹር መልእኽቲ ወንጌል
ይቅጽል
4ይ ክፋልንጹር መልእኽቲ ወንጌል
ቀደም ሰባት ደጋዊ ህይወቶም ጥራይ እዮም ከመሓይሹ ዝኽእሉ ኔሮም፣ ውሽጣዊ ህይወቶም ግን ብሓጢኣት ዝተሳዕረን ዘይተለወጠን እዩ ኔሩ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣካ ግን ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዝነብር ብውሽጥኻውን ንኣምላኽ ዝበቅዕ ናብራ ክትነብር ትኽእል ኢኻ፣እቲ ዘገርም መልእኽቲ ናይ ወንጌል ኣምላኽ ሓጢኣትካ ምስ ሓደገልካ ልብኻ ፈጺሙ ክጸሪ ከም ዝኽእልን ኢየሱስ ኣባኻ ክነብር ምስ ጀመረ ከኣ ብመንፈሱ ጌሩ ንኣካላትካ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ይገብሮ ዝብል እዩ፣ሓደ ጊዜ ምስ ሓደ ኩሉ ግዜ ዝሰክር ክርስትያን የዕልል ነበርኩ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኽ ምስካርሲ ጽቡቅዶ ይመስለ? ይግባእዶ ኢለ ሓተትክዎ፣ ንሱ ድማ ቤተ ክርስትያን ቤት ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣብኡ ፈጺሙ ከም ዘይስከርን ነገረኒ፣ ኣነ ድማ ከምቲ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ማህደር ኣምላኽ ዝኾነት ፡ ሰብነቱ እውን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነት ነዛ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነት ሰብነቱ ድማ 1ይ ቆሮንቶስ3፡16-17።ነገርክዎ ፣ ኣብ ውሽጢ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ዝሙት ምፈጸምካዶ? ድማ ወሰኽኩ ዋእ ዞም ሰብኣይ ተጸሊልኩም ዲኺም፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ደኣሞ ከመይ ገርካ ኸ ትሓስቦ ኢሉ ብምግራም መለሰለይ።
ቀደም ሰባት ደጋዊ ህይወቶም ጥራይ እዮም ከመሓይሹ ዝኽእሉ ኔሮም፣ ውሽጣዊ ህይወቶም ግን ብሓጢኣት ዝተሳዕረን ዘይተለወጠን እዩ ኔሩ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣካ ግን ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዝነብር ብውሽጥኻውን ንኣምላኽ ዝበቅዕ ናብራ ክትነብር ትኽእል ኢኻ፣እቲ ዘገርም መልእኽቲ ናይ ወንጌል ኣምላኽ ሓጢኣትካ ምስ ሓደገልካ ልብኻ ፈጺሙ ክጸሪ ከም ዝኽእልን ኢየሱስ ኣባኻ ክነብር ምስ ጀመረ ከኣ ብመንፈሱ ጌሩ ንኣካላትካ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ይገብሮ ዝብል እዩ፣ሓደ ጊዜ ምስ ሓደ ኩሉ ግዜ ዝሰክር ክርስትያን የዕልል ነበርኩ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኽ ምስካርሲ ጽቡቅዶ ይመስለ? ይግባእዶ ኢለ ሓተትክዎ፣ ንሱ ድማ ቤተ ክርስትያን ቤት ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣብኡ ፈጺሙ ከም ዘይስከርን ነገረኒ፣ ኣነ ድማ ከምቲ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ማህደር ኣምላኽ ዝኾነት ፡ ሰብነቱ እውን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነት ነዛ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነት ሰብነቱ ድማ 1ይ ቆሮንቶስ3፡16-17።ነገርክዎ ፣ ኣብ ውሽጢ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ዝሙት ምፈጸምካዶ? ድማ ወሰኽኩ ዋእ ዞም ሰብኣይ ተጸሊልኩም ዲኺም፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ደኣሞ ከመይ ገርካ ኸ ትሓስቦ ኢሉ ብምግራም መለሰለይ።
እንበኣር ኣብ እታ ማህደር መንፈስ ቅዱስ
ዝኾነት ልብኻ ክትሰክር ከለኻ ከም ኣብ ቤት ኣምላኽ ውሽጢ ትሰክር
ዘለኻ እዩ ስለምንታይሲ ልብኻን ሂወትካ እውን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢለ ኣረዳእኩዎ።ቃል ኣምላክ እውን ዝብሎ ተልዩ ነታ ማሕደር
መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ልብና ፡ብስኽራን፡ብዝሙት ።ብሓሶት፡ ብ ፍቅረ ንዋይ ከንየማስና ይእዚዘና ። ስለዚ ኣብ ኣካላትካ እንታይ
ከም እትገብር ተጠንቀቕ፣ ናይ ምትካኽ ሽጋራ፡ መስተ ምስታይ ኩሉ ነቲ ኣብ ውእጢ ቤተ/ክርስትያን ክትገብሮ ዘይትደሊ ኣብ ልብኻ
እውን ኣይትግበሮን ኣይትሕሰቦን።ተዘየ ማህደር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘማሰንካ ኣምላኽ ከማስነካ እዩ።1ይ ቆሮንቶስ3፡16-17።
እወ
ጎዳእቲ ርኹስ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ቦታ ክረክብ ምፍቃድን ቀስ ብቐስ ንስጋኻን ኣእምሮኻን ከዕንዎ እዩ፣ህይወት ክርስትና ከም ሓደ
ውድድር ጉያ እዩ፣ ገጽና ካብ ሓጢኣት ምስ መለስናን ዳግም ምስ ተወለድናን ናብ መጀመሪ መስመር ናይዚ ውድድር ንመጽእ፣ ሽዑ እቲ
ክሳብ ናይ መወዳእታ ህይወትና ዝቕጽል ናይ ማራቶን ውድድር ይጅመር፣ ንጎዪ ንጎዪ ንጎዪ፣ በብ መዓልቱ ከኣ ናብቲ ናይ መወዳእታ
መስመር እናቐረብና ንኸይድ፣ ኩሉ ሳዕ ግን ጉያና ከነቋርጽ ኣይግባእን፣ብካልእ ኣብነት ንምግላጹ።
ዳግም ክንውለድ ከሎና ናይ ገዛና
መሰረት ነንጽፍ ኣሎና፣ ብድሕሪኡ ቀስ ብቐስ ነቲ ብዙሓት ደርብታት ዘለዎ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክንሃንጽ ንጅምር፣ እዚ ህይወት
እዚ በብዓመቱ ኣብ ህይወትካ ዝነበረ ክፉእ ባህርያት እናኣጥፋእካን ብዝያዳ ንኣምላኽ እናመሰልካ እትኸደሉ ስለ ዝኾነ እቲ ክትነብሮ
እትኽእል ዝበለጸ ናብራ እዩ፣እሞ ዳግም ንክትውለድ እንታይ ክትገብር ኣሎካ?መጀመርያ ሓጢኣተኛ ምዃንካ ፍለጥን ተኣመንን፣ ርእስኻ
ምስ ካልኦት ብምውድዳር ካብ ገሊኦም ስለ ዝሓሽኻ ኣይትጸናናዕ፣ ሓጢኣት ልክዕ ከም ቀታሊ መርዚ እዩ፣ ሓደ ንጣብ ሰቲኻ ኮነ ሚእቲ
ንጣብ ሰቲኻ ምሟትካ ኣይተርፈካን እዩ፣ ኣብ ህይወት ክርስትናኻ ጥዑይ ምጅማር ክትገብር እንተ ደሊኻ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኸፍአ
ሓጢኣተኛ ከም ዘይትሓይሽ ፍለጥን ተኣመንን።ብድሕሪኡ ካብ ኩሉ እትፈልጦ ሓጢኣት ክትምለስ ወስን፣ብድሕሪኡ ብክርስቶስ እመን፣ እዚ
ማለት ኩለንትናኻ ኣብ ክርስቶስ ምዕቋብ ማለት እምበር ብኣእምሮኻ ብዛዕባ ክርስቶስ ገለ ነገር ምእማን ማለት ኣይኮነን፣ስለምንታይሲ
ካብ ተጠመቅካን ን የሱስ ክርስቶስ እቲ እንኮ መድሓኒ ምዃኑ እንድሕሪ ፈሊጥካን ሲ ከም ሓድሽ ከሓዲ ዝነበረ ምእማን የድልየካ ኣይኮንኩን
ክብል ደልየ ኩልትናኻ ወፊ ናብኡ ተማዕቆብ። ይቅጽል,,,,,,,,,,,,።
Tuesday, 14 February 2012
1ይ ክፋል መን እዩ መናፍቅ ???!!!።
1ይ ክፋል መን እዩ መናፍቅ ???!!!።
ብዙሕ ግዜ ኣብ ተፋለለየ ግዜ ብእተፋላለዩ ሰባት ክትዝረብ ንሰምዓ ኢና፡ ግን ግንንቲ ኣይኮነትን እንታይ እእያ እሳ ኸ ተደኣ ኢልኩምኒ መናፍቅ ትብል ኢያ።መብዛሕቲኡ ግዜ ብ ሃይማኖታውያን ሰባት ክትዝረብ ንሰምዓ ንኸውን ግን ን ሎሚ ብሕጽር ዝበለ መንዩ መናፍቅ?? ዝብል ቁሩብ ክንትንክፎ ባህ ይብለና። መናፍቅ ማለት ተጣራጣሪ ኣብ ኣምላኽነት እግዚኣብሄር ኣንድነትን ሰለስትነትን ዝበሃል ቅጽል እዩ።ኣብነት ኣብ ታሪኽ ቤተ/ክርስትያና ከም እኒ ኣርዮስ ከም እኒ ንስጥሮስ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብ ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተሰሓሓቱ በዚ ቅጽል እዚ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ብ ሕማቅ ታሪኽ ክለዓሉ ንዕዘብ።
እዚ
ነዞም ን ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸሓዱ ዝተዋህበ
ቅጽል ድማ ኣብ እቶም ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስን ሰለስትነትን ኣንድነት
ዝኣምኑን ሰባት በዚ ቅጽል እዚ ሰባት ከጠምቅዎም ምስ ረኣኹ እየ ገሪሙኒ።መናፍቅ ነቶም ኣብ ነገረ ክርስቶስ ሰጋእ መጋእ እንዳበሉ
ዝነብሩን ነቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ማዕረ ፍጡራን ንዝሰርዑን ደኣ ይግባእ እንበር ነቶም ንየሱስ ክርስቶስ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ
ህያው ኣምላክ ዝተቀበሉስ ፍጹም እዚ ቃልዚ ኣይብጽሖምን እዩ። ኣብ ሓደ ብሎግ ኣትየ ን ገለ ካህናትን ገለ ሊቃነ ጳጳሳትን እዚኦም
መናፈቃን እዮም ዝብል። ጹሑፍ ኣንቢበ። ዋእ ገሪሙኒ ሎሚ ዘበን ተቀይሩ
ተኾይኑ ኣብርሃም ናብ ኣብርሃት፡ ኣብርሃት ድማ ናብ ኣብርሃም ተጋማጠልሾን ወይ እውን ብዕራይ ምራኽ ክወልድ ዝኽእል ተኾይኑ ዋእ
ን ሰማዕቲን ኣንበብትን ይገድፎ ከምኡ እንድህሪ ዘይኮይኑ ግን ፡ነቶም ን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ኢና ነምልኽ ካሊእ ክምለኽ ዝፍቀዶ
ሓይሊ የለን፡ ከምልኽ እንበር ንዝበሉ ከምዚ መልሲ ዝወሃብ ተኾይኑስ ተገማጥሎሽ ኢና ንብሎ።
ክስበኽ ዘለዎ ኢየሱስ ክርስቶስ
ጥራሕ እዩ ንዝበለ የንእዶ ደኣ እንበር ካብ መኣስ እዩ ኸ ዘንቀፎ፡ ትምህርቲ ቅዱሳን ሃወርያት ከ ንምኻኑ እንታይ ድዩ፡ሃወርያት
እንታይ ኢሎም ዲዮም ገዲፎምልና፡1ይ ጢሞትዎስ 3፡15። ከም ወዮ
ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ኣብታ ናይ ሓቅ ዓንድን መሠረትን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ሕያው
ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኽንነብር ከም ዝግብኣና ክትፈልጥ ጺሒፈልካ ኣለኹ ዶ ኣይኮነን ዝብል እሞ ኸ ቅዱሳን ሃወርያት ከመይ ገርና
ክንነብር ከም ዝግብኣና ካብ ጸሓፉልናስ ናበይ ኢና ንጸጋም ገጽና ንዛዙ ዘለና። ካብቲ ዘገርም በቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፊ
ገሮምሲነቲ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ክጻረሩ ዝፍትኑ ምርካብና
እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ከመይ ገርና ክን ነብር ከም
ዝግብኣና ጺሒፎምልና እዮም። ካብዚ ሃወርያትዝጸሃፉልና ወጻኢ ወይ
ድማ ምስኡ ዝጋጮ ከይንቅበል ግን ቃል ኣምላኽ ይኽልክለና።ሃወያርት እቶም ካብ ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ መንፈሱን ሰሚዖም ዝጸሓፉ
ክኾኑ ከለዉ። ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ርእሱ ዝዛረብ ህያው
ኣምላኽ እዩ።በጃኩም እባ ናይ ሓቂ ንዛረብ ነቲ ዝስዕበና ህዝቢ ኣብ ጭርጭር ዓበደ ኣይነንብሮ፡ እወ ኣብ ሰማይ ላም ኣላትኒ ጸብኣ
ግን ጢዒማ ኣይፈልጥን ተሚሂርናዮ ግን ጽባሕ ነቲ ሂወት ዝህብ
ቃል ምስ ፈለጦ ከም ኣጋንንቲ ክሪኤና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
ስለዚ ነዚ መጓሰ ኣምላኽ ዘድልዮ ቃል ኣምላኽ
ምንጋር ጥራሕ እዩ።ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከመይ ገርና ክንነብር ከም ዝግብኣና ነጊሩና ከሎ ግን፡ብሓሳባትናን ብስምዒትናን
ክንጓዓዝ ኣይግባእን፡ስለዚ ኣነ ክርስትያን እየ ክትብል ከለኻ ክርስትያን ማለት እንታይ ምዃኑ ን ነፍስኻ ሕተታ።እወ ክርስትያን ማለት ዘመልክቶ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስዓብ ጥራሕ እያ፡እቶም
ቅድመና ተጸውዕሉ እውን ነዚ እዩ ነበረ ካብዚ ወጻኢ ክኸዱ ግን ቅቡል ኣይኮነን።ስለዚ ንዝኾነ ኣንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ
ስርዓትን ኣምልኾን ቅዱስ ጳውሎስ እቲ ናይ ኣምላኽ ሃወርያ ካሊእ
ወንጌል ምዃኑ እዩ ዝዛረብ። ዘገርም ግን ንባዕልኻ ኣብ ካሊእ ወንጌል ከለኻስ ከመይ ገርካ ኢኻ ነቲ ሰዓቢ ክርስቶስ ክትጸርፎ
እትደፍር።
ንሱ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበለና ተልዩ ከምዚ ዝብል ደኣ እዩ።ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ
መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ፱ - ከምቲ
ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዝሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል
ኣሎኹ። ደኣ እዩ ዝበለ፡ ስለዚ ብድሕሪ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመጸ ዝኾነ ይኹን መምህር ወይ ሃወርያ ካሊእ
ምስዚ ዝጻረር ትምህርቲ ንዝምህሮ ከይንቅበል ብውግዘት ተነጊሩና እዩ።ሎሚ ነዚ ምስ ወንጌል ዘይሳማማዕን ምስ ወንጌል
ሰማይን ምድርን ዝኾነ ስነ ሓሳባትን ትምህርቲታን ክንቅበል ዝግበረልና ታህዲድን መናውራን ደኣሞ ሰማእትነት ከኽፍለና ድዩ ደልዩስ ወይ ካሊእ ነገር።ናበይ ከ ኢና ደሊና ናበይ ገጽ ናበይ ኩሉ
ልሳን ንንጉስ ን እየሱስ ክብል ኣለዎ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,.
Monday, 13 February 2012
ፓትርያርክ እንጦንዮስ ክፍትሑ ኤርትራውያን ናብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ የመልክቱ
ፓትርያርክ እንጦንዮስ ክፍትሑ ኤርትራውያን ናብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ የመልክቱ ::
ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ጠለብ፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ንጉዳይ ኣቡነ እንጦንዮስ
ኣቓልቦ ሂቡ፣ ብዘይ ወዓል-ሕደር ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ዝከኣሎ ክገብር ዝሓትት እዩ።
ኤርትራ፣ ግህሰት ኣምልኾ ዝገነነላ፣ መሰል-ሰባት ዘይክበረላ ቦታ ምስ ተቐየረት፣ ፓትርያርክ
እንጦንዮስ መሰል ኣምልኾን ናጽነትን ከኽብር ንመንግስቲ-ኤርትራ ስለዝሓተትዎ፣ ካብ መዓርጎም ብሓይሊ ከምዘውረዶምን ግዳይ
መንግስታዊ-ዓመጽ ከምዝኾኑን ይትንትን። ልዕሊ ሰማንያ ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብሕማም ስኾርያ ከምዝጥቕዑን ጥዕንኦም
ኣብ ዘሻቕል ኩነት ከምዘሎን ድሕሪ ምሕባር፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ቅጽበታዊ ዝኾነ ፍታሕ ክገብር ምሕጽንትኦም
የቕርቡ።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ
ክርስቲያን ተዋህዶ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ካብ 2007 ዓ.ም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር፣ ሕጂ ብዘይ ወዓል-ሕደር
ክፍትሑ ስምናን ክታምናን ኣተሓሒዝና ንልእኽ ኣሎና ብምባል እቲ ናብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ሓሳቡ
ይድምድም ::
ብተወሳኺ ኩሉኹም ብጹእ ወቅዱስ ንኽፍትሑ እትድግፉ ሰባት ድምጽኹም ኣብዚ ተለጢፉ ዘሎ ክትህቡን
ዘለኩም ሰናይ ድልየት ክትገልጹን ኣቦው ዘለዎም ምንዮት እንዳ ገለጽና
፡ስለ ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ፓትሪያርክ ኤረትራ ብ ጾሎት
ደው ክትብሉ እውን ደጊምና ንጽውዕ። ስለዚ በቲ ዘለካ ዓቅሚ ይፈትሑ
በል። እቲ ብ ኤረትራውያን ቀሪቡ ዘሎ ጥርዓን ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ከፊትኩም ክትረክቡዎ ትኽእሉ::http://www.petition2congress.com/603orthodox-tewahdo-church/
ንብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ኮነ ንኻልኦት እሱራት ኣምላኽ ፍትሒ ይሃብ።እግዚኣብሄር
ይርድኣና።
ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 3ይ ክፋል
ንጹር መልእኽቲ ወንጌል
3ይ ክፋል
መጽሓፍ
ቅዱስ ኣምላኽ ሓደ እኳ እንተኾነ ብሰለስተ ኣካላት ማለት ኣቦ። ወዲን መንፈስ ቅዱስን ከም ዝተገልጸ ይምህር፣ ኣምላኽ ሓደ ኣካል
ጥራይ እንተ ዝነብር ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝፋኑ ገዲፉ ከም ሰብ ብናይ የሱስ ኣካል ኣይምመጸን ኔሩ፣ ንኣድማስከ መን መመሓደሮ?
ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ስለ ዘለዎ ግን ወዲ ናብ ምድሪ ብምምጻእ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንሱ ከኣ ፈራዲ ምእንቲ ሓጢኣትና
ክመውት ክኢሉ፣ ገለ ክርስትያናት ኣብ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ንሱ ከኣ የሱስ ጥራይ እዩ ዘሎ ብምባል ‘ብስም የሱስ’ ጥራይ የጥምቑ
እዮም፣ እዚ ግን ዓቢ ጌጋ እዩ፣ 1ዮሃ.2።22 እቲ ንኣቦን ወድን ዝኽሕዶም ንሱ መንፈስ ጸረ ክርስቶስ ኣለዎ ይብል፣ ንኣቦን ወድን
ምኽሓድ ማለት እግዚኣብሄር ወልድ ብመልክዕ ሰብ የሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ኣይመጸን። ፍቓዱ ገዲፉ ፍቓድ ኣቦ ኣይገበረን ማለት እዩ
ስለዚ ድማ ነዚ ኢና ንሕና ንቃወም።ስለዚ ድማ ከነጠምቅ ከለና ብስምኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ንብል። እዚ ድማ
ኣቦ ኣብ ወልድ ወልድ ድማ ኣብ ኣቦ መንፈ ቅዱስ ድማ ኣብ ኣቦውን ወልድን ከም ዝነብር ብምእማን እዩ።
ዚ
ናይ ገለ መማህራን ኣበሃህላ ግን ብሽም የሱስ ጥራሕ ምባል ፡ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ኣይወሰደን ይብል ኣሎ
ማለት እዩ (1ዮሃ.4።2-3)፣ኢየሱስ ናብ ምድሪ ክመጽእ ከሎ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኔሩ፣ ኣብ መስቀል ክመውት ከሎ ንመቕጻዕቲ
ኩሉ ሰብ ወሲድዎ፣ ናይ ሓጢኣትና መቕጻዕቲ። ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምፍላይ እዩ፣ናይ ዘልኣለም ሞት እዩ ዝነበረ ፡ ነዚ ዘለኣለማዊ
ምፍላይ ክፍውስ ድማ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ መይቱልካ፡ስለዚ ነዚ ዝመተልና
ኢየሱስ ፍጹም ምስ ሰባት ወይ ምስ መልኣኽታት ከነመሳስሎ ኣይግባእን እዩ።ንሱ ካብ ኣቡኡ ዝሰምዖን ዝፈልጦን ወረ ብዛዕባቲ ዝፈጠሮ
እዩ፡ዝነገረና።ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ ዝተሓወሶ፡ ዝሰመሮ፡ እዩ ዝነግረና።ካሎት ግን ሰሚዕም እዮም ዝነግሩና።ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ
እቲ ክምለኽ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ።ንሱ እቲ በይኑ ክውደስ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ።ብዘይ ንዕኡ ንሰባት ናይ ኣምላኾ ነገር ክንህብ ፈጺሙ
እዩ ዘይቅበሎ’ ናብ ኣምልኾ ዝዘንበለ ክብሪ ናብ ፍጡራት ክንገብር ንኢየሱስ ማዕረ ኩሉ ፍጡር ምግባር ስለ ዝኾነ መዓልታዊ ሂወትና
ከነስተብህለሉን ክንጥንቀቀሉን ኣለና።
ገለ ገለ ተሰሓሓቱ እውን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጡር እዩ ዝብሉ ኣለዉ እዚ ግን
ናይ ብሓቂ ዕሽነትን ገይጋን እዩ።ኢየሱስ ፍጡር ኔሩ እንተ ዝኸውን ንመቕጻዕቲ ናይቶም ካብ ኣዳም ጀሚሮም ዝነበሩ ብቢልዮናትዝቑጸሩ
ሰባት ክቕጽዖ ኣይክእልን እዩ ኔሩ፣ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ምእንቲ ሓጢኣት ናይ ሓደ ቢልዮናት ቀተልቲ ሰብ ክስቀል ኣይክእልን እዩ፣
የሱስ ግን እቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ንናይ ኩሉ ሰብ መቕጻዕቲ ክወስድ ክኢሉ፣ንሱ ድማ ነቲ መቅጻዕቲ
ክጸውር ብቁዕ ነበረ።ንሱ እቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ንናይ ዘለኣለም መቕጻዕቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት
ክቕጽዖ ክኢሉ፣የሱስ ኣምላኽ እንተ ዘይነብርን እግዚኣብሄር ኣቦ ከኣ ብሰንኪ ናትና ሓጢኣት እንተ ዝቐጽዖን ኔሩ።ዓቢ ምጉዳል ናይ ፍትሒ ምኾነ ኔሩ።ስለምንታይ ሰብ ብ ገበኑ ደኣ እንበር ብገበን ካሊእ ስለ
ዘይቅጻዕን ዘይፍረድን ንሱ ግን ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ባዕሉ ንኹሉ ገሩዎ።
እቲ
ሰብ ክቕጻዕ ፍቓደኛ እንተኾነውን ኣምላኽ ብሓጢኣት፡ናይ ሓደ ሰብ ፡ንኻልእ ሰብ ኣይቀጽዕን እዩ፣ ዓርክኻ ኣብ ክንዳኻ ክስቀልን
ክቕጻዕን ኣይክእልን እዩ፣ እዚ ምጉዳል ፍትሒ እዩ፣ እምበኣርከስ የሱስ ፍጡር እንተ ዝነብር እሞ ኣብ ክንዳና እንተ ዝቕጻዕ እዚ
እቲ ዝዓበየ ምጉዳል ፍትሒ ምኾነ ኔሩ፣ዝኾነ ፍጡር ንመቕጻዕትና ክወስዶ ይኽእል ከም ዘይነበረ እምበኣር ርግጽ እዩ፣ ኣምላኽ ፈራድ
ኩሉ ምድሪ ስለ ዝኾነ ነቲ መቕጻዕቲ ክቕጽዖ ዝኽእልውን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኔሩ፣ ንሱ ንኽቀጽዓናን ነቲ መቕጻዕትና ክወስዶን መሰል
ኣለዎ፣ የሱስ ክርስቶስ ብኣካል ናብ ምድሪ ብምምጻእ ድማ ከምኡ ጌሩ፣ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣት ሰባት ሞይቱ፣ ካልኣይ ከኣ ድሕሪ
ሰለስተ መዓልቲ ካብ ምውታት ተንሲኡ፣ክርስቶስ ካብ ምውታት እንተ ዘይትንስእ ኔሩ ኣምላኽ ንምዃኑ መረጋገጺ ኣይምሃለወናን ነሩ፣
ካብ ምውታት ምትንስኡ ንሓቅነት ናይቲ ኩሉ ንሱ ዝበሎ ነገራት የርኢ፣ ዋላ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ምእንቲ ሓጢኣት ዓለም ከም ዝመውት
ኣይተዛረበን፣ ዝኾነ መራሒ ሃይማኖት እውን ካብ ምውታት ኣይተንስአን፣ ምናልባሽ ግን ብክርስቶስ ዝተንስኡ ኣይሰኣኑን እዩ ከም ኣልኣዛር
ሓው ማርታ ዮሓንስ 11፡44።እዚ ሓቅታት እምበኣር ንክርስትና ፍሉይ
ይገብሮ፣ኩሉ ሃይማኖታት ጽቡቕ ክንገብርን ምስ ካልኦት ብሰላም ክንነብርን
ይምህሩና ይኾኑ፣ እምነት ክርስትና ግን ፍሉይ መሰረት ኣለዎ። ንሱ ከኣ። ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። ካብ ምዉታት ከኣ ተንስአ
ዝብል እዩ፣ እዚ ሓቅታት ካብ ክርስትና እንተ ወጺኡ ክርስትና ልክዕ
ከምቲ ካልእ ሃይማኖታት ክኸውን እዩ፣ ንክርስትና ፍሉይ ዝገብሮ እዚ ሓቅታት እዩ፣ኩልና ንኣምላኽ ንክንነብር ኢና ተፈጢርና ኔርና። ኩልና ግን ንገዛእ
ርእስና ክንነብር ጸኒሕና፣ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንምንባርካ ዝተሰቅለ ህያው ኣምላኽ እዩ እሞ ንምቅባሉ ግዜ ኣይትውሰድ።
ስለዚ
ናብ ኣምላኽ ክንመጽእ ከሎና ከም በደለኛትት ኮይና ክንመጽእ ኣሎና፣ ክርስቶስ ምእንታና ስለ ዝሞተ ከነ መስግንን ካብ ምውታት ከም
ዝተንስአ ሎሚ ከኣ ህያው ከም ዝኾነን ክንኣምን ይግብኣና፣ ናብ ዝሞተ ሰብ ክትጽሊ ስለ ዘይከኣል ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ህያው እንተ
ዘይከውን ናብኡ ክንጽሊ ኣይምኸኣልናን፣ ኢየሱስ ካብ ምውታት ስለ ዝተንስአ ግን ምስኡ ክንዘራረብ ንኽእል ኣሎና፣ኢየሱስ ካብ ምውታት
ድሕሪ ምትንስኡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ሽዑ ድማ እቲ ሳልሳይ ኣካል ናይ ስላሴ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድሪ መጺኡ፣ መንፈስ ቅዱስ
ልክዕ ከም ኢየሱስ ናብ ምድሪ ንህይወትና ብህላዌኡ ንኽመልእ መጺኡ፣ ህይወትና ንመንፈስ ቅዱስ እንተ ሂብናዮ ንሱ ክቕድሰና ይኽእል
እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣካ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ብዓወት ክትመላለስ ትኽእል ኢኻ፣ መንፈስ ቅዱስ ብበዓል ሓምሳ ቅድሚ ምውራዱ
ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ብዓወት ክመላለስ ይኽእል ኣይነበረን።ይቅጽል,,,.
Friday, 10 February 2012
እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ ።ኢሳይያስ 65፡6-7። 3ይ ክፋል።
ነዚ ህዝቢ ምሓረት ዘምጸኣሉ ንንገሮ።እቶም መዋእልኩም ፈቀዶ ኣኸባታትን
ፖለቲካን ዓንገዘው ትብሉ ነበርኩም ከኣ እቲ ብዘይ ኣምላኽ ዝፍረ
ፍረ ከምዘየለን ሪኢኹሞ ኣለኹም።ስለዚ ኣምላኽ ንሃገርና ክባርኽ ቤት/ኣምላኽ ነቀድም።ኣብ ቤትና ንእግዚኣብሄር ነንግሶ።የእጋርና
ህጂ እውን ናብ ቤት ጾሎት የምርሓ ። እንድሕሪ ዘየለ ግን እቲ ቅዱሳን ንጹህ ኣምልኾ ዘልመድዎ ኣምላኽ ን ነገሩ ብሸለልታ ከምዝይሓልፎ
ክንፈልጥ ኣለና።እግዚኣብሄር ዘየኹሪ ኣለዎ ድዩ።ኣብ ሓይልና ኣሚና፡ ብትዕቢት ንሕና ኢና ኢልና፡ምስ ኣምላኽ ከ እንታይ ዘራኽብ
ኣለና ንሕና ኣምላኽ ከ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብዚ ብትዕቢት ዝተተትዐ ሂወትና ክሓድር ከመይ ገይሩ እዩ ኸ ሰላም ክህበና ንጽበ።ን
መግናሕቲ ኣምላኽ ለሚድናዮ፡ ብትዕቢት ተጨንዲሕና ዋጋና ድማ እዚ ንሪኦ ዘለና ሰላም ዘይብሎም ህዝቢ ኮይና ኣለና።
ስለዚ እቲ ቅዱሳን ንጹህ ኣምልኾ ዘልመዱዎ ኣምላኽ እቲ፡ ቅዱሳን ናይ ምህለላ ናይ ጾሎት
ግዜ ፈልዮም ዘልመዱዎ ኣምላኽ ን ተግባርና ክጻወሮ ኣይከኣለን ዘሎ።ትንቢት ኢሳይያስ 9፡11-21።ስለዚ እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ፌጺን ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉ፡
ንጸላእቱውን ኬለዓዕሎም እዩ፡፲፪ - ሰብ ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣፎም ሃህ
ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎም እዮም። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።፲፫ - እቶም ህዝቢ
ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱን፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን።፲፬ - ስለዚ እግዚኣብሄር ንርእስን ጭራን፡
ንስየን ሰልሰላን ካብ እስራኤል ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጾ እዩ።፲፭ - እቲ ዓብይን እቲ ምርኡይን ርእሲ እዩ፡ እቲ ሓሶት ዚምህር
ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።፲፮ - መራሕቲ እዚ ህዝቢ እዚ መስሓትቲ እዮም፡ እቶም ብኣታቶም ዚምርሑውን ኪጠፍኡ እዮም።
፲፯ - ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር
በጒባዞም ኣይኪሕጐሱን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይኪርሕርሓሎምንእዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡
ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።፲፰ - ረሲእነት ከም ሓዊ ይነድድ እሞ፡ ንእሾዂን ተዀርባን ይበልዖ፡ ኣብ ጽቡቕ ዱር ይባራዕ፡ ከም
ኣዕኑድ ትኪውን ንላዕሊ ይወጽእቕ።፲፱ - እታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ
ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን።፳ - ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ
ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ።፳፩ - ምናሴ ንኤፍሬም፡ ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ይበልዖ፡ ሐቢሮምውን ንይሁዳ ይቃወምዎ።
ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። እዚ እዩ እቲ ቃል ኣምላኽ ።ኲናት ምስ ኩለን ጎረባብቲ
ሃገራት ምኽንያት መምጺኢኡስ ቁጥዐ ኣምላኽ ዶ ደኣ ኣይኮነን እዩ ።ነዚ ተጻሒፉ ዘሎ ብህድኣት ሓሲብና ተንቢብናዮስ ብዛዕባና
ከም ስእሊ ደኣ ይዛረብ ኣሎ።
ስለዚ ን መለስ ኣብ ክርስቶስ ኣይኮናን ዘለና። ኣብ መገዲ ቅዱሳን ኣይኮናን ዘለና ፡ ክንዲ ጾም ጋይላን ዳንከራን ፡ናጽነት ተረኺቡ ኢልካ ክንዲ ተመስገን
ኣምላኽ ብጽፍርና፡ ብሓይልና፡ ተመስገን ኣምላኽ ተረሲዑ። ካብ የማን ተመንጠልና ካብ ጸጋም ተመንጠልና ንዓግብ ኣሎና ዲና፡
ኩልና ብቅልጽማና ዶ ንበልዕ ኣየለናን ኢና።ኣቦታትና ንእሽቶ በሊዖም ተመስግን ይብሉ ነሮም፡ ንሕና ግን እቲ ብዘይ መባእን
ዕሽርን ዘጥረናዮ ገንዘብና ን ደለልትን ን ጨወይቲ ሰብን ዶ ኣይጠፍን ኣሎ እዩ እቲ ገንዘብና፡ ኣሸሓት ከፊልና ኣብ ሰሃራን
ባሕርን ዶ ንጠፍእ ኣየላንን ኢና፡ እዚ ኸ እቲ ካብ ኣምላኽ ሰሪቅና ዘምጻእናዮ ዶ ኣይኮናን ኢና። ቤት ጾሎታት ዓንዩ እንከሎ ን
መጋየጽን ወዲ ክስቶ ከምዚ ዝበለ ፖላሶ ሰሪሑ ኣነ ኸኣ ክሓልፎ ክንበሃልዶ
ንጓየ ኣየለናን ኢና። እዝስ እቲ ፍጹም ዘይ ክርስትያናት ምኻና መረጋገጺ ዶ ኣይኮነን። እቶም ቅዱሳን ከም በዓል ኣቦና ዳዊት
ግን። 1ይ መጽሓፍ ዜና መዋእል17፡1-2። ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ
ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡በሎ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ። ኢሎም ን ነበያት ጸዊዖም እንታይ ክገብሩ ከም ዝግበኦም ዝሓቱ ዶ ኣይኮኑን
ኣቦታትና ቅዱሳን።ይቅጽል,,,,,,,,,
Thursday, 9 February 2012
ዓለም ለኻዎ ሲኖዶስ ቤተ/ክርስትያን ኦርተደክስ ነቲ ብይፍታሀ ዝዝወር ዘሎ መንበሪ ፓትሪያርክ ኣስመራ ኮኒኑ!!!!።
ዓለም ለኻዎ ሲኖዶስ ቤተ/ክርስትያን ኦርተደክስ ነቲ ብይፍታሀ ዝዝወር ዘሎ መንበሪ ፓትሪያርክ
ኣስመራ ኮኒኑ!!!!።
http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1059:2012-02-09-00-12-45&catid=63:2008-08-24-02-53-16&Itemid=75
ብወገና ነዚ ዜና እዚ ብምርጊጋጽ ሓቂ ከም ዝኾነ ደጊማ ኣረጋጊጻቶ ኣላ።እቲ ብይፍታሀ ዝዝወር ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ በቲ ዘዘውትሮ ቅዳሴ፡ትውፊት ይኹን፡ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ታሪኻዊ ይኹን እንበር በተን ኦርተዶክሳዊ ሕጊ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስትያናት ተቐባልነት የብሉን ክብል ገሊጹ ኣሎ።እዚ ሓቂ እንዳኾነ ግን እቲ ብይፍታሀ ዝምራሕ ቤተ ክርስትያን ግን ነዚ ኣገዳሲ ሃወርያዊ ሰንሰለት ዕሽሽ ኢሉ ክሽፍት እዩ መሪጹ ዘሎ።
3ይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ቀደማዊ እንጠንዮስ ኣቦ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብ ሃይለ ብረት መንግስቲ ካብ መዓርጎም ከም ዝወረዱ ድሕሪ ምሕባር።ዘይሕጋዊ ኣቡነ ደስቆሮስ ብ ዓመጽን ዕልዋን ናብ ስልጣን ዝተወጥሑ ሰብ እዮኢም ክብል እቲ መግለጺ ሓዘኑ ገሊጹ።መንግስቲ ኤረትራን እቲ ብይፍታሀ ዝምራሕ ቤተ ክርስትያን ኤረትራን በቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኣነዋሪ ስራሕ ሰፊሕን ከቢድን ተቃዉሞን ብዙሕ ምንጻልን እኳ ተኣጓነፎም ንሕናን ዕላማናን ዋላ ዓለም ትጸልምት ብ ዘስምዕ ይጓዓዙ ይርከቡ።መንግስቲ ኤረትራ ሓደ ካብቶም ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝክሰሱ ብምግሃስ ሃይማኖታዊ መሰል ኣብ ቅድሚት ምስ ሰመን ኮርያን ዝስራዕ መንግስቲ ኮይኑ።ምስ ተን ከምኡ ዝበላ ኮምንስታውያን ሃገራት ድማ ዝምድና ከም ዘለዎ ይጥቀስ።
እዚ ብ ሲኖዶስ ሕብረት ኦርተደክሳውያን ኣብያተ ክርስትያናት ዝወጻ ዘሎ መግለጺ ፡እንበኣር ን ኻለኣይ ግዝየኡ እዩ።ብዕለት 21 ትሪ 2012 ዓምሕረት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ቅዱስ ሲኖዶስ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያናት ኦርተደክስ ጸዊዑ ከም ዝነበረ ዝዝኸርእዩ። http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1049:2012-01-24-22-31-53&catid=63:2008-08-24-02-53-16&Itemid=75 www.ecumenicalcanonicalorthodoxchurch.com
ዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ ግን እቶም ብይፍታሀ ነተን ዝወሃቦኦም ቁሩብ ቁራቦ ከይሕደገኦም ንኸብዶም
ዝነብሩ ገለገለ ካህናትን ዲያቆናትን ንስለ ፖሎቲካ ጥራሕ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ን መላለስ ኢና ዝብሉ ዘመርቲ ተመላለስትን መንእሰያት ግን ቤተ/ክርስትያን ጽቡቅ እያ እንዳበሉ
ንህዝቢ ተዛባዒ ሓበረታ ኣብ ምሃብ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ የዒንትና ዝዕዘቦ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።እዚ ዘሕዝን ምርጫ እዚ ነታ ቤተ ክርስትያን
ኣብ ክልተ ኸፊሉ ብደገ ድማ ከም ትድፈርን፡ ከም ትነዓቅን ገይሩ ሰፈር ፖሎቲከኛታት ከም ትኸውን ገይሩዋ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብሓቂ ድማ ቀንዲ ሽግር ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ዘሎ ክንዲ ብሓደ ምምካት ገሊእካ መሳርሒ ክትከውን ፊቃደኛ ምዃን እዩ። ዓለም ምሉእ
ኦርተደክሳውያን እንዳ ተዛረቡ ነቶም ኤረትራውያን ኦርተደክሳውያን እዚ ሓቂ እዚ ተሓቢእዎም ምህላዉ ዘሕዝን ጸሊም ታሪኽ እዩ።ብእምነት ዝመስላና ዓለም-ለኻውያን ኣብያተ ክርስትያን ተዋህዶ
ነዚ ሓቂ'ዚ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘለዋ እዋን፣ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፣ ብዘይካ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ
ከምዘይብላ ኣሚኑ ዝጓዓዝ ዘሎ እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ
መንበረ ጵጵስና ጥራሕ ምካኑ ብ ዓለም ሓቆፍ ዝተራጋገጸ እዩ ፡
ሓደ ኣምላኽ ምስቶም ንሓቂን ንፍትሕን ዝተዓጥቁ ሰባት ይጸምብረናሰላም ንቤተ ክርስቲያንን ንመራሒኣ ፓትርያርክ እንጦንዮስን
ይሃብ
ንህዝብና ፍትሒ የውርደሉ!
ንህዝብና ፍትሒ የውርደሉ!
ሃይማኖተ
ኣቦው
Subscribe to:
Posts (Atom)





