1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday, 7 February 2012

ድልየትና እንታይ እዩ።

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ 

              ድልየትና እንታይ እዩ??።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብድልየት ደቂ ሰባት ይግደስ ከም ድልየትና ድማ ክህበና ይደሊ. ዋላ ሞት እንድሕሪ ደሊኻ እውን ክሳዕ ዝደለኻዮ በቃ ክህበካ ድሉው እዩ።ወልድ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ነቲ ቀንድን ኩሎም ሰባት ክረኽቡዎ ዘይኽእሉን ገዲፍና ፡ነቲ ቀሊል ሓላፍን ኩሉ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ክንደሊ ምስ ረኣየ ተገሪሙ ብዕሽነትና ፡ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ  እዚ ኩሉ እውን ይውሰኸልኩም ዝበለ።እሞ ኸ ከምቲ መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ዲና መንግስተ ኣምላኽን ጽድቁን ነቀድምሲ ዋላ ን ሓላፊ ነገር ናይዛ ኦኣለም እዚኣ።
እንተ ድኣ ናይዚ ዓቢ ሰማያዊ ውህበት ሚስጥር ተገሊጹልና፡ በቲ ሓላፊ ዝኮነ ምድራዊ ሃብቲ ኣይንናወጽንኣይክንጭነቅን ኢና። እስከ ቁርብ ምልስ ኢልና፡ ብዛዕባ እንፈልጦም ዝነበርና ኣሕዋትና፡ ኣሓትና፡ ኣቦታትና፡ኣዴታትና፡ ናይ ቀረባ ኣዕርኩትና፡ እንተስ ዕድመ ጸጊቦም፡ እንተስ ብሓደጋ፡ እንተስ ሓሚሞም፡ ካብዛ ዓለምዝተፈለዩ ንገለ ካልኢታት ዝክር ነብሎም! ንክህብትሙን ዝና ክረኽቡን፡ ማዕረ ክንደይ ኮን እቃለሱ ነይሮም ኢኮኑ? እቲ ኩሉ ዝጸዓርሉ ሃብቲ ሕጂ ኣበይ ኣሎ ኢልና ኸኣ እስከ ንሕሰብ። እቲ ስሞም ምእንቲ ክጽዋዕ ዝገብርዎ መስተንክራዊ ዕዮ ሕጂ ዝዝክሮ ሰብ እኳ በፍጽም  የልቦን።በዚ ድማ እዩ መክብብ 1፡2-3።ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኲሉ ኸንቱነት እዩ።ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዂሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ?ክብል ብኣድናቆት ዝሓተተ።
ገለኦም እሞ ከኣ፡ ንፍረ እዛ ዓለም እናማዕደውዎ፡ ግና ከከይጨበጥዎ፡ ብህርፋንን ስዐን ኣፎም ማይ መሊኡ እንከሎ፡ ዝሓለፉ ማእለያ የብሎምን። ኣየ ካብዚ ኩሉናይ ጻዕሪ ዘመኖም ንክብሪ ኣምላኽ ገለ ኣበርኪቶም እንተዝኮኑስ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከመይ ዝበለ ሰላም ዝዓሰሎ ህይወት ምነበሮም፡ ኣብታ እትመጽእ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ ከኣ ናይ ዘልኣለም ቤት ምሃነጹ ፡በዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ድኣ መዝገብኩም ግበሩ እምበር፡ መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። ” ማቴዎስ6፡21-22።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ምድሪ ንኣካትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ ክብለና እንከሎ፡ ንማህደር ልብና በቲዝበለጸ ሰማያዊ ጸጋ ብምስሳን፡ ንመንግስቱ ንምውራስ፡ ምእንቲ ድልዋት ክንከውን ኢዩ። መዝገብና ኣብሰማይ ምስ እንገብር፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣውን እጥዕመና ድኣ’ሉ እምበር፡ ከቶ ኣይሓስመናን ኢዩ።
ነቲሰማያዊ ውህበት ዕሽሽ ብምባል፡ እንተድኣ መዝገብና ኣብ ምድሪ ክንድኩን መሪጽና ግና፡ ብዛዕባ መንግስቱንጽድቁን ክንረክብ ኢልና ምሕላን ዕሽነት እዩ።  ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ኣቦና ኢዮብ ኣቢዮብ 1፡ጥራየይ እየ ተወለ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ ጥራየይ ከኣ ናብ መቃብር ክኣቱ እየ ከም ዝበለኦ ካብዛ መረት ክንከይድ ከለና እንማለኦ ነገር ፍጹም የለን።እዚ እዩ ዘሕዝነካ ናይ ደቂ ሰባት እንማለኦ ዘይብልና ክንስና ሃብቲግን ስቅ ኢልና ዘለና ግዘ ምጥፋእና ዘግሂ እዩ። ቅዱሳን በዚ ሓሊፎም።
ንምድራዊ ሃብቲ ኣብ ህይወትና ዝለዓለ ግምት ምስ እንህቦ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ንምስማዕንሓንቲ ካልኢት እዃ እንተኮነት ኣየብህገናን ኢዩ። ቃል ኣምላኽ፡ ዘይምስማዕ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ንጭንቀትን ጽላን ቅርሕንትን ምትፍናንን።ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሓፍሩን፡ብመዓልትታት ጥሜትውን ክጸግቡ እዮም።”መዝሙር_37.19 ከም ዝበሎ ቃል ኣምላኽ እንኮለና ከም ሽጉራት ከም ስኡንናት ስለ ዘይሃብተምና ጥራሕ እነማርረሎም መዓልታት ብዙሓት እዮም።ክስቶ ማኪና ገዚኡ ፓላሶ ኣስሪሑ ኣዚ ድርጅት ኣውጺኡ ድማ ንብል እዚ ካብቲ ቀንዲ ጉድለት እንታይ ቅድም ከም ዘድልየና ፈሊጥና ዘይምዕጋብናን ን ቃል ኣምላኽ ዘይማዛዝናን እዩ::ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተደለና ግና፡ እቲ እንገበሮ ጻዕሪ ይኾነልና፡ እቲ እንረክቦ ኣታዊ ከኣእተባረኸ ይኸውንበቲ ዝረከብናዮ ፈረ ጻዕሪ ድማ ንሕጎእቲ ንምድራዊ ሃብቲ ዝባርኽ፡ እግዚኣብሄር ድኣ’ሉ እምበር፡ ገንዘብ ንገንዘብ ንክባርኾዓቅምን መዝነትን የብሉን። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ኣብ መላእ ታሪኽ ናይዝሓለፈ ዘመናት እቶም ኣብ ብዝሒ ገንዘብ ዝተወከሉ እተሓጐሱሉ እዋን ዘይንርኢ። ጅባኻ ናይ ቀረባዓርክኻ ክበሃል ትሰምዑ ዶ? ናይዚ ሓሳብ መልእክቲ፡ ጌጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምንጪ መበገሲኡ ካብዲያቢሎስ ኢዩ።ከምዚ ዝዓይነቱ ሓሳብ፡ ንግዳያት ብዙሕ ጭንቀት ብምድራግ፡ ኣቃልቦና ናብ መንግስትንጽድቅን ኣምላኽ፡ ንከይንገብር ዝዕንቅጽ ኢዩ። 
ንመንግስትን ጽድቅን ኣምላኽ፡ ጸማም እዚኒ ብምሃብ፡ ብዙሕሃለኽ ለኽ፡ ብምባል፡ ብዙሕ ሃብቲ ክንድልብ ንኽእል እዃ እንተኮንና፡ ኩሉ ጻዕርና ዘበለ ንዓና ዘየሐጉስ ከንቱ ኢዩ።ዝኸውን መወዳእትኡ።ኣብ ነት ድማ እዞም እንሪኦም ዓመታት ካብ ኣምላክ  ሸፊቶም ሃብቲ ኣጥርዮም።ነዚ ሃብቲ እዚ ንምውራስ ውሉዶም ዝቀተልዎም ምስ መጻምድቶም ኣብ ሽግር ዝኣተዉ  ከም ዘለዉ እንሪኦ ዘለና እዩ።ገንዘብካ እውን ናይ መዘዝ መዘዝ የምጸአልካ እዩ።“ ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለው ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ኹሉ ብልግሲ ዝህበና እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ከይእመኑ ኣዘዞሞ መልእኽ1ይ ጢሞቴዎስ_6.17.ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዝዀነሎም፡ ብርግጽ እፈልጥኣሎኹ። ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኣይፈርህን እዩ እሞ ሰናይ ኣይኰነሉን፡መክበብ13ስለዚ እኹልማያውን ምድራውን ፍልጠት ንኽህልወና፡ ኣብ ስራሕ ዘሎና ህርኩት መንፈስ ብምርኣይራእይ ዘሎና ሰባት ንክንከውን፡ ሚስጥር መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምፍላጥ፡ ኣብ ህይወትና ሕኣገዳሲኢዩ።
እቲ ሰብ ዝደልዮን ዝምነዮን፡ ኣብ ህይወትና ክሳከዕልና ምሕሳብ ካብ መገዲ እግዚኣብሄር ኣምላኽንምርሓቕ ጽልዋ ዝገብር ኣይኮነን። የግዳስ እንገብሮን እንሓስቦን ዘበለ ኩሉ፡ ከም ፍቃድ እግዚኣብሄርኣምላኽ ይኹን ክንብል ከም ዝግበኣና መጽሓፍ ቅዱስ  ይምህረና። ኩሉ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ተወኪልና እንገብሮ ዋላ እንተዘይሰለጠ’ውን ንሰናይና ምዃኑ ስለዝረደአና ኣይከጨንቀናን ኢዩ። ይኹን ድኣእምበር፡ ገለ ሰባት ክርስትናዊ ህይወት ማለት፡ ከምዚ ብስሩ ካብ ምድራዊ ንጥፈታትን ባህግታትን ሪሕቕካ፡ኣብ ካልእ ፍልይቲ ዓለም ምንባር ገይሮም ስለ ዝርድእዎ ብዛዕባ ሓቅታት መንግስቱን ጽድቁን ክፈልጡኣይመርጹን። እምበርከ መንግስቱን ጽድቁን ዶ ግዳ ኣይበልጽን፡ ካብዛ ናይዛ ዓለም እዚኣ፡ ሃብትን ዝናን ምስ  ህውከትን ዕግርግርን? ብርግጽ ነዚ ሰናይ ዝኾነ ሰማያዊ ዕዮ፡ ኩሉ ምድራዊ ዝኾነ ድሌታቶም  ገዲፎም፡ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ዝዋፈሩ ክንደይ ቅዱሳን ኣብነትና እዮም:ኩሉ ሰብ ከኣ ከምቲእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወቱ ዝፈቀዶ ኮይኑ፡ ብቅድስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምምልላስ ወራሲናይታ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክከውን እኽእል ኢዩ።
ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እዃኣይትጨንቁ።” ፊልጲ4፡6እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ክንምርዖ፡ ክንወልድ፡ ካብ ሕማምና ክንፍወስ፡ ምስ ስድራናን መቅረብናንዳግም ክንራከብ ከም እንደሊ፡ ሰሪሕና ንነብስናን ንወለድና ክንድግፍ ከም እንደሊ፡ ብስኒት ምስመጻምድትናን ደቅናን ወለድና መሳርሕትናን የዕርኽትናን ክንነብር ከም እንደሊ፡ ተማሂርና ኣፍረይቲ ሰባትክንከውን ከም እንደሊ፡ ኮታ እንደልዮ ዘበለ ኩሉ እፈልጦ ኢዩ።ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ ኢዩ።” ማቴዎስ6.32እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዝልምንዎ ኽንደይኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም።”ማቴዎስ6.11 ኣብ ርእሲ እዚ እተገለጸ ሓቂ፡ እታ ናብ መንግስትን ጽድቅ ኣምላኽ እትወስድ መገዲ ብዘይካ ንክርስቶስብምእማንእምበር፡ ብካልእ ብጭራሽ ክትብጻሕ ትኽእል እያ፡ ኢልካ ምሕሳብ  ዕሽነት ጥራሕኢዩ።ከመይሲ፡ብሰናይ ግብርና ወይ ድማ ካሊእከጽድቀናዝኽእልመገዲተዝህሉ፡ ክርስቶስ ምእንታይን ምእንታኹምን ኣብ መስቀል ምእንቲ ሓጢያትና ክሽንከርኣይመድለዮን።እስከ ሕስብ ነብሎ ተጨኒቅና ኣብ ህይወትና ለውጥ ዘምጽኣናሉ እዋን ኣሎ ዶ? ብዙሕ ንጭንቀትዝዳርግ መበገሲታት ከም ዝህልወና ርዱእ እዃ እንተኮነ ብእምነት ጾርና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንደርብዮእሞ፡ ንሱ ኣብ ምዱብ ሰዓቱን እዋኑን ንዓና ዝሓይሽ ዝበሎ መልሲ ክህበና ኢዩ። እምበር’ከ ተጪኒቅናእንትርፎ፡ ጓሂ ኣብ ርእሲ ጓሂ፡ ስቃይ ኣብ ርእሲ ስቃይ ክንደራርብ እንተዘይኮይኑ እነምጸኦ ለውጥ እኮየልቦን። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ መበገሲ ጭንቀት፡
 ንቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ዘመነ ህይወትካ፡ ግዲ ዘይምሃብ ድኣ’ሉእምበር፡ ሃብትን ካሊእ ነገራትንሲ ኣይኮነን። 
ከመይሲ ጾሩ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽተደርቢዩ ዝሓፈረ ሰብ ኣብ ርእሲ ዘምህላዉ፡ ብናይዛ ዓለም ነገራት ሩፍታን ዕረፍትን ቅሳነትን ዝርከብ ነይሩእንተዝኸውን እቶም ቀንዲ መኻዚኖ ጭንቀት ዝኾኑ ሃብታማት፡ ዕረፍቲ ዘለዎ ህይወት ክመርሑ ምረኣና።ስለዚ፡ ክርስቶስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም ዝጓስየና ንቃሉ ብምርዳእ እንተሳዕቢናዮ፡ ኣብዛ ዓለምእዚኣን ኣብ ንክትመጽእ ኣብ ምቅርራብ ዘላ መንግስቱን ተረባሕቲ ኢናጽባሕ ንርእሳ ትጭነቅ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቁ። ማቴዎስ6፡34 ከም ዝበለና ቃል ኣምላኽ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ንድለ እንበር ናይ ዛሓላፊት ዓለም እዚኣ ብዘላ ፍትወታ ሓላፊ እዩ።ብዙሓት ሰባት እንታይ ከም ዘድልየና ስለ ንዝንግዕ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣምላኽ ምስ ተራጸምና ኢና፡እቲ ምርጻም ድማ ንኻሊእ ዘይኮነስ ንዓና ይሃስየና።ን ኣምላኽ እንደልዮ ኣብ እንልምነሉ እውን ክንጥንቀቅ ኣለና። ኣደ ደቂ ዘበድዎስ እዚ ኣብ ግምት ከየእተወት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘቅረበቶ ሕቶ ትርር ዝበለ እትልምንዎ  ኣይትፈልጡን ኢኹም ኢባ ክትበሃል ገሩዋ። ስለዚ ኣብ እንልምነሉ ግዜ ስለምንታይ እየ ዝልምን ዘለኹ ኢልና ምሕሳብ እውን ኣገዳሲ::

Monday, 6 February 2012

ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ነቲ ኣብ ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ዝግበር ዘሎ ብ መንግስቲ ኤረትራ ብምቅዋም ብ ሰላም ኢትዮጵያ ኣትዮም።

ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ነቲ ኣብ ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ዝግበር ዘሎ ብ መንግስቲ ኤረትራ ብምቅዋም  ብ ሰላም ኢትዮጵያ ኣትዮም።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ካብ ቤት/ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ዞባ ማእከል ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ዝኾኑ ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ሃይለ ፡ ብዝሓለፈ ቅንያት በቲ ኣብ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳውያን  መራሕቲ ሃይማኖት ዝውርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ብምምራር ነቲ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ዝግበር ዘሎን ካሊእ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ/ክርስትያን ንኽትግበር ተጠጅኡ ዘሎን ።ኮሚንስታዊ ስነ ሓስብ ብምቅዋም ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ኣትዮም።

ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ኣብ ረድዮ ወጋሕታ ዝሃቡዎ  ቃለ መጠየቅ  ክትሰምዑዎ ትኽእሉ። ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ኣብ ልዕለኦም ሰፍ ዘይብል መከራን ግፍዕን ከም ተኻየደን፡ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳውያን ደብርታትን፡መነኮሳትን ድማ ብፍላይ ናይ ምጥፋእ ዘመቻ ይካየድ ከም ዘሎን ፡መንግስቲ ኤርትራ ቡዙሕ ንብረት ደብርታትን ቅርሲታትን እታ ቤተ.ክርስትያን የባሳብሶን፡ ይወርሶን ከም ዘሎ ፡ምብጥቃስ ሃለዋት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ ኣብ ኣስጋኢ  ኩነታት ከም ዘለዉን ብምጥቃስ ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ዝነብሩ ኤረትራውያን ጉዳይ ሃለዋት ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።
ክቡር ቀሺ ኤርምያስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ፡ ኣቶ ይፍታሀ ን ቤተ/ክርስትያን ናይ ግሊ ትካሉ  ብምቅያር ብዘይ ምኽርን ዘተን ጳጳሳት ደስ ከም ዝበሎ ከም ዝገብርን ፡ብዙሓት መነኮሳትን ካህናትን ሰፍ ዘይብል ግፍዒ ይወርዶም ከም ዘሎ ኣቃሊዖም ኣለዉ።መንግስቲ ኤረትራ ን ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ጥራሕ ዘይኮነ ንምሉእ ክርስትና ንምድምሳስ ን ኤረትራ ብዘይ እምነት ክርስትና ንኽትተርፍ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብዙሓት ተንተንቲ እውን ይዛረቡ እዮም ዘለዉ።ገለ ምሁራትን መስተውዓልትን ከም ዝብልዎ እውን መንግስቲ ኤረትራ እዚ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ክርስትና ዝገብሮ ዘሎን ክገብሮ ዝዳሎ ዘሎን ውዲታት ን ቤተ/ክርስትያን ኣምላኽ ተዘይ ረዲእዋ ከምቲ ቤተ/ክርስትያን ሩስያ 400 ዝኾኑ ጳጳሳትን ብዙሓት ውሉደ ክህነት ዝኸሰረት ልዕሊኡ ከጓንፋ ከም ዝኽእል ይትንትኑ።
እንተኾነ ገለ የዋሃት ኤረትራውያን ነዚ ከይተረድኦም ክሳዕ ህጂ መንግስቲ ኤረትራ ፈታዊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን እዩ እንዳ ተባህለ ክድህለሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።እዚ ጉዳይ እዚ ከምዚ ኢሉ ተቀጺሉ  ፓትሪያርክ ኤረትራ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓሊፎም ፡ ነቶም ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለና ኤረትራውያን ኦርተደክሳውያን ኣብ ታሪኽ ዓለም ዘሕፍር ክከውን እዩ።ስለምንታይሲ ናይዚ ምድምሳስ ክርስትያናት ንሕና ስለ ዝኾና መሳርሒ።እቶም ጸላእቲ ቤተ/ክርስትያን ብኣና በቶም ኣመንቲ ኦርተደክስ ገይሮም የካየድዎ ስለ ዘሎው። እዚ ኸኣ ብጹእ ኣቡነ ደስቆሮስ ህያው ኣብነት እዮም።ናይ ብሓቂ ኸኣ ኸኣ ፖሎቲካ ብዘየገድስ ኩላትና ንናጽነት እምነትና ሃይማኖት ወይ ሞት ተንብል ከም ቅዱሳን ኣቦታትና እዚ ኹሉ ይወርድ የለን።ሽርሕታት መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን ቶም ትፈልጥዎ ትፈልጥዎ ኢኹም ነቶም ዘይትፈልጥዎ  ጸለመ ኮይኑ ዝስማዓኩም ግን ነዚ ከፊትኩም ስምዕዎ!!!።  http://www.nselam.com/?p=282

              ሃይማኖተ ኣቦው

Sunday, 5 February 2012

ቃል ኪዳን።

                        ቃል  ኪዳን ። 1ይ ክፋል
ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ  ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክቲታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን።እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ማቴ19፡4-7።ብምባል ጎይታና መሃረ።ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን እዚ ምስጢር እዚ ዓቢ እዩ ኣነ  ግና ብ ክርስቶስን ብ ቤተ ክርስትያንን እምስሎ ኣለኹ።ኤፌ5፡ ብምባል ሓድነት ሰበኣይን ሰበይትን ገለጸ።ስለዚ መርዓዊ ብ ክርስቶስ መርዓት ብ ቤተ ክርስትያን ተመሲሎም እዮም እሞ ሓድነቶም ብ ተኽሊል የጽንዑ፡ ብሩኻትን ቅዱሳንን ንምውላድ ኬብቆዖም ከኣ ሕጊ ተክሊል ይፍጽሙ።ትዘህዝን ግን ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተ/ክርስትያን መጺኦም እቲ ክርድእዎ ዝግብኦም ሕጊ መውስቦ ከይፈለጥዎ፡ እቲ ማሕላ ፈጺሞም ክጠልሙን ክጠልማን ይርኣዩ።

ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ እንበኣር ስርዓተ መውስቦ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ቀዋሚ ሕጊ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ዘለና ርድኢት ድኹም እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኢና ንቃል ኪዳን ኣብ ቤተ/መንግስትን ኣብ ተፋላለየ ናይ ውልቂ ውዕልን ዝገብሩዎ ዘለዎ ኣዝስ በፍጽም ቃል ኪዳን ኣይኮነን።ከምኡ እውን  ቃል ኪዳን ጸሎት ቃል ኪዳን ምንባር የእዳው ካህን፡ ጸሎተ ተኽሊል ማለት ጸሎት ቃል ኪዳን ምስ ተገበረሎም ድማ  ንኽልጢኦም ሃደ ዝገብሮም ቅዱስ ቁርባን ስጋ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይወስዱ፡ ቅዱስ ቁርባን እንድሕሪ ዘይ ወሲዶም ግን እቲ ተፈጸመ ተኽሊል ሕጋዊ ኣይበሃልን። እቲ መውስቦ እውን ኣይጸንዕን እዩ። ፍትሕ መንፈሳዊ ኣብ ዓንቀጽ 24 ቁጽሪ 898 ተጻሒፉ ኣሎካ።
ህጂ ክንዛረብ ኢልና ዘለና ግን  ኣገባብ ኣተኣሳስራ ቃል ኪዳን ዘይኮና ክንገልጽ ደሊና ፡ቃል ኪዳን ምስጢሩ እንታይ እዩ? ስለምንታይ ከ እዚ ወሎዶ እዚ መፍረሲ ዎሎዶ ኾይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ በደል ይርከብ ኣሎ።ኣብ ዓዲ ስደት ዘለዉ ህዝብና ድማ ብፍላይ ድርጋ ብፍላይ ኣብ ኣውረጳስ ዳርጋ ካብቶም ምስ ቃል ኪዳኖም ዘለዉስ እቶም ተፋትሑ ይበዝሑ። ግን ስለምንታይ እዩ እዚ ኹሉ።ን ዓና ዝወለዱ ወለድና ተጻዋዊሮምን ተኻኢሎምን ይነብሩ ስለ ነበሩ እዚ ወሎዶ እዚ ኣብዚ ዘለዎ በጺሑ ዘሎ ከምዚ ህጂ ዘለዎ ተቀጺሉ ግን ን ኣምላኽ ዘይበቅዕ ወሎዶ ሒዝና ክንተርፍ ኢና። ግን መብዝሕተአኦም እቶም ፍትሕ ዘጋንፉ ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ነበረና ሃይማኖታዊ ባህሊ ስለ ዝቅይራ እዩ ይብሉ ደቂ ተባዕትዮ ክትሓቶም። ግን ረብሓ ሓዳርሲ ን መን እዩ። እቲ ምንታይ ፈጣርን ተፈጣርን ክልተ ነንበይኖም ዛዕባታት እዮም። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ንብሎ ዘሎና ሰማያዊ ክብሪ'ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ንረኽቦ።
ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ፣ ኣብ ወንጌል ማቴ. 19፣3-9 ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይሲ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ይኽእል እዩ፧” እናበሉ ክፍትንዎ ናብኡ መጹ፣ መሊሱ ድማ በሎም። እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፣ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሐድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ” ዚብል'ዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።
ንሳቶም ከኣ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ መፍቲሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ክፈትሓ ዝኣዘዘ በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትሪ ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም። ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን በሎም። ኣነ ግና እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ካልእ ዘእቱ ይዝሙ፣ እቲ ፍትሕቲ ዘእቱ'ውን ይዝሙ እብለኩም ኣሎኹ። በቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝነበረሉ ዘመን ማለት “ንሰበይቲ መፍትሒኣ ሂብካ ዝፋነወሉ ዝነበረ ጊዜ፣ እዚ ዚስዕብ ኃጢኣት ይፍጸም ነበረ።
ካብቶም ሽዑ ዝመራዓዉ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ንኽፋትሑ ዝፈቕድ ሕጊ ኣይነበረን ባዕሉ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን “ካብ ቀደም ከምኡ ኣይነበረን እናበለ ኣስሚርሉ እዩ። እዚ እናኾነ ግና ብሰንኪ ትሪ ልቡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተጸልኣ ክሳዳ ዓምጺጹ ክቐትል ጀመረ።” ሰበይቲ እውን ብወገና ብሰንኪ ትሪ ልባ “ንሰብኣይ እንተጸልኣቶ ኣብቲ ዝምገቦ ኣብ ዝሰትዮ ጽዋእ መርዚ፣ ስሚ፣ ሓሞት እናሓወሰት  ትቐትሎ ወይ ድማ ኣብ እንዳ ጠንቆልትን ገለን ከይዳ መስተፋቅር ገይራ ናታ ልኡኽ እሱር ወዘተ,, ትገብሮ  ነበረት። እዚ ገበን እዚ ምስቲ ኣብ ዓሠርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር ተሠሪዑ ዘሎ “ኣይትቕተል” ዝብል ሕጊ ይጻረር ኣይቃዶን ድማ እዩ፣ በዚ መጠን ንፍትወት ሥጋ ብምባል ዝመጸ ስስዐ ዝጠፍእ ሕይወት በዝሑ፣ ነዚ ዝተዓዘበ ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ነቲ ዝባድም ዝነበረ ትንፋስ መዕገቲ ክኸውን ዝኽእል “መፍቲሒኣ ሂቡ ክሰዳ ይኽእል እዩ” ዝብል ምኽሪ ሂቡ በዚ ድማ እቶም ተሪር ልቢ ዝውንኑ ዝነበሩ ሰባት ፈሸሉ ። መዐገሲ ረኸቡ ካብቲ ኣበሳኦም ድማ ዘሓሉ።
ሙሴ ነታ ምኽንያት መፍትሒኣ ሂቡ ይሰደዳ ኢሉ ትበሃል ዘላ ነዚኣ እዩ።ሙሴ በዛ ጥበብ እዚኣ ገይሩ ክዓግቶም ፈቲኑ የሱስ ግን ፍጹም ተቃዊምዎም ::ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

Saturday, 4 February 2012

3ይ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ ::

                  3ይ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ::
በዚ ድማ እዩ እቲ ከም ልቢ ኣምላኽ እንዳ ተባህለ ዝዝረበሉ ቅዱስ ዳዊት ካብቲ መገድካ ሓደ ጫፍ ጥራሕ እዩ ዝበሎ።ስለዚ ሎሚ ንኹላትና ኣምላኽ ኣብ ጭንቀት ኣብ ካሊእ ሓሳባት፡ኣብ ምረት፡ኣብ ጽልኢ፡ ኣብ ዘይውዳእ ሓሳብ ዘለና ይጽወዓና ኣሎ፡ንዑ ተመለሱ ይብለና ኣሎ።ግብሪ ሓዋርያት 3፡19-20።እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡፳ - ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።
ዘሎ ጸገምኩም ዘሎ ሰኸምኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ ይበለና ኣሎ።ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።፳፱፡፴ - ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።ማቴዎስ 11፡28-30ዝከብደና ዝሽግረና እንኮላይ ነቲ ክንመልኮ ዘይከኣልና ሓጢኣት እሞ ነምጽኣዮ፡ ንሱ ደሓር ክምልሰልና እዩ።
ስለዚ ነቲ ባዕሉ እውን ኣነ ለዋህ እየ ዝበለ ጎይታ ንስካ ነዚ ሓጢኣተይ ኣይሓድገለይን እዩ ኢልካ ትሓስብ እንድሕሪ ሃሊኻ፡ በፍጹም ተሰሓሒትካ ኣለኻ።ንሱ ፍልይ እዩ ለውሃቱ ንሱ ፍሉይ እዩ ፍቅሩ።ንልውህና ድማ ብዘይካ ንነፍሱ ንኻሊእ ፍጹም ኣይመስከረላን።
እሞ ኸ እንታይ ኣሎ ዘየዕረፈና ዝኸብደና ዘሸገረና፡ምብጻሕ ዝሰኣናዮ። ናብኡ ቀሪብና ዎ ኣምላኽ ን ዓይን ንበደለኛ ምሓረኒ ንበሎ።ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ክሰምዓና፡ክቅበለና ድሉው እዩ።ጥራሕ ኣብ ቅድመኡ ምስ ቀረብና ብዛዕባ ሓጢኣትና ንዛረብ። ከምቲ እንበኣር ሎሚ ኣምላኽ ደጊሙ ከምዚ ይብል ለምኑ ክወሃበኩም እዩ።ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም ማዕጾ ኳሕኳህ ኣብሉ ክረሓወልኩም እዩ፡ከመይ ዝለመነ ኩሉ ይቅበል ዝደለየ ኸኣ ይረክብ፡ማኦጾ ኳሕኳሕ ንዘበለ ድማ ማዕጾ ይረሓወሉ፡ ማቴዎስ 7፡7-11።
እዚ ዜና እዚ ኣብ የእዛና ካብ እንሰምዖ እንበኣር፡ ንሕቶ ምሕረት ኣምላኽ ክንዳናጎ የብልናን። ንሱ ድልየኡ ክትረኽቡ ኢኹም ካብ በለ፡ ስለምንያ ንምሕረት ዘይንደሊ፡ንሱ ለምኑ ክወሃበኩም እዩ ካብ በለ ስለምንታይ ኦ ኣምላኽ ንዓይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ ዘይንብሎ።ማዕጾ ኳሕካሕ ኣብሉ ክረሓወልኩም እዩ ካብ ተባህለ ኸ ስለምንታይ ማዕጹ እግዚኣብሄር ዘይንኹሕኩሕ። ክገርመካ ፍቁር ሰማዒ ን ኣምላኽ ህጂ ኣብዛ ዘለኻዮ ኮንካ ብርክኽ ኢልካ የእዳውካ ብምልዓል ዎ ኣምላኽ ይኣኽለኒ በቃ የብቅዕ ኩሉ ክፋእ ናይ ዓለም እንድሕሪ ኢልካ ጥራሕ ድለ እንበር ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ ዓለም ደቂ ሰባት ሰኣን ናብ ኣምላኽ ምቅራቦም ክጭነቁ ከለዉ፡ኣብ ክንዲ ቀሪቦም ምስ ኣምላኽ ዝዛራረቡ፡ ን ነፍሰ ቅትለት መፍትሒ መሲልዎም ነፍሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ብዙሓት እዮም፡ስኻራን መፍትሒ መሲልዎም ብ መስተ ዝረስኑ እውን ብዙሓት እዮም።ክሳዕ ሓሽሽ ብምውሳድ ን ዘለዎም ጭንቀት ከግድፉ ብዝወስዱዎ ካሊእ ተወሳኺ ሕማምን ጭንቀትን ጸገምን ዘምጽኡ እውን ብዙሓት እዮም።ኣብ ዓለም ንጽድቂ ምንባር ስለ ዝሰኣኑዎ ጽድቂ ብሓይሊ ዝከኣል መሲልዎም ፈቲኖም በቃ እዝስ ከቢድ እዩ ንዓይ ብምባል ናብ ዓለም ዝምለሱ እውን ብዙሓት እዮም።እቲ ዘገርም ግን ንሰብ ጭንቀቱ ዘረስዖ፡ንሰብ ሽግሮ ዘረስዖ፡ ንሰብ ካብ ሽግር ዘውጽኦ፡ንሰብ ወኸለ ዝኾኖ፡ ዘይጠልም ዓርኪ፡ ዘይመኑ ኣፍቃሪ፡ ንሰብ ሰብ ዝገብሮ ፡እቲ ካብ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ኣብ 3ይቲ መዓልቲ መቃብር ፈንቂሉ ንብዘሎ ሞትን ባርነት ስዒሩ ሓርነት ዘኣወጀልና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ህያው ኣምላኽ ጥራሕ እዩ።
ዘገርም ነገር ናብዚ ኣምላኽ እዚ ዝተመልሱ ሰባት ካብ ዘለዎም ሕማም ተፈዊሶም ካብ ዘለዎም ወልፊ ተጋላጊሎም ካብ ዘለዎም ጸገም ተላቒቆም ነዚ ድማ ንሕና እዞም ሂወትና ካብ ከምዚ ዝበሉ ነገራት ዝተላቀቅና ሰባት ህያው መሳኻኽር ኢና። ኩቡር ኣንባቢ ኣምላኽ ንዓኻ ዝኹሉ ምሕረት ኣዊጁ ኣሎ እሞኸ ,,,,.

ይቅጽል……

2ይ ክፋል ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።

       2ይ ክፋል ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
እንበኣር ኩላትና እንጸድቅ በቲ ብእየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍን፡ምእማን ንዕኡን ካብ ኮነስ ንምንታይ ንድንጊ።ህጂ ብድድ ኢልና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ክንምድብ ኣለና፡ ነዛ ሓጻር ዕድመና ሰላም ዘለዎ ሂወት ዘይንነብር።ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ክርስቶስ ዓርኪ ጻድቃን ጥራሕ ገይሮም ምርኣዮም፡ በቃ ሓጢኣተና እንድየ ድሕሪ ህጂ ኣምላኽ ኣይቅበለንን እዩ ኢሎም ተስፋ ይቆርጹ። እዚ ግን ናይ ጌጋ ገጋ እዩ ኣምላኽ ዓርኪ ሓጥኣን ኮላይ እዩ።እዝስ ን ኣምላኽ ከም ምጽራፍ ነቲ ንሱ ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ምሕረት ምንዓቅን ምቁንጻብን ይቁጸር እዩ፡
ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጡፉኣት ክደሊ እዩ ዝመጸ ማቴዎስ 18፡10-14።ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።፲፩ - ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡፲፪ - እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን ?፲፫ - እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።፲፬ - ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ክጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።
ፍቁር ሓወይ ዋላ ኣነን ንስኻን ብዙሕ ሓጢኣት ተገበርና ብንስሓ ክንምለስ ደኣ እንበር ክንጠፍእ ኣይደልን እዩ፡መድሓኒና ፡ ክንጠፍእ ስለ ዘይደሊ ድማ እዩ ኣብ መስቀል ዝወዓለልና።ነዚ ክፈልጡ ስለ ዘይከአኣሉ ድማ እዮም ነቲ ምሕረት ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም ፈሪሳውያን ንሓጥኣን ይቅበል ምስኣቶም እውን ይበልዕ ዝበሉ ሊቃስ15፡17።ዘገርም ነገርሲ ኣነን ንስኻን ብምላስናስ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ይኸውን እዚ እውን ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ፍቅሪ  መግለጺ እዩ።ንሱስ ንሓኪም ሕሙማት ደኣ እንበር ጥዑያት ኣየድልዩዎን፡ ደኣ ተዛረበ።ን ሓጥኣን ደኣ እንበር ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እዩ ዝበለ ዘገርም ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተኛታት ሉቃስ5፡30።

 ዘገርም ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ከይተረዳና ዋእ መራሒ ሃይማኖት ተባሂሉስ፡ <<መራሒ መንግስቲ ተባሂሉስ >>፡<<ምስ መንዩ ዘዕልል ዘሎ>> ምባልና  ዋላ ንብዙሓት ሰባት እውን ዋእ ክብረቱ ዘይሕሉ እዩ ወደይ ኣታ ክብረትካ ዘይትሕሉ ዋእ፡ፈኪስ እኻ ንብል ግን ናይ የሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ሂወት ዝረሳዕና ብዙሓት ኢና።ንሱ ምድራዊ ኣገልግለቱ ናይቲ መድሓኒና ምስ ሓጥኣን የሕሊፉዎ ።

እዚኦም ኩሎም ጎዶሎታት ኣይኮነን የሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ኣብ መረት  ኣብ ዝነበረን ናይ ምድሪ ኣገልግሎቱ ፍጹም ምስ ጻድቃን ፈላጣት መጻሕፍቲ ውሩያት መማህራን መዘምራን ኣይከደን፡ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ካብኦም ዘይደሊ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡
እቶም ንዕኡ ዘድልዩዎ እቶም ብሰብ ድርቡያት፡ንዑቃት ፍንፉናት፡ ርጉጻት ዝነበሩ ሰባት ጥራሕ ስለነበሩ እዩ።እንበኣር እቶም ኣገልገልቱ ኢና እንብል እውን ነዚ ግብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ኣለና።የሱስ ክርስቶስ ክኸብር እየ ከይበለ ነፍሱ ብምሕሳር ኣብዛ ምድሪ ኣገልጊሉ። ዘገርም ነገር የሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንሕና ሰባት እንሓስቦ ዘይምኻኑ እዩ።ከም ናቱ ለዋህነትን ፍቅርንስ ኣብዛ መረት የለን።ነዚ ክገልጽ ደልዩ ድማ እዩ ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቅ ፍቅሪ ን ወልድ ካብ መንበርሩ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጸሖ ዝበለ።
ስለዚ ምናልባሽ ኣብ ምፍላጥ ኣምላኽ መልክዑ ገጊናዮ ከይንህሉ ኣምላኽ መልክዑ ከምቲ ሰባት ዘረዱኡናን ዝምህሩናን ዘይኮነስ  ፍጹም ፍሉይን በእምሮ ዘይብጻሕን እዩ።ብኹሉ ነገራቱ ብኹሉ ንኣምላኽ ክሳዕ ህጂ ደቂ ሰባት ክበጽህዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,.

ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።


ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
ናብ ተፈተኻ ፍቱወይ ብዙሕ ግዜ  ሰጣን ን ደቂ ሰባት ኣብ ናይ ድሕነት ኣፋፈት ምስ በጽሑ ፡መታን መንግስተ ሰማይ ከይኣትዉን፡ምስ ኣምላኽ ከይዕረቁን ነቲ ኣምላኽ ኣብኦም ዘለዎ ፍቅሪ ፡በቲ ዝገብሩዎ ሓጢኣት ኣብ ገጾም ከም መስትያት ብምርኣይ፡  ተስፋ ብምቅራጽ ፡ኣምላኽ ከም ዝተቀጠዐን ይቅረ ከም ዘይብለሎምን ብምምሳል ካብ ናይ ምሕረት መገዲ ብልጋስ መጻወድያ ናይ ሞት ኣኸቲሉ ሂወቶም ከሕልፉ ፡ኣብርእሲ ሓጢኣት ሓጢኣት ክፍጽሙ የተባብዖም፡በዚ ዘለዉዎ መገዲ ክቅጽሉ ድማ ይገብሮም።
እቲ ዘገርም ኣምላኽ ዘይሓድጎ ሓጢኣት፡ ኣብ መሬት ፍጹም ዘይምህላዉ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጢኣት ልክዕ ፍንፉንን ዘጸይፍን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ንእሽቶን ዓብይን ሓጢኣት የለን ኩሉ ሓጢኣት ማዕረ እዩ፡ እቲ ምሕረት ኣምላኽ ድማ ማዕረኡ ማዕረ። ግን ኣምላኽ ነቶም ዘጸይፍን ዘፈንፍንን ስራሕ ዝሰርሑ ይደሊ ዘገርም እዩ፡ ፍቅሪ ኣምላኽ !!!። ታሪኽ ማርያም መግደላዊት ተሪና ክንደይ ዓመታት ዘምያ ብ ርኹሳት መናፍስቲ ተታሒዛ ን ሰባት ተስሕት ነበረት እያ። ግን ናብ ጎይታ ምስ መጸት ተፈዊሳ ማርቆስ 16፡9። ከም መርኣያ ፍቅሩ ድማ ቀዳመይቲ ኣበሳሪት ትንሳኤኡ ኮነት።እወ ክገርመካ ነቶም ከውሒ ኢኻ ኢሉ ዝገልጾም ነበረ ከም እኒ ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዲማቶም ኣበሳሪት ወንጌል ገይሩዋ። ኣየ ዝኣምላኽ ፍቅሩ እዛ ሓጢኣት ትገብር ዝነበረት  ክንሳ ግን ንሱ ዘይውዳእ ምሕረቱ ኣርእይዋ እቲ ብዙሕ ሓጢኣት ዝገብር ብዙሕ ይሕደገሉ። እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ድማ ብዙሕ የፍቅር ሉቃስ 7፡47/48።
ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። ሮሜ 3፡23- 26- በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።፳፭ - ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።፳፮ - ንሱ ጻድቕ ክኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ፡ ዘገርም ነገር እዩ።ኩሉ ሓጢኣተኛ እዩ፡በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ ግን ብኸምኡ ይጸድቅ፡እታ ብኸምኡ ትብል ቃል ፍልይ ዝበለት ኩሉ ከስተውዕለላ ዘለዎ እያ፡ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ፡ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ በቃ በቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንያ ዘፍሰሶ ደም በጃ ምሕላፍ ይጸድቅ። ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,