1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday, 5 February 2012

ቃል ኪዳን።

                        ቃል  ኪዳን ። 1ይ ክፋል
ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ  ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክቲታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን።እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ማቴ19፡4-7።ብምባል ጎይታና መሃረ።ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን እዚ ምስጢር እዚ ዓቢ እዩ ኣነ  ግና ብ ክርስቶስን ብ ቤተ ክርስትያንን እምስሎ ኣለኹ።ኤፌ5፡ ብምባል ሓድነት ሰበኣይን ሰበይትን ገለጸ።ስለዚ መርዓዊ ብ ክርስቶስ መርዓት ብ ቤተ ክርስትያን ተመሲሎም እዮም እሞ ሓድነቶም ብ ተኽሊል የጽንዑ፡ ብሩኻትን ቅዱሳንን ንምውላድ ኬብቆዖም ከኣ ሕጊ ተክሊል ይፍጽሙ።ትዘህዝን ግን ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተ/ክርስትያን መጺኦም እቲ ክርድእዎ ዝግብኦም ሕጊ መውስቦ ከይፈለጥዎ፡ እቲ ማሕላ ፈጺሞም ክጠልሙን ክጠልማን ይርኣዩ።

ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ እንበኣር ስርዓተ መውስቦ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ቀዋሚ ሕጊ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ዘለና ርድኢት ድኹም እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኢና ንቃል ኪዳን ኣብ ቤተ/መንግስትን ኣብ ተፋላለየ ናይ ውልቂ ውዕልን ዝገብሩዎ ዘለዎ ኣዝስ በፍጽም ቃል ኪዳን ኣይኮነን።ከምኡ እውን  ቃል ኪዳን ጸሎት ቃል ኪዳን ምንባር የእዳው ካህን፡ ጸሎተ ተኽሊል ማለት ጸሎት ቃል ኪዳን ምስ ተገበረሎም ድማ  ንኽልጢኦም ሃደ ዝገብሮም ቅዱስ ቁርባን ስጋ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይወስዱ፡ ቅዱስ ቁርባን እንድሕሪ ዘይ ወሲዶም ግን እቲ ተፈጸመ ተኽሊል ሕጋዊ ኣይበሃልን። እቲ መውስቦ እውን ኣይጸንዕን እዩ። ፍትሕ መንፈሳዊ ኣብ ዓንቀጽ 24 ቁጽሪ 898 ተጻሒፉ ኣሎካ።
ህጂ ክንዛረብ ኢልና ዘለና ግን  ኣገባብ ኣተኣሳስራ ቃል ኪዳን ዘይኮና ክንገልጽ ደሊና ፡ቃል ኪዳን ምስጢሩ እንታይ እዩ? ስለምንታይ ከ እዚ ወሎዶ እዚ መፍረሲ ዎሎዶ ኾይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ በደል ይርከብ ኣሎ።ኣብ ዓዲ ስደት ዘለዉ ህዝብና ድማ ብፍላይ ድርጋ ብፍላይ ኣብ ኣውረጳስ ዳርጋ ካብቶም ምስ ቃል ኪዳኖም ዘለዉስ እቶም ተፋትሑ ይበዝሑ። ግን ስለምንታይ እዩ እዚ ኹሉ።ን ዓና ዝወለዱ ወለድና ተጻዋዊሮምን ተኻኢሎምን ይነብሩ ስለ ነበሩ እዚ ወሎዶ እዚ ኣብዚ ዘለዎ በጺሑ ዘሎ ከምዚ ህጂ ዘለዎ ተቀጺሉ ግን ን ኣምላኽ ዘይበቅዕ ወሎዶ ሒዝና ክንተርፍ ኢና። ግን መብዝሕተአኦም እቶም ፍትሕ ዘጋንፉ ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ነበረና ሃይማኖታዊ ባህሊ ስለ ዝቅይራ እዩ ይብሉ ደቂ ተባዕትዮ ክትሓቶም። ግን ረብሓ ሓዳርሲ ን መን እዩ። እቲ ምንታይ ፈጣርን ተፈጣርን ክልተ ነንበይኖም ዛዕባታት እዮም። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ንብሎ ዘሎና ሰማያዊ ክብሪ'ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ንረኽቦ።
ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ፣ ኣብ ወንጌል ማቴ. 19፣3-9 ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይሲ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ይኽእል እዩ፧” እናበሉ ክፍትንዎ ናብኡ መጹ፣ መሊሱ ድማ በሎም። እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፣ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሐድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ” ዚብል'ዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።
ንሳቶም ከኣ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ መፍቲሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ክፈትሓ ዝኣዘዘ በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትሪ ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም። ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን በሎም። ኣነ ግና እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ካልእ ዘእቱ ይዝሙ፣ እቲ ፍትሕቲ ዘእቱ'ውን ይዝሙ እብለኩም ኣሎኹ። በቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝነበረሉ ዘመን ማለት “ንሰበይቲ መፍትሒኣ ሂብካ ዝፋነወሉ ዝነበረ ጊዜ፣ እዚ ዚስዕብ ኃጢኣት ይፍጸም ነበረ።
ካብቶም ሽዑ ዝመራዓዉ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ንኽፋትሑ ዝፈቕድ ሕጊ ኣይነበረን ባዕሉ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን “ካብ ቀደም ከምኡ ኣይነበረን እናበለ ኣስሚርሉ እዩ። እዚ እናኾነ ግና ብሰንኪ ትሪ ልቡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተጸልኣ ክሳዳ ዓምጺጹ ክቐትል ጀመረ።” ሰበይቲ እውን ብወገና ብሰንኪ ትሪ ልባ “ንሰብኣይ እንተጸልኣቶ ኣብቲ ዝምገቦ ኣብ ዝሰትዮ ጽዋእ መርዚ፣ ስሚ፣ ሓሞት እናሓወሰት  ትቐትሎ ወይ ድማ ኣብ እንዳ ጠንቆልትን ገለን ከይዳ መስተፋቅር ገይራ ናታ ልኡኽ እሱር ወዘተ,, ትገብሮ  ነበረት። እዚ ገበን እዚ ምስቲ ኣብ ዓሠርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር ተሠሪዑ ዘሎ “ኣይትቕተል” ዝብል ሕጊ ይጻረር ኣይቃዶን ድማ እዩ፣ በዚ መጠን ንፍትወት ሥጋ ብምባል ዝመጸ ስስዐ ዝጠፍእ ሕይወት በዝሑ፣ ነዚ ዝተዓዘበ ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ነቲ ዝባድም ዝነበረ ትንፋስ መዕገቲ ክኸውን ዝኽእል “መፍቲሒኣ ሂቡ ክሰዳ ይኽእል እዩ” ዝብል ምኽሪ ሂቡ በዚ ድማ እቶም ተሪር ልቢ ዝውንኑ ዝነበሩ ሰባት ፈሸሉ ። መዐገሲ ረኸቡ ካብቲ ኣበሳኦም ድማ ዘሓሉ።
ሙሴ ነታ ምኽንያት መፍትሒኣ ሂቡ ይሰደዳ ኢሉ ትበሃል ዘላ ነዚኣ እዩ።ሙሴ በዛ ጥበብ እዚኣ ገይሩ ክዓግቶም ፈቲኑ የሱስ ግን ፍጹም ተቃዊምዎም ::ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

Saturday, 4 February 2012

3ይ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ ::

                  3ይ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ::
በዚ ድማ እዩ እቲ ከም ልቢ ኣምላኽ እንዳ ተባህለ ዝዝረበሉ ቅዱስ ዳዊት ካብቲ መገድካ ሓደ ጫፍ ጥራሕ እዩ ዝበሎ።ስለዚ ሎሚ ንኹላትና ኣምላኽ ኣብ ጭንቀት ኣብ ካሊእ ሓሳባት፡ኣብ ምረት፡ኣብ ጽልኢ፡ ኣብ ዘይውዳእ ሓሳብ ዘለና ይጽወዓና ኣሎ፡ንዑ ተመለሱ ይብለና ኣሎ።ግብሪ ሓዋርያት 3፡19-20።እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡፳ - ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።
ዘሎ ጸገምኩም ዘሎ ሰኸምኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ ይበለና ኣሎ።ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።፳፱፡፴ - ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።ማቴዎስ 11፡28-30ዝከብደና ዝሽግረና እንኮላይ ነቲ ክንመልኮ ዘይከኣልና ሓጢኣት እሞ ነምጽኣዮ፡ ንሱ ደሓር ክምልሰልና እዩ።
ስለዚ ነቲ ባዕሉ እውን ኣነ ለዋህ እየ ዝበለ ጎይታ ንስካ ነዚ ሓጢኣተይ ኣይሓድገለይን እዩ ኢልካ ትሓስብ እንድሕሪ ሃሊኻ፡ በፍጹም ተሰሓሒትካ ኣለኻ።ንሱ ፍልይ እዩ ለውሃቱ ንሱ ፍሉይ እዩ ፍቅሩ።ንልውህና ድማ ብዘይካ ንነፍሱ ንኻሊእ ፍጹም ኣይመስከረላን።
እሞ ኸ እንታይ ኣሎ ዘየዕረፈና ዝኸብደና ዘሸገረና፡ምብጻሕ ዝሰኣናዮ። ናብኡ ቀሪብና ዎ ኣምላኽ ን ዓይን ንበደለኛ ምሓረኒ ንበሎ።ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ክሰምዓና፡ክቅበለና ድሉው እዩ።ጥራሕ ኣብ ቅድመኡ ምስ ቀረብና ብዛዕባ ሓጢኣትና ንዛረብ። ከምቲ እንበኣር ሎሚ ኣምላኽ ደጊሙ ከምዚ ይብል ለምኑ ክወሃበኩም እዩ።ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም ማዕጾ ኳሕኳህ ኣብሉ ክረሓወልኩም እዩ፡ከመይ ዝለመነ ኩሉ ይቅበል ዝደለየ ኸኣ ይረክብ፡ማኦጾ ኳሕኳሕ ንዘበለ ድማ ማዕጾ ይረሓወሉ፡ ማቴዎስ 7፡7-11።
እዚ ዜና እዚ ኣብ የእዛና ካብ እንሰምዖ እንበኣር፡ ንሕቶ ምሕረት ኣምላኽ ክንዳናጎ የብልናን። ንሱ ድልየኡ ክትረኽቡ ኢኹም ካብ በለ፡ ስለምንያ ንምሕረት ዘይንደሊ፡ንሱ ለምኑ ክወሃበኩም እዩ ካብ በለ ስለምንታይ ኦ ኣምላኽ ንዓይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ ዘይንብሎ።ማዕጾ ኳሕካሕ ኣብሉ ክረሓወልኩም እዩ ካብ ተባህለ ኸ ስለምንታይ ማዕጹ እግዚኣብሄር ዘይንኹሕኩሕ። ክገርመካ ፍቁር ሰማዒ ን ኣምላኽ ህጂ ኣብዛ ዘለኻዮ ኮንካ ብርክኽ ኢልካ የእዳውካ ብምልዓል ዎ ኣምላኽ ይኣኽለኒ በቃ የብቅዕ ኩሉ ክፋእ ናይ ዓለም እንድሕሪ ኢልካ ጥራሕ ድለ እንበር ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ ዓለም ደቂ ሰባት ሰኣን ናብ ኣምላኽ ምቅራቦም ክጭነቁ ከለዉ፡ኣብ ክንዲ ቀሪቦም ምስ ኣምላኽ ዝዛራረቡ፡ ን ነፍሰ ቅትለት መፍትሒ መሲልዎም ነፍሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ብዙሓት እዮም፡ስኻራን መፍትሒ መሲልዎም ብ መስተ ዝረስኑ እውን ብዙሓት እዮም።ክሳዕ ሓሽሽ ብምውሳድ ን ዘለዎም ጭንቀት ከግድፉ ብዝወስዱዎ ካሊእ ተወሳኺ ሕማምን ጭንቀትን ጸገምን ዘምጽኡ እውን ብዙሓት እዮም።ኣብ ዓለም ንጽድቂ ምንባር ስለ ዝሰኣኑዎ ጽድቂ ብሓይሊ ዝከኣል መሲልዎም ፈቲኖም በቃ እዝስ ከቢድ እዩ ንዓይ ብምባል ናብ ዓለም ዝምለሱ እውን ብዙሓት እዮም።እቲ ዘገርም ግን ንሰብ ጭንቀቱ ዘረስዖ፡ንሰብ ሽግሮ ዘረስዖ፡ ንሰብ ካብ ሽግር ዘውጽኦ፡ንሰብ ወኸለ ዝኾኖ፡ ዘይጠልም ዓርኪ፡ ዘይመኑ ኣፍቃሪ፡ ንሰብ ሰብ ዝገብሮ ፡እቲ ካብ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ኣብ 3ይቲ መዓልቲ መቃብር ፈንቂሉ ንብዘሎ ሞትን ባርነት ስዒሩ ሓርነት ዘኣወጀልና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ህያው ኣምላኽ ጥራሕ እዩ።
ዘገርም ነገር ናብዚ ኣምላኽ እዚ ዝተመልሱ ሰባት ካብ ዘለዎም ሕማም ተፈዊሶም ካብ ዘለዎም ወልፊ ተጋላጊሎም ካብ ዘለዎም ጸገም ተላቒቆም ነዚ ድማ ንሕና እዞም ሂወትና ካብ ከምዚ ዝበሉ ነገራት ዝተላቀቅና ሰባት ህያው መሳኻኽር ኢና። ኩቡር ኣንባቢ ኣምላኽ ንዓኻ ዝኹሉ ምሕረት ኣዊጁ ኣሎ እሞኸ ,,,,.

ይቅጽል……

2ይ ክፋል ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።

       2ይ ክፋል ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
እንበኣር ኩላትና እንጸድቅ በቲ ብእየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍን፡ምእማን ንዕኡን ካብ ኮነስ ንምንታይ ንድንጊ።ህጂ ብድድ ኢልና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ክንምድብ ኣለና፡ ነዛ ሓጻር ዕድመና ሰላም ዘለዎ ሂወት ዘይንነብር።ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ክርስቶስ ዓርኪ ጻድቃን ጥራሕ ገይሮም ምርኣዮም፡ በቃ ሓጢኣተና እንድየ ድሕሪ ህጂ ኣምላኽ ኣይቅበለንን እዩ ኢሎም ተስፋ ይቆርጹ። እዚ ግን ናይ ጌጋ ገጋ እዩ ኣምላኽ ዓርኪ ሓጥኣን ኮላይ እዩ።እዝስ ን ኣምላኽ ከም ምጽራፍ ነቲ ንሱ ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ምሕረት ምንዓቅን ምቁንጻብን ይቁጸር እዩ፡
ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጡፉኣት ክደሊ እዩ ዝመጸ ማቴዎስ 18፡10-14።ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።፲፩ - ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡፲፪ - እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን ?፲፫ - እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።፲፬ - ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ክጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።
ፍቁር ሓወይ ዋላ ኣነን ንስኻን ብዙሕ ሓጢኣት ተገበርና ብንስሓ ክንምለስ ደኣ እንበር ክንጠፍእ ኣይደልን እዩ፡መድሓኒና ፡ ክንጠፍእ ስለ ዘይደሊ ድማ እዩ ኣብ መስቀል ዝወዓለልና።ነዚ ክፈልጡ ስለ ዘይከአኣሉ ድማ እዮም ነቲ ምሕረት ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም ፈሪሳውያን ንሓጥኣን ይቅበል ምስኣቶም እውን ይበልዕ ዝበሉ ሊቃስ15፡17።ዘገርም ነገርሲ ኣነን ንስኻን ብምላስናስ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ይኸውን እዚ እውን ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ፍቅሪ  መግለጺ እዩ።ንሱስ ንሓኪም ሕሙማት ደኣ እንበር ጥዑያት ኣየድልዩዎን፡ ደኣ ተዛረበ።ን ሓጥኣን ደኣ እንበር ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እዩ ዝበለ ዘገርም ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተኛታት ሉቃስ5፡30።

 ዘገርም ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ከይተረዳና ዋእ መራሒ ሃይማኖት ተባሂሉስ፡ <<መራሒ መንግስቲ ተባሂሉስ >>፡<<ምስ መንዩ ዘዕልል ዘሎ>> ምባልና  ዋላ ንብዙሓት ሰባት እውን ዋእ ክብረቱ ዘይሕሉ እዩ ወደይ ኣታ ክብረትካ ዘይትሕሉ ዋእ፡ፈኪስ እኻ ንብል ግን ናይ የሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ሂወት ዝረሳዕና ብዙሓት ኢና።ንሱ ምድራዊ ኣገልግለቱ ናይቲ መድሓኒና ምስ ሓጥኣን የሕሊፉዎ ።

እዚኦም ኩሎም ጎዶሎታት ኣይኮነን የሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ኣብ መረት  ኣብ ዝነበረን ናይ ምድሪ ኣገልግሎቱ ፍጹም ምስ ጻድቃን ፈላጣት መጻሕፍቲ ውሩያት መማህራን መዘምራን ኣይከደን፡ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ካብኦም ዘይደሊ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡
እቶም ንዕኡ ዘድልዩዎ እቶም ብሰብ ድርቡያት፡ንዑቃት ፍንፉናት፡ ርጉጻት ዝነበሩ ሰባት ጥራሕ ስለነበሩ እዩ።እንበኣር እቶም ኣገልገልቱ ኢና እንብል እውን ነዚ ግብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ኣለና።የሱስ ክርስቶስ ክኸብር እየ ከይበለ ነፍሱ ብምሕሳር ኣብዛ ምድሪ ኣገልጊሉ። ዘገርም ነገር የሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንሕና ሰባት እንሓስቦ ዘይምኻኑ እዩ።ከም ናቱ ለዋህነትን ፍቅርንስ ኣብዛ መረት የለን።ነዚ ክገልጽ ደልዩ ድማ እዩ ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቅ ፍቅሪ ን ወልድ ካብ መንበርሩ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጸሖ ዝበለ።
ስለዚ ምናልባሽ ኣብ ምፍላጥ ኣምላኽ መልክዑ ገጊናዮ ከይንህሉ ኣምላኽ መልክዑ ከምቲ ሰባት ዘረዱኡናን ዝምህሩናን ዘይኮነስ  ፍጹም ፍሉይን በእምሮ ዘይብጻሕን እዩ።ብኹሉ ነገራቱ ብኹሉ ንኣምላኽ ክሳዕ ህጂ ደቂ ሰባት ክበጽህዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,.

ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።


ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
ናብ ተፈተኻ ፍቱወይ ብዙሕ ግዜ  ሰጣን ን ደቂ ሰባት ኣብ ናይ ድሕነት ኣፋፈት ምስ በጽሑ ፡መታን መንግስተ ሰማይ ከይኣትዉን፡ምስ ኣምላኽ ከይዕረቁን ነቲ ኣምላኽ ኣብኦም ዘለዎ ፍቅሪ ፡በቲ ዝገብሩዎ ሓጢኣት ኣብ ገጾም ከም መስትያት ብምርኣይ፡  ተስፋ ብምቅራጽ ፡ኣምላኽ ከም ዝተቀጠዐን ይቅረ ከም ዘይብለሎምን ብምምሳል ካብ ናይ ምሕረት መገዲ ብልጋስ መጻወድያ ናይ ሞት ኣኸቲሉ ሂወቶም ከሕልፉ ፡ኣብርእሲ ሓጢኣት ሓጢኣት ክፍጽሙ የተባብዖም፡በዚ ዘለዉዎ መገዲ ክቅጽሉ ድማ ይገብሮም።
እቲ ዘገርም ኣምላኽ ዘይሓድጎ ሓጢኣት፡ ኣብ መሬት ፍጹም ዘይምህላዉ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጢኣት ልክዕ ፍንፉንን ዘጸይፍን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ንእሽቶን ዓብይን ሓጢኣት የለን ኩሉ ሓጢኣት ማዕረ እዩ፡ እቲ ምሕረት ኣምላኽ ድማ ማዕረኡ ማዕረ። ግን ኣምላኽ ነቶም ዘጸይፍን ዘፈንፍንን ስራሕ ዝሰርሑ ይደሊ ዘገርም እዩ፡ ፍቅሪ ኣምላኽ !!!። ታሪኽ ማርያም መግደላዊት ተሪና ክንደይ ዓመታት ዘምያ ብ ርኹሳት መናፍስቲ ተታሒዛ ን ሰባት ተስሕት ነበረት እያ። ግን ናብ ጎይታ ምስ መጸት ተፈዊሳ ማርቆስ 16፡9። ከም መርኣያ ፍቅሩ ድማ ቀዳመይቲ ኣበሳሪት ትንሳኤኡ ኮነት።እወ ክገርመካ ነቶም ከውሒ ኢኻ ኢሉ ዝገልጾም ነበረ ከም እኒ ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዲማቶም ኣበሳሪት ወንጌል ገይሩዋ። ኣየ ዝኣምላኽ ፍቅሩ እዛ ሓጢኣት ትገብር ዝነበረት  ክንሳ ግን ንሱ ዘይውዳእ ምሕረቱ ኣርእይዋ እቲ ብዙሕ ሓጢኣት ዝገብር ብዙሕ ይሕደገሉ። እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ድማ ብዙሕ የፍቅር ሉቃስ 7፡47/48።
ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። ሮሜ 3፡23- 26- በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።፳፭ - ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።፳፮ - ንሱ ጻድቕ ክኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ፡ ዘገርም ነገር እዩ።ኩሉ ሓጢኣተኛ እዩ፡በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ ግን ብኸምኡ ይጸድቅ፡እታ ብኸምኡ ትብል ቃል ፍልይ ዝበለት ኩሉ ከስተውዕለላ ዘለዎ እያ፡ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ፡ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ በቃ በቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንያ ዘፍሰሶ ደም በጃ ምሕላፍ ይጸድቅ። ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

  
 መንፈሳዊ ወብ ሳይት እውን ዶ ይሕሱ!!!!!!።
  ኣብ ሚላኖ ዝነብር ኣባልና ከም ዝጸብጸበልከምዚ ይብል   :: እዚ ኣብ ኦፍሻል ወብሳይት መንበረ ፓትሪያርክ ተጻባቢቁ ወጹ ዘሎ ዜና ድማ ብዓይነይ እየ ርእየዮ ።ዕለት 18/04/2010 እዩ። ኣብቲ ብህግድፍ ዝምራሕ ቤተ/ክርስትያን ቅዳሴ እንዳ ተኻየደ ከሎ ካብ ስእሊ ናይ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደም ዛርዩ። እዚ ደም ምስ ተራእየ ናይቲ ቤተ/ክርስትያን ኣገልገልቲ ነዚ ሪኤን ንዝሰንበዳ ኣደታት ስቅ ክብላ ከም ዝነገሩወን እየን እተን ኣብኡ ዝነበራ ኣደታት ዝዛረባ።ዋእ እንታይ ኮይና እዛ ስእሊ ደም ትዛሪ ኣላ ተበልና ስቅ በላ ኢሎምና እየን ዝብላ።እዚ ስቅበላ ተባሂለን ኣደታት ክርሳዕ ዝተሓስበ ነገር ግን  ፡ናይቲ ቤተ/ክርስትያን ሩስያዊ ቀሺ ምስ መጹ ደም ካብ ስእሊ ጸረር ክብሉ ምስ ረኣዩ ብስንባደ እንታይ ተረኺቡ ብምባል ነቶም ናይ ኤረትራ ቀሺ ጸዊዖም ነፍሶም ክምርምሩ እዮም ተዛሪቦምም። ቀጺሎም ድማ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ጋዜጠኛ እዚ ናይ ሎሚ ኣዝዩ ዘፍርሕን ዘሰንብድን እዩ፡ ከምዚ ሪኢና ኣይንፈልጥን ፡ምናልባሽ ካብ ስእሊ ኣደና ማርያም ከምዚ ደም ምፍሳሱ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ኤረትራውያን ናብ ፓትሪያርኮም ክምለሱን ምስ ብጾቶም ሰላም ክገብሩን ዲማ ምዒዶምን ቤተ/ክርስትያኖም ክገድፍሎም ኣዚዞምን።በዚ ተዳፋፊኡ ድማ እዩ ነቲ ኩሉ ግዜ ዝወሃብ መጠንቀቅታ ቤተ/ክርስትያን ሩስያ ናብ ጽርግያ ከይወጸ ንምሽፋን ካብ ህዝቢ ገንዘብ 20 ኢሮ  
ግድን ብምባል ብሓይሊ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኤረትራዊ ገንዘብ ክዋጻእ ተገይ ::እዚ  እንዳተባህለ ብግዴታ ቤተ/ክርስትያን ቀይሮም ዘለዉ።ነዚ ነገር እዚ ፖሎቲካዊ ሓሶት ዘይኮነ መታን ክትፈልጡ ነዚ ወብሳይት እዚ ጠዊቅኩም ክትፈልጡ ትኽእሉ።ኣርእስቲ እቲ ጽሑፍ እውን ስለምንታይ ኣደና ማርያም ደም ነቢዓ ደኣ ይብል ነበረ። በፍጹም ድማ ሞትሮፖሊታን ምስ ኣመንቲ ኤረትራውያን ኮይኖም ብኣንኩሮ ኣይተዓዘቡዎንhttp://www.youtube.com/watch?feature=related&v=VK231zHTRCU&gl=IT።http://www.google.it/#q=milano+perche+la+madonna+piangeva&hl=it&prmd=imvns&ei=qI7WTvL4EcPJsgaurPWYDg&start=10&sa=N&bav=on.2,or.r_gc.r_pw.,cf.osb&fp=636b39331a910b16&biw=1366&bih=642 ወጽዩ ኣሎ።ነዚ ግን እታ ይፍታሀን ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ዝውንንዋ ልሳነ ፕረሲደንት ኢይሳይያስ ዝኾነት ወብሳይት ብኸምዚ ምቅራባ ብልቢ እንዳ ሓዘና ማዕሮ ክንደይ
ማዕሮ ክንደይ እዮም ንነፍሶም ከዕሽዉ ተላዒሎም ዘለዉ የተሓሳስበካ!!!።
ቅዱይ ቅብኢ ካብ ስእሊ ድንግል ውሒዙ ቅዱይ ቅብኢ ካብ ኣዒንቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥዕለ ኣድኃኖ ውኂዙ ዘገርም ውርዙይ ኣባህላ፡ጠሪጣስ ተትሓንከለይ ዝበሉስ ከምዚ ምስ ረኸቡ ለከ;; ኣብ ከተማ ሚላኖ/ኢጣልያ ቪያ ሳንግረጎርዮ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኒኮላይ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብቲ ዝተፈቕደሎም ግዜ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ቅዳሴ ኣናቀደሱ ከለው ካብ ሥዕለ ኣድኃኖ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱይ ቅብኢ ውኂዙ ውርዙይ ኣባህላ !!!። ነዚ ዘደንቕ ተኣምር መትረፓሊትን ሊቀ ጳጳስ ኤቮሉጊ ፣ ጳጳስ ኣቦንድዩ ምስ ቤተ ክህነትን አመንትን ኤርትራውያን ኮይኖም ብተመስጦን ብኣንክሮን ተዓዚቦምዎ ፣፣ እዚ ብ 10/08/2002 ዓ.ም.ግ (18/04/2010 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ናይ ኤርትራውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝተገብረ ተኣምር ብማዕከናት ዜና ተለቪዥናትን ጋዜጣታትን መርበብ ሓበሬታን ሬድዮን እናተቃልሐ ይርከብ ፣፣ ብኣሽሐት ዚቍጸሩ ሕዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢጣልያን ኤውሮጳን ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ይበጽሑ ስለ ዘለው'ውን ፣ እቲ ቤተ ክርስቲያን ንሕዝቢ ክፉት ኮይኑ አሎ ፣፣ 4ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁእ ወቅዱስ አቡን ዲዮስቆሮስ ነዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ብታሕስስ 2008 ባሪኾም አብ ሚላኖ ቀዲሶም ምንባሮም'ውን ድማ ይዝከር ፣፣ርኣዩ በሉ።http://www.lisantewahdo.org/news/metawynews.php። ዘገርም ነገር እዩ።ኣብቲ ሰብ ፍርሒ ተዋሒጥሉን ድሕሪ ህጂ ኣብዚ ኣይትቅድሱን ንስኹም ገለ ጸገም ስለ ዘለኩም እዩ ደም ካብ ዓይኒ ናይ ሓደ ስእሊ ክወጽእ ኣይክልን እዩ፡ኢሎም ዝሓዘኑ፡ግን ብኣንኩሮ ተዓዚቦም። ኣየ ድንቂ ነገር።ካብቲ ዘገርም ግን መትሮፓሊትን ጳጳስ ኤቮሉጊ ዝበሉዎ ተነይሩ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም መጻ ብጥልያን መናፈስታስዮነ፡ማለት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዳ ኣንጻር ናይዚ ኹሉ ዝግበር ኣብ ኤረትራ ሃዘና ገሊጻ ኣዮም ኢሎም።ነዚ ግን ቀይርካ ንህዝቢ ከተዕሹ ምፍታን እንታይ ይበሃል።መሳኺን እተን ኣቦም ዝኸዳ ዕራ እርግ ዝበላ ወብሳይታት ገንጺለን ዘይካታተላ ስለ ዝኾና። ከቅጽሎም ይኽእል እዩ።ንፖሎቲካዊ ሃልኪ፡እቶም ኣብ ሚላኖ ምሉእ ሰብ ከም ዝስዕቦም ገሮም ዝገልጹ ድማ ኣብዚ ዩቱብ 50 ሰብ ጥራሕ ከምዝኾኑ ገሊጽዎ ኣሎ።

ብሓፈሻ ግን ወግዓዊ ኦፊሳዊ ወብሳይት መንበረ ፓትሪያርክ ሓቂ ክትጽሕፍ ይግባእ።ሃይማኖታውያን ሓቂ ዘይተዛረብናስ መን እዩ ነታ ሓቂ ክጥቀመላ።ወግዓዊት ወብሳይት ልሳነ ፕረሲደንት ኢይሳይያስ እውን ጋና ነቲ ሓሶትን ፡ንጎይታኣ ንምሕጋስ ትገብሮ ዘላ ጉዕዞን፡ብምኽንያት ሞት ኣቡነ ማቴዎስ ታሪኽ ሂወቶም ኣብ ትገልጸሉ ነበረት ሰዓት፡ ኣዘዝታ መታን ከይቁጥዑ ግዲ ኢላስ ን ኣቡነ ማቴዎስ ብ ኢድ ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ተባረኹ ገይራ እያ ኣቅሪባቶም። ሓሳውን ፈራሕንሲ ፍጹም ዘይሓፍር!!!ነቶም ሽዑ ታራ ጳጳስ ዝነበሩ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ዝባረኹዎም ገይራ፡ነቶም ዝባረኹ ኣብ ቤት/ማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለዉ ኣቡነ እንጠንዮስ ግን ከይቁጥዕዑ ጎይቶታ ኢላ ካብ እቲ ዘበርከቱ ታሪኽ ምሕካኻ ማዕሮ ክንደይ ኣብ ኣባላት ኦርተደክስ ርኡይ ንዕቀት፡ከም ዘለዋ እዩ ዘርኢ።ታሪኽ በይኑ እዩ ጽልኢ በይኑ እዩ ብፍላይ ምእንቲ ሰብ ኢልካ ዝግበር ሓሶት ዋላ በቲ ከተሕጉሶ ኢልካ ትሰርሕ ዘለካ ሰብ ኣውን ዘምዝን እዩ ነዚ እውን ሓሲና ከይመስለኩም ሃያ ርኣይዎ http://www.lisantewahdo.org/news/histryabunematiewos.php ~~~(ኣብቲ ካብ ሓላፍነት ናብ ልዑል መንፈሳዊ መዓርግ) ኣብ ዝብል ኣንብብ ኣቡነ ማቴዎስ ብ22/ግንቦት1996 ግእዝ።ብ 30/05/2004 ፈረንጂ በዓል መንፈስ ቅዱስ እዮም ምስ ኣርባዕተ ጳጳሳት ብ ኢድ ኣቡነ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቀቢኦም።ነታ  ኣቡነ እንጠዮስ እትብል ሽም መታን ከይትለዓል ግን ረጊጹዋ ዝሓለፈ ዋና ወብሳይት ምስ ብጾቶም ሰለስተ ኣቦታት መዓርገ ጵጵስና ተቀቢሎም ኢሉ ሓሊፉዋ።መን ወሃቢኦም ግን ስለ ዘይነበረ ድዩ ኮይኑ ዋላ ከምቲ ዝጠቀስናዮ ን ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ከየቆጥዕ ዱጎማ ከይተርፎ ኣይተረደኣናን ዘሎ።ብሓቂ ሕሱር ወብሳይት።ካብቲ ዘገርም ድማ ቤተ/ክርስትያና ንዝኾነ ዕዮ ቤተ/ክርስትያን ኣገልግሎት ኢላ ደኣ ትገልጾ እንበር ሓላፍነት ኢላ ኣይትገልጾን ሓላፊ ማለት ገዛኢ፡ኣገልጋሊ ማለት ግን ተለኣኣኺ ስለ ዝኾነ።ጸሓፊ ናይዛ ወብሳይት ግን መንፈሳዊ ዘይኮነስ ፍጹም ንምትላል ተዓጥቀ ዕሉልል ፖሎቲካዊ ምኻኑ በቲ ኣስፊሩዎ ዘሎ ይበርሃልካ።ካብ ሓላፍነት ናብ ሓላፍነት ኣይበሃልን፡ካብ ኣገልግሎት ናብ ኣገልግሎት ደኣ ንሕናስ ንብሎ ስለምንታይ ኣቦው ዝለኣኹና ንሰባት ሓለፍቶም ዘይኮነስ ኣገልገልቶም ተለኣኣኽቶም ክንከውን እንበር ክሳዕ ክንደይ ስለ ንምትላል ተዓጠቁ እዩ ግን ኣብ ክንዲ ስእሊ ዝባረኹ ኣቡነ እንጥእንዮስ ዘቅርቡስ ስእሊ ኣቡነ ደስቆሮስ ክመጽእ ተደልዩ።ዘገርም ነገር እዩ።ኣቡነ እንጠንዮስ ግን ካብዚ ወብሳይት ልሳነ ኢይሳይያስ ደኣ ይተሓኸኹ እንበር ኣብ ምሉእ ወብሳይታት ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም ናይ ዘበና ሃወርያ እንዳተባህሉ ይጽለየሎም ኣሎ። ኣብ ጎደነታት ድማ ህዝቦም ፎቶ ናቶም ሒዙ ቀደማዊ እንጥእንዮስ ናጻ ይውጽኡ ይብል ኣሎ።
ብዝኾነ ንብሎ ተልዩ ህዝብን መንእሰያትን ተዋህዶ ነዚ ንምስሊ ቤተ/ክርስትያን ዘሕፍር ስራሕ ኪቃወሞን።ናይ ቀሳር ን ቀሳር ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ ክብልን ይግባእ።ኣቦዊነ ቅዱሳን ዘመሃላለፍዎ መልእኽቲ ደኣ ንምፍጻም ንጋየ እንበር ናይዚ ዓለም እዚኣ ሰበስልጣናትሲ ወደቅቲ እዮም።
                                                          ለቱ ስብሓት
                                       ሃይማኖተ ኣቦው