1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 8 January 2013

ዜና ምርጫ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ኣብ ምሽብሻብ።


ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘ ኢትዮጵያ መገዲ ሰላም ተዓጽዩ!፡ ሓድሽ ፓትሪያርክ ንምምራጽ ትሻባሸብ።

ናይ ዘበናት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ሰንኪ ኢድ የእታውነት ነገስታት መዋእላ ትሕመስ ትርከብ።እንሆ ድማ እታ መምህር ሰላም ክትከውን ዝግበኣ ቤተ ክርስትያን ዕንቅፋትን ፡ጠንቂ ምስኣን ሰላም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮይና ትርከብ።እታ ኣብ ትሕቲ መንበረ ፓትሪያርክ ግብጺ ክትመሓደር ንዘበናት ዝጸንሐት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ። ናይ ገዛኣ ርእሳ ፓትሪያርክ ካብ ዝፍቀደላ ንደሓር እንሆ፡ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ፓትሪያርካት ካብቶም ብሕማም ወይ ብንቡር ካብ ዝሓለፉስ እቶም ብ ተንኮል ዝጠፍኡ ፓትሪያርካት ይበዝሑ።ካብ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ከምኦም ዝበሉን።
እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝኣተወ ብ ኣቡነ ተኽለ ሃይማኖት ኣቢሉ ዝኣተወ ሽግር ክሳዕ ህጂ ኣይዓረፈን።ኣቡነ ደስቆሮስ ኣብ ኤረትራ ኣእትዮሞ ዘለዉ ሸጣንካ ጽባሕ ክወጽእ ዲዩ ዋላ ከም ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ን ቤተ ክርስትያን ክመቅላ ኢዩ።ድሕሪኦም ዝመጹ፡ኣቡነ መርቆርዮስ ስርዓት ደርግ ምስ ወደቀ፡ብገዛእ ፍቃደይ ስልጣነይ ሓዲገ ኢሎም።ካብ ኢትዮጵያ  መንበሮም ሓዲጎም፡ን 20 ዒስራ ዓመታት ብ ማዕዶ ኣብ ስደት ኮይኖም ነታ ብመመኽነይታ ዝገደፉዎ መዓርግ፡ብማዕዶ ካብ ዝርእይዋ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ።በዚ ድማ ነታ ቤተ ክርስትያን ዳርጋ ናብ ናይ ክልተ ፓርቲ ኣንፈት ከም ትምቀል ገይሩዋ ኢዩ።
እንተኾነ እቲ ሰላም ሃንቀው ዝበለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፡ድሕሪ ሞት ኣቡነ ጳውሎስ ህጅስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓደ ክትእከብ ኢያ።ፓትሪያርክ ከለዉ ፓትሪያርክ ኣይትምረጹ ሰላም ግበሩ ብዝብል፡ ተስፋ ክግበር ወሪሑ ኢዩ።ዋላኳ ሰላም ዝደልዩ ገለ ሊቃነ ጳጳሳት ተለዉ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ዓዲ ዝጸንሐ ሲኖዶስ ነቲ ናይ ሰላም መገዲ ብ ወግዒ ዓጽዩ፡ናብ ሓድሽ ምርጫ 6ይ ፓትሪያርክ ኣምሪሑ ኣሎ።
እዚ ናይ ምምራጽ ሓድሽ ፓትሪያርክ መስርሕ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘሎ።ሓላፊ ጠቕላሊ ቤተ ክህነት ጉባኤ ሊቃውንቲ መጋበ ብሉይ እዝራ ገብሩ  ገሊጾም ኣለዉ።ንሶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ክሳዕ ህጂ ፓትሪያርክ ዘይምሻሞም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ፓትሪያርክ ኣቡነ መርቆሪዎስ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ስልጣኖም ይመለሱ ዝብሉ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ስለዘለዉ ኢዩ ኢሎም።
ንሶም ብ ተወሳኺ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡”ኣቡነ መሪቆሪዎስ ከለዉ ኣቡነ ጳውሎስ ዝተሸሙሉ ኣገባብ ስርዓተ ቀኖና ብምፍራስ ኢዩ ዝብል ምድንጋር “ኢዩ፡ኣቡነ መርቆሪዎስ ፓትሪያርክነቶም ገዲፎም ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ ድሕሪ ዓመት ከምዝተሸሙን ፡ንሶም ስልጣኖም ገዲፎም ምስ ከዱ ቅድመ ኣቡነ ጳውሎስ ቤተ ክርስትያን ብ ዓቃበ መንበር ኣቡነ ዜና ማርቆስ ዓመት ምሉእ ከምዝተመሓደረትን ከም ዝጸንሐትን ፡ዕድመይ ኣሪጉ ኢዩ፡ ዓብየ ኢየ ኢሎም ምስ ከዱ፡ኢዩ ስርዓተ ሲመት ኣቡነ ፍሊጶስ ተካይዱ ተፈጺሙ “ኢሎም’ኢሎም ይትንትኑ።
ብተወሳኺ መጋበ ብሉይ ምስ ሬድዮ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ ምልልስ”ፓትሪያርክ እናሃለወ ካሊእ ፓትሪያርክ ምሻም ሕጂ ዝተጀመረ ከምዘይኮነን ክገልጹ ከለዉ ኣብ ዝሃቡዎ ሓብረታ።”ቤተ ክርስትያን ተበዲላ ኢያ።ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ነገር እዚ ልሙድ ኢዩ።ቅድመ ህጂ እውን ኣቡነ ቴዎፍሎስ ብሂወት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ፡ሕጊ ፍትሃ ነገስት ብምጥሓስ ፡ኣቡነ ተኽለ ሃይማኖት ናብ ስልጣን ከም ዝመጹን እታ ቤተ ክርስትያን ነቲ ሕጊ ሽዑ ኢዩ ጥሒሳቶ” ክብሉ ሓቢሮም።
“እቲ ምርጫ ንምክያድ ኣማራጺት ኮሚተ ከም ዝወጸትን፡ ሓድሽ ምልዊዋጥ ተዘይ ተገይሩ።ንዕለት 30 ጥሪ   ሕሩያት ሰባት እቲ ኣማራጺ ኮሚተ ከቅርብ ተመዚዙ ኣሎ ኢሎም”።እንደገና እቲ ሲኖዶስ  ን ጥሪ 6 ኣኸባ ኣሎ ይብል ነይሩ ምናልባሽ ኣብኡ ለውጢ ተዘይ ሃሊዩ።”ኣብ ጥሪ 30 እዚኦም ሕጹያት ኢዮም ድምጺ ሃቡዎም ተባሂሎም ክወሃቡና ኢዮም።ን ጥሪ 30  ክንጽበ ኢና” ኢሎም።
ሃይማኖተ ኣበው

                            haymanoteabow@gmail.com

Thursday 3 January 2013

ዜና


ንዘበናት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ቦታ ዝጸንሐ ኣምልኾ ጣዖት  ፈሪሱ፡ ብ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስትያን ከም ዝተተከአ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ብዕለት 10ሕዳር 2012 ፈረንጂ ዝተገብረ እምነ መሰረት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ገብሪኤል ብጹእ ኣቡነ ናትናኤል ዓቃበ መንበር ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘ ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዕዎ መግለጺ፡ንክርስትያናት ፍሉይ ስለ ዝኾነ ጥራሕ ዘይኮነ ንምክቶ ዘለናስ።ናይ እግዚኣብሄር ድንቅ ስራሕ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ቦታ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ድሕሪ ምስግጋሩ፡ህጂ ግን ብግልጺ፡ ኣምልኾ ጣዖት ኮይነ ኢዩ ኢሎም።
ንሶም ኣብ መግለጺኦም “እዚ ባዕድ ኣምልኾ ኢዩ” ።ድሕሪ ምባል፡ኣስዒቦም።”ንስኹም ንእግዚኣብሄር መመስገኒ ዝውዕል፡ቤተ ክርስትያን ንምስራሕ ክንድዚ ክትተግሁ ከለኹም ንሱ ዋጋኹም ክኸፍለኩም ኢዩ።”ኢሎም
እዚ ቦታ እዚ “የአርስዋ እመቤት” ዝብል ናይ ድያቢሎስ መሰውኢ ፡ናይ ሕሙማን መውዓዪ ዝነበሮ ክኸውን እንከሎ፡ኣብዚ ህጂ ግን ናይ ትምህርትን ፈውስን ኣደባባይ፡ናይ እግዚኣብሄር ድንቅ ቦታ ዝፍጸመሉ ክኸውን ኢዩ።
እዚ ስርዓተ ኣምልኾ እዚ  ብ ቅዱስ ገብሪኤል ስም 1ጥቅምቲ 19 ከምኡ እውን ግንቦት 19 ዝኽበር ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ስርዓትን ኣምልኾን ወጻኢ ዝኾነ  ናይ ባዕድ ኣምልኾ እንኪኸውን ከሎ ብ1885 ዓ/ም ግእዝ ኣትሒዙ ዝፍጸም ዝነበረ ስርዓተ ኢዩ።እዚ ጣዖት እዚ ብ ወይዘሮ ሻበሻ ወርቅ ይመር ከም ዝተመስረተ ታሪኽ የዘንቱ።
እዚ ባዕድ ኣምልኾ እዚ ናብ አርሲ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታትት ብምዝርጋሕ ፡ብ 1887ዓ/ም ግእዝ ፈረቀሳ ኣብ ዝተባህለ ኣከባቢ ናይ እምነት ስርሑ ብምሕያልን ኣምልኾኡ ብምስፍሕፋሕን ፡በብዓመቱ ስርዓቱ ብምጥንኻር የአርሲዋ እምቤት ብዝብል ንብዙሕ ናይ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ከእምን ዝጸንሐ ኪኸውን ከሊ።ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ብቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስትያን ዝብል ዝስራሕ ዘሎ ንዕኡ ንምፍሻል ኢዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክብሪ ኣምላኽ ዝሰርቅ ብዙሕ ኣምልኾ ከም ዝርከብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይርከብ።እቲ ህዝቢ  ሰኣን ምርድኡን ዝምህሮን ድማ ናይ ሰብን ናይ እዝግሄርን ከም ዝሓዋዊሶን፡በዚ ዝተባሳቸዉ ገለ መምህራን ንኽምህሩ ናጽነት ስለ ተኸልኡን ካልእ ሽም ስለ ዝህቡዎምን ተባሳጭዮም ኣብ ካልእ ሃይማኖት ከም ዝቅይሩ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅድመ ዓመት ኣነ ማርያም ኢየ ኢላ፡ሓንቲ ትዕግስቲ እትበሃል ወይዘሮ ብምትንስኣ እቲ ስርዓት ኣምልኾ ዘለዎ ኣምልኾ ግን ዘይተማህረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝግመት ከም ዝሰዓባን።በዚ ድማ ብህጹጽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝኣተወትን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይጽብጽቡ።ህጂ እውን መምህራን ኢትዮጵያ ታሪኽ ሰብ ምምሃር ገዲፎም ኣሰር ግብጻዊት ቤተክርስትያን ኣደኦም ወንጌል ተዘይ ምሂሮም እቲ ጥፍኣት ክቅጽል ኢዩ።
 haymanoteabow@gmail.com