1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 26 September 2012

እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ኣብጽሓና!:: መስቀል


          
        እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ  ኣብጽሓና!   
                                  መስቀል!::
መስቀል እንታይ እዩ?፡ኢልና ቅድመ ምሕታትና ቁሩብ ታሪኽ መስቀል መሰረቱ ክንዝርዝር ባህርያዊ እዩ።መቸስ  መስቀል ክለዓል ከሎ ንግስተ እሌነ ከይተዘከረት ኣይትሓልፍን እያ።ስለምንታይ ንሳ ነታ ክርስቶስ ዝተሰቅለላ ሓቐኛ መስቀል ካብ መረት ፍሒራ ስለ ዘውጽኣታ።መሰረታዊ ኣመጻጽእኡ ክንዛረብ ግን መስቀል ኣብ ዘበነ ብሉይ ገበነኛታት ዝስቀልሉ ነበሩ።ን መጀመርታ ግዜ ሰብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝተጀመረሉ ድማ ኣብ ናይ ፋርስ መግዛእቲ እዩ።ፋርሳውያን  ነቶም ገበን ዝገበሩ ሰባት እቲ ዘምልክዎ ነበሩ ፡ኦርሙዝድ ዝተባህለ ጣዖቶም መታን ከይረክስን ከይቁጣዕን ነቲ ገበን ዝገበረ ሰብ  ኣብ ሃገሮም ፡ካብ ሰማይ ትሕት ኣቢሎም ካብ መረት ከኣ ኣልዕል  ኣቢሎም ኣብ ዕንጸይቲ ይሰቅልዎ ነበሩ።እዚ ነገር እዚ ድማ  እንዳ ተለምደ ናብ መግዛእቲ ሮማ በጽሐ።
ከምኡ እውን ነዚ ጭካነ ዝመልኦ መቅጻዕቲ ቀዳሞት ፓርሻውያንን(ናይ ሎሚ ኢራን) ሶርያውያንን ግብጻውያንን ቅድመ ሮማውያንን ግሪካውያን ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ታሪኽ የብርህ።ኣይሁድ እውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ ብምንባሮም እዮም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ።ናይ ክርስቶስ ምስቃል ተሪኢና ቀንዲ ተኸሰሰላ ነገር “ንጉስ ኣይሁድ እየ”ስለዝበለ እዩ ዝነበረ፡ከምኡ እውን “ወዲ ኣምላኽ እየ “ብምባሉ ነበረ።
እዚ ነገር እዚ በቲ ግዜ እቲ ብ ዓይኒ ኣይሁዳውያን ከም ዓቢ ድፍረትን ገበንን እዩ ዝነበረ በዚ ድማ እዮም።ከም ገበን ወሲዶም ናይ ሽዑ መራሕቲ ሃይማኖት “ን መንግስተ ሮማውያን ክግምጥል ይሓስብ ኣሎ”ዝብል ምኽንያት ክሲ ኣቕሪቦም ን ሞት ክፍረዶ ን ጲላጦስ ዝሃቡዎ።ዮሓ19፡12። ብከመይ  ሞትከ  ኣብ መስቀል ተሰቀለ፡_ማቴዎስ27፡22-23።ኣብ ሞንጎ ክልተ ሸፋቱ ከም ዓቢ ገበነና እዩ ዝተሰቅለ።ከምዚ ገርካ ንሓደ ገበነኛ ምስቃል ዝብል ነገር እውን ካልእ ተወሳኺ ነይሩዎ እዩ። እቶም ገበርቱ ሰበስልጣን ነቲ ህዝቢ ገበን ንኸይገብር ከም መለበን መፈራርሒ እውን ይጥቀምሉ  ነበሩ።
ኣብ ግዜ ግዝኣት ሮማውያን ክሳዕ 3ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣምልኾ ጣዖታት ልሙድ ኢዩ ነይሩ።ሮማዊ ንጉስ ዝስገደሉ እዋን ነይሩ።እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ግን ዝኣምኑሉ ሓደ ኣምላኽ ስለዝነበሮም እሞ፡ነቲ ናይ ጣዖታት ኣምላኾ ይነጽግዎ ነበሩ።ኣሸሓት ካብኣቶም ድማ ብ ሰማዕትነት ካብዛ ዓለም ይሓልፉ ነበሩ።ከም እኒ ጰጥሮስ።
ብ ተወሳኺ ኣብ ግዜ ኦሪት ዘፍ40፡19።ዘዳግም 21፡22።እዝራ 6፡11 ኣብ መስቀል ዝስቀሉ ሰባት ርጉማት ወይ ድማ ኩኑናት ዝኾኑ ሰባት ጥራሕ እዮም ዝነበሩ።ኣብ ግዜ ሓድሽ ኪዳን ግን ካብ ስቅለት ክርስቶስ ንደሓር  ግን ናይ ድሕነት ምልክት ኮነ።መስቀል ብርሃን ለኹሉ ዓለም ዓምዳ ወድዳ ለ ቤተ ክርስትያን።መስቀል ንኹሉ ዓለም ዘብርህ መሰረትን ዓምድን ቤተ ክርስትያን ኢዩ።ደጉዓ ዘቅድስት ንሱ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪ እውን ዘፍረሰ ሰላምና ኢዩ። ብ መስቀሉ ነቲ ጽልኢ ቀቲሉ ንክልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቆም።ኤፌ2፡14-17። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ፈጣሪኦም ጥሒሶም ፈጣሪኦም ኣሕዚኖም ሕይወቶም ምስ ጎድኡ፡ን መጀመርታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበ ተስፋ”ዘርኢ እታ ሰበይቲ ርእሲ ተመን ክጭፍልቅ ኢዩ”።ዝብል ኣምላካዊ ቃል ኢዩ ነይሩ።ዘፍ3፡15 እዚ ከልካሊ ቀጽሪ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጣሪኦም ንኸይራኸቡ ዓብይ ከልካሊ ኮይንዎም ነበረ።
ነዚ ከልካሊ ቀጽሪ ግን በቲ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ውዕለት ተደምሰሰ ፈረሰ።ቆሎሴ 2፡14ስለዚ ድማ ኢና መስቀል ነፍቅርን ነኽብርን ገላትያ6፡14-15።
ናብ ታሪኽ ናይዚ ሎሚ ዓንቲ ስለምንታይ ተተመሊስና ድማ ስለምንታይ እዩ?? ። በዚ መዓልቲ እዚ መስቀል ነኽብር ንምንታይ ካብ ኩለን መዓልቲ ተመርጸት ንዝብል ቃል። ከምዛ ሎሚ ንግስተ እሌኒ ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ መስቀል ንምርካብ ብ ወዳ ቁስጢንጢኖስ ዓቢ ብምስሚማዕ መስቀል ክርስቶስ ንምንዳይ ናብ ኢየሩሳለም ተጋዓዘት።ቀደም ኣማኒ ንጉስ ከ ነይሩ ዲዩ ክንብል ንኽእል ኢና ተኾነ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ ወዳ ኣማኒ ደኣ ኣይንበር እንበር።ኣብ ሓደ ኲናት ፡ ኣብ ሰማይ በዚ ምስሊ እዚ ኢኻ እትዕወት”ዝብል ናይ መስቀል ምልክት ምስ ረኣየ ፡እሞ ምስ ተዓወተ  ናብ እምነት ክርስትና ካብቲ ናይ ኣቡኡ ኣምልኾ ጣዖት ተመሊሱ ኣትዩ ነይሩ።
በዚ ድማ ንክርስትና ከም ሃይማኖት ኣፍልጦ ሃቦ፡ኣብቲ ንሱ ዝገዝኣሉ ነበረ ቦታ ድማ ክርስትና ጥራሕ ሃይማኖት ኢሉ ኣወጀ።ኣብያተ ጣዖታት ይተዓጸዋ  ኣብያተ ክርስትያናት ይከፈታ ተባህለ።ካብኡ ድማ እያ ንግስተ እሌኒ ን ወዳ የእሚና መስቀል ክርስቶስ ንምድላይ ዝተጓዕዘት ኣብ ምድረ ኢስራኤል ምስ በጽሐት ድማ ኣብ ጎልጎልታ ብምብጻሕ ነቲ መስቀል ንምድላይ ዝፈተነት።ነቲ መስቀል ትደልየሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ግን ሓደ ፡ቂራቅዮስ ዝተባህለ ዓቢ ሰብኣይ በቲ ከባቢ ክሓልፍ ሃንደበት ኣጋነፋ እሞ፡ብዛዕባዚ ዝፈልጦ ነገር ተልዩዎ፡ ምስ ሓተተቶ።ካብተን ኣብ ከባቢኡ ዝነበራ ሰለስተ ዓበይቲ ቦታ ብርኽ ዝበላ ርእዩ።”እቲ መስቀል ሓደ ካብዘን (3)ሰለስተ በረኽቲ ኢዩ “በላ።
በዚ ድማ ክትኩዕት  ኣብ ዝሓሰበትሉ ግዜ ብሕልሚ ሓደ ነገር ተገልጸላ፡ዕንጸይቲ ኣኪባ ዕጣን ብምንኻስ ድማ ከምቲ ብሕልማ ዝረኣየቶ ነቲ ዕጣን ዝተነስነሶ እኩብ ኣዕጫው ኣቃጸለቶ።እቲ ትኪ ድማ ትኽ ኢሉ ሰማይ ብምዕራግ ናብ ምድሪ ክምለስ ከሎ፡ ናብ ሓንቲ ካብተን (3)ሰለስተ ቦታ ዓረፈ።ካብኡ ድማ በቲ ትኪ እንዳ ተመርሐት ኩዕትኣ ብምቅጻል፡ ነቲ ብእልቢ ሓመድ ተቀቢሩ ዝነበረ መስቀል ጎይታና ኲዒታ ኣውጽኣቶ ረኸበቶ።
ምስ ረኸበቶ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሽግ ወሊዖም ዘመሩን ኣመስገኑን።እቲ ንሶም ዝወልዕዎ ሽግ ፡ህጂ ንሕና ከም መዘከርታ ሆየ ሆየ ሆየ ብምባል ሽግ ሒዝና ሆየ ንብል ማለት እዩ።ኣብ መስከረም ዝበዓለሉ ምኽንያት ድማ ዋላ እኳ እቲ መስቀል መጋቢት ይረኸብ።እቲ ዝሃነጸቶ ቤተ ክርስትያን ግን  ኣብ መስከረም ስለ ዝነበረን ከምኡ እውን መጋቢት ጾም ብምኻኑን እዩ።በዚ ድማ ቅዱሳን ኣቦታትና ንኽብሪ በዓል መስቀል ክንዲ ኣብ መጋቢት  ኣብ መስከረም ክኸውን ስለ ዝወሰኑ እዩ።በዚ ምኽንያት ኢና ነዚ መዓልቲ እዚ ኩሉ ግዜ ብምዝካር ነኽብሮም።
          ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
             ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

            haymanoteabow@gmail.com

Saturday 15 September 2012

Urgent Press Release: Diocese Condemns Inflammatory Film against Islam and Resulting Violence .



FOR IMMEDIATE RELEASE — We strongly condemn the brutal murder of the United States ambassador to Libya and three of the embassy employees. In order for peace to reign throughout the world, brutality and hatred must be swiftly condemned and punished.
Hope must be brought to desperate places, kindness and mercy must be given a chance. However, hope will not thrive in the midst of hatred and violence. Therefore, those who are responsible for this brutal act must be brought to justice in order to give hope a chance.
We keep the families of the ambassador and murdered staff in our prayers as well as offering the families our heart felt condolences.
Furthermore, the Coptic Orthodox Diocese of Los Angeles, Southern California & Hawaii strongly rejects dragging the respectable Copts of the Diaspora in the latest production of an inflammatory movie about the prophet of Islam. The producers of this movie should be responsible for their actions. The name of our blessed parishioners should not be associated with the efforts of individuals who have ulterior motives.
Copts across the Diaspora never participated in any humiliation or violence against those who often persecute Christians. It is not the Christian way to respond to hatred with hate. Christianity prohibits a Christian from such acts. If burning the Holy Bible is wrong, then burning any book revered or respected by others is equally wrong. Holistically blaming the Copts for the production of this movie is equivalent to holistically blaming Muslims for the actions of a few fanatics. Even though Christians often face persecution, injustice and calls for open attacks over the airwaves, we reject violence in all its forms.
We call on everyone from all religions to respect the freedom of individuals to choose their faith.
May God always bless the United States of America.
His Grace Bishop Serapion Diocese of Los Angeles, Southern California and Hawaii
For more information, please contact:
Fr. Joseph Boules     (714) 356-9597
Fr. Gregory Bishay   (714) 349-7677
Marian Bishay           (714) 349-1011
haymanoteabow@gmail.com

Tuesday 11 September 2012

ጳጳስ ዲበ ኩሉ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ዘመነ ማቴዎስ ከምኡ እውን በዓል ቅዱስ ዮሐንስ ኣመልኪቶም ሰፊሕ ናይ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ሰናይ መልእኽቲ ንምሉእ ህዝበ ክርስትና ኣመሓላሊፎም።


ጳጳስ ዲበ ኩሉ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ዘመነ ማቴዎስ ከምኡ እውን በዓል ቅዱስ ዮሐንስ  ኣመልኪቶም ሰፊሕ ናይ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ሰናይ መልእኽቲ  ንምሉእ ህዝበ ክርስትና ኣመሓላሊፎም።1ይ ክፋል
2ይ ክፋል ይቅጽል,,,,, 

ንብጹእ ኣቦና ጳጳስ ዲበ ኩሉ ኣቡነ መቃርዮስ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ ፡ ን ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ፓትሪያርክና  ብሰላም ሓልዩ ሃይማኖትና የጽንዓልና፡ኣሜን።
                    haymanoteabow@gmail.com

Monday 10 September 2012

እንቋዕ ካብ ዘመነ ዮሐንስ ወንጌላዊ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ ብ ሰላም (ኣብቀዓና)ኣብጽሓና።



እንቋዕ ካብ ዘመነ ዮሐንስ ወንጌላዊ ናብ ዘመነ ማቴዎስ
ወንጌላዊ ብ ሰላም (ኣብቀዓና)ኣብጽሓና።
             ብስም ኣብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን
ዝኸበርኩም ህዝቢ ክርስትያን ኣብ ስደት ከማይ ተሰዲድኩም ዘለኹም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ካርሸሊታት ኤረትራ ኣብ ስቃይ ተሕልፍዎ ዘለኹም፡ከምኡ እውን ኣብቲ እዚ እዩ መወዳእታኡ ኢልካ ዘይዝረበሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን ዓመታት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ዘለኹም።ከምኡ እውን ኣብ ኤረትራ ብናፍቆት ደቅኹም ተዋሒጥኩም ብ ሃንቀውታ ኣብ ትሕቲ ጽምዋ እትነብሩ ዘለኹም።እንቋዕ ናብ ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሐንስ ፡ከምኡ እውን ብሰላም ነዛ ዝሓለፈት ዓመት ዘመነ ዮሐንስ  ብሰላም ኣፈጺሙ፡ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ብሰላም ኣሰጋገረኩም።
እዛ  ኣውደኣመት እዚኣ ከምዘን ዝሓለፋ  ዓመታት  ድምጺ እንቋዓ ኣብቀዓኩም ዝብል ሰናይ ምንዮትን በረኸትን ፓትሪያርክና ቅዱስ እንጠንዮስ ከይሰማዕና፡ከምኡ እውን ፓትሪያርክና ቅዱስ እንጥንዮስን፡ ቅዱሳን መነኮሳትናን፡ ቅዱሳን ካህናትን ፍታሕ ከይረኸቡ ን ዓመታት፡ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ  ነዚ ኣውዳኣመት እዚኣ ብዘይ ቁርባንን ድምጺ ቅዳሴን ማህለትን ተኸልኪልም የሕልፍዎ ብምህላዎም ዝስመዐና ቅረታ ክትግምግሞ ኣሸጋሪ  እዩ!!!።ብ ተወሳኺ ነዚ ኣውደኣመት እዚ ቤተ ክርስትያና  ኣብ ትሕቲ ፍጹማት ፖሎቲከኛታት ተጨውያ፡ ቤተ ክርስትያና ኣብ ትሕቲ ተወገዙ ብ መንግስቲ ዝተመጽወቱልና ብዕልዋ ዝመጹ  ዝተወገዙ ኣቡን ፡ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ  እንከለና ነብዕሎ ምህላውና ቅረታ ከይፈጠረልና ኣይተርፈን።ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185
እዚ ኮይኑ  ዘመነ ዮሓንስ ጽንክር ዝበለት ዓመት እኳ ተኾነት፡ግን የዒንቲ ህዝብና ዝተኸፍተላ፡ ተዓቢጡ ነበረ ሓቂ ናብ ቅርዓት ዝወጸላ፡ ህዝብና ንፍትሓን ርትዕን ሓቅን ካብ እተን ዝሓለፋ ዓመታት ብ ኸፊል ቃሉ ዘስመዓላን፡ ደው ኢሉ መርገጺኡ ን ብጹእ ፓትሪያርኩን ሃይማኖቱን፡ከምኡ እውን ፍታሕ ንዝሰኣኑ ኩሎም ወገናቱን ዘለዎ ፍቅርን ተደናገጽነትን ዘርኣየላ ትነኣድ ምንቅስቃስ ዝተራእየላ ዓመት እያ እውን ነይራ።
እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ግን ጸቀጢን ጨቆንትን ሓይልታት ከምኡ ኢሎም ክቅጽሉ ከምዘይኽእሉ ዘተንበሀት ዓመት እውን ነይራ ክበሃል ይከኣል። እዛ  ዝሓለፈት ዓመት  እቲ ቀደም ዝተረፈ ናይ ባርያ ንግዲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ኮላሊቶም ብምጥባሕ ብገበነኛታት ፡ ኣካላቶም ናብ ንግዲ ዝወጸላ ዘህዝን ፍጻመ ዝተራኣየላ እውን እያ ነይራ።  ክትጻወሮ ዘይትክእል ፍጻመ ኤረትራውያን ኣብ ሲና ተፈጸመላ ዘመነ ነይራ ዘመነ ዮሐንስ !። ገበን ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ኤረትራውያን ዝተፈጸመላ ፍልይቲ !!።ኣብ ታሪኽና ካብተን ፍሉያት ዓመታት እያ፡ነይራ ተበልካ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኮነን።እንተ በቲ እንተ በቲ ግን ነቲ ብሰላም ነዛ ዝሓለፈት ዓመት ዘወድኣና ልዑል ፈጣሪ ክብርን ምስጋና ይብጽሓዮ።
ዘመነ ዮሓንስ ተፈላለዩ ፍጻመታት ሒዛ ተወዲኣ ኣላ። ህጂ እውን ኣምላኽ ነዛ መጺኣ ዘላ ሓዳሽ ዓመት  ዘመነ ማቴዎስ ቅኑዕ ኣዋጅ፡ ዘመነ ምሕረት፡ ዘመነ ሰላም ክገብራ፡እቶም ኣብ ፈቀዶ ቤት ማእሰርቲ ብርሃን ጸሓይ ዘይፈልጡ፡ከማና ጽሩይ ኣየር ዘስተንፍሱ ፡ጽሩይ ኣየር ዘስተንፍሱላ ዓመት ፡እቶም መልክዕ ደቆም ንዓመታት ርእዮም ዘይፈልጡ ካብ ማሕዩራት ወጺኦም ገጽ ደቆም ዝርእዩላ ዓመት ክትከውን ፡እቶም ኣብ ስደት የዒንትና ብናፍቆት ዘማዓዱዋ ዘላዋ ዓድና ንርእየላ፡ ዓመት፡ ዘመነ ፍጹም መቃያይሮ፡ዘመነ ለውጢ  ይግበረልና።ከምኡ እውን ጥራሕ ኣብ ትምቢት ከይተሓጸርና ክገብረልና ክንጽልን ከም ፍቃዱ ክንጽዕርን ክንሰርሕን የድሊ።
ሰብ ዝበሃል ካብ ሕሉፍ ዝመሃርን ዘስተውዕልን እዩ እሞ፡ነዛ ዝሓለፈት ዓመት እንታይ ተጠቂምናላ፡እንታይ ከ ነይሩ ኣብ ግላዊ ይኹን ማሕበራዊ ክሳራታት ገምጊምና፡ነተን ዝነበራና ድኽመታት ኣሪምና፡ነቲ ዝነበረና ጽቡቅ ድማ ኣጽኒዕና ብምስትውዓል ክንኣትዎ ይግባእ።እው ነዛ ሓዳሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ፡ብሓድሽ ሓሳብ፡ብምሉእ ውሽታዊ ምልዋጥ፡ ክንቅበላ  ክንዳሎ ኣሎና።
እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ሰፋሕቲን ሃንደበታውያንን ለውጥታት ክመጹ ምዃኖም ክንፈልጥ ይግባእ ።ቤተ ክርስትያንን ኣመንታን እንበኣር ተጠቀምቲ ናይዚ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ  ክኾኑ ይግባእ።ለውጢ ብግዲ ከድሊ እዩ።ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ብርሃን ናይ ለውጢ ዘመን ከይሰልቸወናን ከይተሸገርናን ኪነው ፈተናታት ብምኻድ  ብ ተስፋ ክንጽበ ይግባእ።ብርግጽ ለውጢ ኣሎ።ዘይልወጥ ኣምላኽና ጥራሕ እዩ።ዘይቅየር ኣምላኽና ጥራሕ እዩ።ኣምላኽና ንኹሉ ክፈጥሮ ከሎ ዘይነብር ገይሩ ፈጠሮ፡ስለዚ እንበኣር  ቅድመና ክንደይ ሃገራትን ነገስታትን ህዝብታትን ከም ዝሓለፉን ህጂ እውን ዘይሓልፉ ዝመስሉ ነገስታትን ህዝብታት ወገናትን ክሓልፉ ግድን ክኸውን እዩ፡ እሞ ተስፋ ከይቆረጽና ብንቅሓት ንጸበ።
ብተወሳኺ እውን ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ዘይሓልፍ ምርጫ ፡ምርጫና ምርጫ ኣምላኽ ክኸውን ይግባእ።ኩሉ ግዜ ን ሓድሽ ነገር ሃረር ከም እትብሎ ድማ ነታ ሓዳሽ ኢየሩ ሳለም ዝኸውን ፈረ ክህልወና ብ ሃረርታ ክንጽዕር ይግባእ።ራእ 21፡1-6።
ኣምላኽ ዘመነ ምሕረትን በረኸትን ፍቅርን ሰላምን፡ይግበረልና።ንዓና ትኸውን ጸሓይ ኣብሪቑ ሃይማኖትና ባሪኹ፡ዘመነ ምንቅቓሕን ዘመነ ሕዳሰን ይግበረልና ።ን ዓመታ እውን ብሰላምን ብሓጎስን የጽንሓና ።ኣሜን
          ቐሺ ሙሴ ሽሻይ ኣገልጋሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን
   haymanoteabow@gmail.com