1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 30 August 2012

ይኣክል ምትላልል ምድህላል መንእሰይ ኦርቶዶክስ ኣስተውዕል!!!!


ይኣክል ምትላልል ምድህላል መንእሰይ ኦርቶዶክስ ኣስተውዕል!!!!
ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ኣብ ስዊዘርላንድ ባዝል ብ ዊዲት ፖሎቲካዊ ሓይሊ ኣስመራ ብ መሪሕነት እተወገዘ ኣቡነ ማርቆስ ፡ብ ትእዛዝ እተወገዘ ይፍታሀ ዲመጥሮስ።ዝተመርሐን ካብ ኩላቶም ካህናት እቶም ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ባንደራሒዞም ዝወዓሉ ካህናት መንግስተ ኤረትራ ዘዋፈሮም ፡ካብ ሓቂ ሓሶት፡ ካብ ሂወት ፡ሞት፡ካብ ን ኣምላኽ ምግልጋል ን ንጉስ ምግላጋል ብዝመረጹ፡ ካብ ኤረትራስ መንግስተ ሰማይ ትትረፈና ኢሎም።ዓዶም በጺሖም ንኽመጹ ጥራሕ፡ ብዝመሓሉ ገለ ዑሱባት ን ተዋህዶ ምስ መንግስቲ ወዲቦም ሃይማኖት ንምፍርስ ብ ዶላር ተታሊሎም ዝተመሓሓሉ ዉሉደ ክህነት ዘለዎም፡ሽም ናይቶም  ስለምንታይ ሃይማኖትን ፖሎቲካን ዘይፋላለ ኢሎም ፡ስለምንታይ ከ ተዋህዶ ብ ተወገዘ ጳጳስ ትምራሕ ኢሎም ዝመከቱ ንምህዳድን ካብ ህዝቢ ንምንጻልን ዊዲት ተፋሒሱ ክትግበር ኣብ ምድላው ኣሎ።እዞም፡-
1,ተዋህዶ ሃይማኖት ጥንቲ ክትድፈር የብላን፡መንግስተ ኤረትራ ካብ ሃይማኖት ተዋህዶ ኢድካ ኣውጽእ።
2,ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ብ ሂወቶም ከለዉ ናይ ክህነት መዓርጎም ክሰዓር ኣይግበኦን፡ካብ ፓትሪያርክነት ክወርዱ ኣይግባእን።  ፓትሪያርክ ብዘይ ዓንቀጽ 93፡ መንግስቲ ጸሊእዎ ኢልካ ኣይወርድን።
3, ፓትሪያርክ ከሎ ብ ሂወቱ ፓትሪያርክ ኣይሽየምን፡ክልተ ሽሕ ዝገበረ ሕጊ ኦርቶዶክስ ክቅየር የብሉን።
4,ተዋህዶ ብ ተወገዙ ጳጳሳትን ተወገዘ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ክመሓደር የብሉን።
7,ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ብሕማም ዝሳቀዩ ዘለዉ ኣቡነ እንጠንዮስ ሕክምና ክረኽቡ ኣለዎም፡ ካብ ማእሰርቲ እውን ክልቀቁ ኣለዎም ፡
8,ተዋህዶ ጅሆ መንግስቲ ተታሒዛ ክትነብር ኣይግባእን ወዘተ ዝብል ካልእ ብዙሕ ሕቶታትን ንዘለዎም  ካህናትን ድያቆናትን ስሞና  ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ንምንጻል መንግስተ ኤረትራ ዝኽተሎ  ረቂቅ ስጉምቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል  እቶም፡ እተወገዙ ኣባ ማርቆስ ብ መንግስተ ኤረትራ ተላኢኾም ናብ ስዊዘርላንድ ክመጽኡ ምዃኖም ምንጭታትና ካብ ኣፍ እቶም ሃይማኖተኛ እዮም  ኢልካ ክትግምቶም ዘይትኽእል ኣቡን ነበር ተረኺቡ  ኣሎ።
ካብዞም ኣብ ዓንኬል ጸለመ ዝተሓጽዩ ምኻነይ ዝመጸኒ ጸብጻብ ይሕብር። እዚ ኮይኑ  ግን ገ እንዳበሉኻ ዶ ትጋገ ኣስተውዕል መንእሰይ ኦርቶዶክሳዊ፡ እቲ ሕቶና ሕቶ ሃይማኖት እዩ።ንዝኾነ ናይ ሃይማኖት ሽግር ኣሎኒ ዝብል ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ኣደ ቤተ ክርስትያን ዝኾነት ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ቀሪብና መልሲ ክንህብ ዱሉዋት ኢና።ተጥፊእና ክንሕተት ድሉዋት ኢና።እንተ ንሶም ግን ዓለም ፈሊጣቶምሲ ተሰጊጎም እዮም።ካብ ኩሉ ጉባኤታት።እዚኦም ግን ትማሊ ኣብ ስዊዝ ኣብ ዘይምልከቶም ጉዳይ ፖሎቲካ ብምእታው ባንደራ ሒዞም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ክብሉ ዝወዓሉ ሸጋግጥ ዝዓጠቁ  ኣቕሽቲ፡ሎሚ  ክዳን ቀሺ ገይሮም ከታልልኹም ግዜ ኣይትሃቡዎም ።
 ኣስተውዕል መንእሰይ !!!!
1 .እዞም ዝመጽኡ ዘሎዉ ኣቡን ኣባ ማርቆስ ብሽም ቅዱስ ሲኖዶስ ኤረትራ ዘይመሓሉ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ክዛረቡ ሕጊ ተዋህዶ ኣየፍቅድን፡ዘይምልከቶም ከሎ ግን ረብሓ ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖትና ኣትዮም ይርብሹ ይርከቡ። ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ብ ኤረትራውያን ጳጳሳት ደኣ እንበር ብ ኢትዮጵያዊ ጳጳስ እሞ ድማ ብስም ሲኖዶስ ኤረትራ ዘይመሓለ ክትምራሕ ኣይግባእን። ስለዚ  ጳጳስ ነበር ኣባ ማርቆስ ፍጹም ቤተ ክርስትያን ከምሓድር ኣብ ኤረትር ኣይፍቀዶምን ንሶም እውን ነዚ ኣርጊጾም ይፈልጥዎ እዮም።እንዳፈለጡ ግን ህዝቢ ንምትላል ይሰርሒ ይርከቡ።
2,ዝኾነ ጳጳስ ብ ፓትሪያርክ  ደው ክብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን ከም ዝብሎ።ቀኖና ጋንግራ 325-381 ዓ/ም ቀኖና3 ፡ኣባ ማርቆስ ዉጉዝ  እዮም።ኣቡነ እንጠንዮስ ብፉሉይ ካብ ዘውገዙዎም ጳጳሳት ነበር ሓደ እዮም።ስለዚ ኣንኳን መስቀል ከሳልሙ ናብ መዓርጎም ናይ ምምላስ መሰል እኳ የብሎምን።
3, ብ መሰረት ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣባ ማርቆስ ኤጲስ ቆጶስ ክኸውን ጳጳስ ኤረትራ ክኸውን ኣይፍቀዶን እዩ። ዓንቀጽ 78፡ሀ ብዝብሎ መሰረት ኣባ ማርቆስ ኤጲስ ቆጶስ ዘብቆ መምዘኒ የብሉን።ሕጊ ኦርቶዶክስ ብ ትውልዱ በደኡን ኣቡኡን ኤረትራዊ ዝኾነ እንዳ በለ ኣባ ማርቆስ ግን በዲኦም ይኹን ኣደኦም ኢትዮጵያዊ ደኣ እንበር ኤረትራዊ ስለ ዘይኮኑ ፍጹም ኩልኩል  እዮም።ጳጳስ ብ ሲኖዶስ ኤረትራ ተመሪጾም እውን ኣይተሸሙን። መንግስቲ ኤርትራ ግን ስለ ረብሓኡ ናብ ኤረትራ የእትይዎም።
4,ኣባ ማርቆስ ክሳዕ ህጂ ን ዓንቀጽ 82፡ሀ ሲዒሮም ሓደ ጳጳስ ብዘይፍቃድ ፓትሪያርክ መንበሩ ሓዲጉ ክንቀሳቀስ ኣይፍቀድን ዝብል ብምስዓር ብዘይ ፍቃድ ኣቡነ እንጠንዮስ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ኤረትራ እንሆ ኣብ ኣውሮጳ ን ደቂ ተዋህዶ ኤረትራውያን ደም ንምፍሳስ ካብ መንግስተ ኤረትራ ትእዛዝ ወሲዶም ፡ላዕልን ታሕትን ይብሉ!፡በዚ ትእዛዝ ፓትሪያርክ ብምጥሓሶም የውግዞም  እዩ።
5,ጳጳስ ነበር ኣባ ማርቆስ ነቲ ዝኾነ ይኹን ጳጳስ ብዘይፍቃድን ኣፍልጦን ፓትሪያርክ  ዝኾነ ይዕበ ይንኣስ ስራሕ ቤተ ክርስትያን ክሰርሕ ኣይክእልን ፡ኣብ ሃገረ ስብከቱ ዝሰርሖ ስርሓት ብምልኡ ብ ኣፍልጦ ሊቀ ጳጳስ  ጥራይ ይኹን ዝብል (2000) ክልተ ሽሕ ዝገበረ ስርዓት ተዋህዶ ን ፖሎቲከኛታት ከሕጉሱ ብምጥሓስ ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ዘይፈልጥዎ ኣብ ምግባር ይርከቡ።
6,ዝኾነ ካህን ኮነ ጳጳስ ነቲ ዝሸሞ ጳጳስ ወይ ፓትሪያርክ ንዒቁ ብ ገዛእ ሥልጣኑ ምምሕዳር ዝምስርት ብንስሓ ክሳዕ ዝምለስ ዉጉዝ እዩ ከም ዝበሎ ኣባ ማርቆስ ዉጉዝ እዮም።ከጥምቁ ከቁርቡ፡ከነስሑ ናይ ካህን ስራሕ ከይሰርሕ ኩልኩል እዮም።ቀኖና 17 ስርዓትን ሕግን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ብዝብሎ መሰረት።
7,ዝኾነ ኣብ መዓርግ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ካብ ዓጻዊ ኆኆት (ዓጻዊ ማዕጾ)ክሳዕ ጳጳስ፡ ገበኑ ብ ሠለስተ መሰኻኽር እንተዘይ ተረጋጊጹ እንተዘይ ኣሚኑሉን፡ገበነኛ ተባሂሉ ኣይከልከል ዝብል ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፡ቀኖና (ኣትናቴዎስ 53) ብምስዓር፡ስለምንታይ ተወጊዝኩም ከለኹም ትቅድሱ ስለምንታይ ከ ምስ መንግስቲ ኮንኩም ሃይማኖት ተፍርሱ ጥራሕ ስለ ዝበልና።ንሕና ዘይንኣምነሉ መሰኻኽር ኣቅሪቦም ዘይስዕርሉን፡ (ተሓድሶ )እዮም ኢሎም ከጸልሙ ተዳልዮም ከምዘለዉ ከይሓፈሩ ሓቢሮም ኣለው።እዚ  ብምባል ካህን ዘይገብሮ ጸለመ ብምክያድ ብሓሶት ኣስማትና ኣብ ምጽላምን ምጽራፍን ክስዕ ን ኣቡነ መቃርዮስ “ወያነ እዩ “ኢሎም ብ ሓሶት ብምምስካሮም ካብ መዓርጎም ዘስዕሮም እዩ።ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣበሳ ዓንቀጽ 76 ቃል ኣዋዲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ብዝብሎ መሰረት ን ባዕሎም ዝኣምኑልና ክንሶም ሎሚ ግን ነዚ ሕቶ እዚ ስለ ዘልዓልና ህዝቢ ድማ ክፈልጦ ስለ ዝጀመረ ኣርእስቲ ንምቅያር፡”ተሓድሶ ኢሉ ብምጽራፉን ፍጹም ካብ መዓርጉ ስዑር እዩ።
8,ብሓይሊ፡ብተንኮል፡ብ ኣድማ፡ብ ህያብ ፡ብገዛእትን ስበ ስልጣን ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳስ (ፓትሪያርክ) ካብ መዓርግ ስልጣኑ ሥስዓር ።ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስትያን ይፈለ፡ብ ኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን።ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቁ፡ኣነ ንጴጥሮስ ስሞኦን ጠንቃሊ ከም ዘርሓቅክዎን ብ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝፈለኽዎን፡ይፈለ፡ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ5፡172-185  ብዝብሎ መሰረት ብ ዓለም ምሉእ ኦርቶዶክሳውያን ዝተሰጎገን ዝተወገዙን ኣቡን ነበር ኣባ ማርቆስ፡ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያናት ዝፈለዩዎን ኣብ ተዋህዶ ኣንኳን ክምድሩን፡ ከገልግልን ወዮ ህዝብና ሕጊ ስለ ዘይፈልጥ የታልሉ ኣለዉ እንበር ፍጹም ከም ኣርዮስ እዮም ክርኣዩ ዘለዎም ከም እዚ መጽሓፍና  ዝብለና ዘሎ። ሰዓቢ ተወገዘን ብ ሰበስልጣን ተሓጊዙ ዝመጸን ኣባ ደስቆሮስ ስለዝኾኑ። ኣባ ማርቆስ ፍጹም መዓርገ ክህነት የብሎምን።
እቲ ናይ ሃይማኖትና መጽሓፍ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እዩ።መን ደኣ እዩ ካብ ተዋህዶ ወጺኡ ዘሎ። ኣባ ማርቆስ ግን መሳኽን ኤረትራውያን ገርሀኛ ልቢ ህዝቢ ንምዝራፍን ንምስራቅን፡ ፡ጎይተቶም ዝለኣኹዎም ንምግባርን ክዋናጨፉ ኣብ ኣጋ እርጋኖም ይርከቡ።እቲ ኮይኑ እቲ ግን ኣባ ማርቆስ፡ምስ ኣባላት ጸጠታ ኤረትራ ኮይኖም ኣብ ምጥፋእ እቶም ኣርባዕተ ካህናት ኦርቶዶክስ  ዘወገ ምሁራን መሪገታ ይትባረክ በርሀ ዘለዎም ኣብ ምጥፈኦም ዝተሳተፉን ብ ገበን ዝልለዩን ኣቡን እዮም።እንሆ ድማ ነቶም ካብ ኣፍ ገበል ዝመሎቅና ዉሉደ ክህነት እግሪ እግርና ብምስዓብ ካብ ህዝቢ ከነጽሉና፡ህዝቢ የእምሮኡ ክምዝመዘሉ ይኽእል እዩ ኢሎም  ዝመረጹዎ ኣርእስታት ንህዝቢ ከዕሽዉ የእጋሮም ናብ ስዊዝ የምርሓ ኣለዋ።
ህዝቢ ኦርቶዶክስ እንበኣር ሎሚ ነዚ ን ህዝቢ ተዋህዶ ንምፍላስን ዕሸላት ን ዓቢ ዘለና ደቅኻ ንምህዳንን ይብገስ ኣሎ እሞ ተለዓል መክቶ።ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ ኤረትራ ዘይመሐለ ፍጹም ክዛረብ ኣይግባእን።ብ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ዝተወገዘ ኣብን ክንደይ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስትያንክ ኽህጭች እዩ።ኣይፋል ደኣ በል፡ፓትሪያርክ ዘለዎም ክንደይ ካህናት ንስቃይ ኣሕሊፎም ዝሃቡ  እሞ ድማ ኢትዮጵያዊ ኣቡን ሎሚ ደው ኢልኩም ተሰሚዕኩም።ንሕና ዘይኮነስ ሓቅን ርትዕን፡ኣምላኽን ቤተ ክርስትያኑን ክፈርድኹም እዮም።
 ኣብ ኤረትራ ዘለዋ ኣድባራት፡ ኣብ ኤረትራ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት  ኣብ ኤረትራ ዘሎ ታቦታት ሎሚ  ሓቂ ክትምስክሩን፡ኣይፋልኩምን ኣይንደልን ያኣክል ምትላል ክትብሉን ይጽበያኹም ።እንተ ንሕና ግን ሃይማኖት ወይ ሞት ኢልና  ኣለና።ንዝኾነ ብስም ክርስቶስ ዝመጸና ፈተና ድማ ክንጸውር ፡ክንስዕሮ፡ ሎሚ ጽባሕ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ምኻና ደጊምና ን ኣምላኽ ቃል ንኣትወሉ።።ንስኻትኩም ግን ከምቲ ቅዱስ ሙሴ ዝበሎ ካብ ኣኼባ እዞም ዓማጽያን ረሓቂ ይብለኹም ኣለኹ።እወ ብ መዓቶም ከይትጠፍኡስ ካብ ኣኼይበኦም ርሓቁ።( ዘኁ 16፡26)።።ዳዊት 2:12:ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹምድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም። ኤርምያስ 51:6:ብሰሪ ዓመጻኣ ኸይትጠፍኡስ፡ ካብ ባቢሎን ህደሙ፡ ነፍሲ ወከፍ ነፍሱ የድሕን። እዚ እቲ ጊዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝገበረቶ ኺፈድያ እዩ። 
ይትባረኽ ስሙ ለእግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ፡ኩሉ ሰዓት ።
              haymanoteabow@gmail.com

Monday 27 August 2012

ሓወልቲ ዶክተር ኣቡነ ጳውሎስ መን ኣስርሖ??




ሓወልቲ  ዶክተር ኣቡነ ጳውሎስ መን ኣስርሖ??

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ  ጳውሎስ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ዘ ኢትዮጵያ ካብቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ፓትሪያርካት ኢትዮጵያ  ጽፉፍ ስራሕ ዝሰርሑ ኣቦ ተባሂሎም እንክጽውዑ ከለዉ፡ገለ ገለ ሰባት ግን ዝገበሩዎን ዘይገበሩዎን ነገራት ሃሰስ እንዳበሉ ከካፍኡ ዝውዕሉ ሰባት ኣይተሳእኑን።ብፍላይ ን ባዕሎም ማሕበር ቅዱሳን ኢና ኢሎም ካብ ዝሰየሙ ማሕበረ ምትሃተኛታት ጀሚርካ ማለት እዩ።ነገር ግን ሓቂ ቀስ ብቀስ ትወጽእ ኣላ።
እቲ ባዕሉ ማሕበር ቅዱሳን እየ ኢሉ፡ብምስያም ንኻልእ  ማሕበር ምስኡ ንዘይ ሓበሩን ትጋገ ኣለኻ ንዝበሉዎን፡ ካበየ ኣልቦ እንዳ ኣምጸአ ናብ ማሕበር ሰጣን ንምምሲሳል ከጸልም ዝውዕል ማሕበረ ምትሃተኛታት ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ጳውሎስ እውን ምስ ገለ ከም እኒ በዓል ቅንጅት ዝኣመሰሉ ፖሎቲካውያን ውዱባት ብምዃን ብዙሕ  ሓያል ጸለመ እዩ ከካይድ ጸኒሑ።ሓደ ካብኡ ድማ ኣቡነ ጳውሎስ  ሓወልቲ  መዘከርታ ዝኾኖም ሃኒጾም ዝብል ጸለመ እዩ!!።
እዚ ሓወልቲ እዚ ግን ኣቡነ ጳውሎስ ባዕሎም ከም ዘይገበሩዎ ወ/ሮ እጅጋየሁ በየነ ምስ መጽሔት  ቁምነገር ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ኣብሪሃ ኣላ።ንብቱ ቃለ መጠየቅ እስከ ነብል።
 ሕቶ ፡መጽሔት ቁምነገር ፡- ወ/ሮ እጅጋየሁ ዕድመኽን ክንደይ እዩ??።
ወ/ሮ ፡እጅጋየሁ፡- እግዚኣብሔር ይመስገን ዕድመይ (66 )ሱሳን ዕዱሽተን ዓመት ወዲአ ኣለኹ።
መጽሔት ቁምነገር፡-ናብ ቅዱስ ፓትሪያርክ ክትከዲ ኣይከብደክን ?።
መልሲ:እጅጋየሁ፡-በፍጹም፡ማንም ኣይብለንን።እዚ ትብሎ ዘለኻ ጉዳይ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ተጻሒፉ ኣንቢበ ኣለኹ።ብ መጀመርታ ናብ ቤተ ክህነት ዝኣቱ ኣነ ጥራሕ ኣይኮንኩን።ብዙሓት ኣንስቲ እየን ዝኸዳ፡ኣነ ግን ናበይ ከም ዝኣቱ ይፍለጥ። ኣነ ናይ ማንም ደላሊት ወይ ድማ ወረ መቀባበሊት ኣይኮንኩን።እዚ ከረጋግጸልካ ይኽእል እየ።ነዚ ንምግባር ዕድመይ፡ ሃይማኖተይ ኣተዓባብይያይ ኣይፈቅደለይን እዩ።ብኽልተ ዝበልዕ ሰበይቲ ኣይኮንኩን።ኣነ ዝኣትዎ ቦታ ዝተፈልጠ እዩ፡ዝሽፈን እውን የለን።እግዚኣብሔር ካብ እሱር ቤት ኣውጺኡ  መሪጹ ካብ ስደት መሊሱ”ወደይ እስኻ ኢኻ፡መንበረይ ንዓኻ እዩ”ኢሉ ናብ ዘቀመጦ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ እየ ኣነ ዝኣቱ።ዝኣቱ ድማ ካብኦም ቡራከን በረኸትን ምርካብ እዩ።ዝኾነ ማንም ወረ ንኸመማላልስ ኣይኮንኩን ዝኣቱ።እዚ ዝተፈልጠ ነገር እዩ።ስለዚ ብሰንከይ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተላላዕለ ነገር የለን።
 ሕቶ፡መጽሔት ቁመንገር፡- ኣባላት ማሕበረ ቅዱሳን ኣብ መንጎ ኣቦታት ስምምዕ ንኸይፍጠር  እትሰርሕ ዘላ ፡እሳ ብትገብሮ እዩ ይብሉኽን ?፡
 መልሲ፡ወ/ሮ እጅጋየሁ፡- እዚ ትብሎ ዘለኻ ማሕበር ኣነ ኣይፈልጦን እየ።ናይ ነበራየ ነበረ ማሕበር ድዩ ዋላስ ካልእ ኣነ ኣይፈልጥን።ማሕበር ማርያም፡ማሕበር ግሻን ዝበሃሉ ይፈልጥ።ንርእሱ ቅዱስ ኢሉ ዝሰይም ማህበር ግን ኣይፈልጥን።ዘይኮነ ዘናፍስ ናይ ኣጋንንቲ ማሕበር ከይኮነ ናይ መን ክኸውን ይኽእል?።ናብዚ ከይኣቱ ዝኽእል ክኽልክልኒ ዝኽእል ብዘይካ ኣቡነ ጳውሎስ ድማ የለን።
መጽሔት ቁመንገር ሕቶ፡ ምስ ብጹእ ወቅዱስ ዝምድና ኣለክን ዶ?።
መልሲ  ወ/ሮ፡ እጅጋየሁ፡- የብለይን።መጀመርታ ደረጃ ዝምድና ዝበሃል የብለይን ምስኦም።ዝምድና እኳ ተዘይሃለወኒ ግን ናይ መንፈስ  ኣቦይ እዮም።ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ድማ ቀሪበ ርእየዮም ኣለኹ።ለዋህ፡ቅኑዕ፡ርህሩህ፡ደገኛ ሰብ፡ይቅረ በሃላይ፡ ሓሶት ዝበሃል ካብ ዘረበኦም ዘይስማዕ ኣቦ ምዃኖም ፈሊጠ ኣለኹ።ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ከምዚ ዝበለ ሓደ ዓቢ ኣቦ ምርካባ ናይ እግዚኣብሔር በረከት እዩ።
መጽሔት ቁምነገር፡-ምስ ኣቡነ ጳውሎስ መዓስ ነይሩ. ተፋለጥኩምሉ?
መልሲ ወ/ሮ  እጅጋየሁ፡-ቅዱስ ኣቦና መጀመርታ ፓትሪያርክ ከይኮኑ ከለዉ እየ ዝፈልጦም።
መጽሔት ቁምነገር፡ ኣበይ?።
መልሲ ፡ወ/ሮ ኣጅጋየሁ ፡-ኣመሪካ ሎሳንጀለስ
ሕቶ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ኣጓኒፉዎም ዶ ይፈልጥ?።
መልሲ፡ ናተይ ኣቦ  ኣባታችን እዮም ዝበሃሉ፡ዝኸበሩ ፍሉይ ኣቦ እዮም።ኣብ ሎሳንጀለስ ማርያም ዘቆሙ ንሶም እዮም።ኣብ ኣመሪካ (7 )ሸውዓተ ቤተ ክርስትያን ኣቂሞም ኣለዉ።
መጽሔት ቁም ነገር፡ ሕቶ፡- ኣብዚ 200 ዝኾና  ኣብያተ ክርስትያን ምስርሖም ይንገር?
መልሲ፡-እንታይ ዘይሰርሕዎ ኸ ኣሎ።ልምዓትስ፡ቤት ትምህርትስ፡ዞም ኩሎም ካህናት ደመወዞም ክመሓየሽ ብምግባር ዘመሓየሹ እሶም እንበር መን ዲዩ እሶም እንድዮም።30 ቅርሺ ዶ ኣይኮነን ነይሩ ደመወዝ ሓደ ኻህን።
መጽሔት ቁምነገር፡ሕቶ፡-፡ ብዙሕ ስለ ዝሰርሑ እዮም ብዙሕ ተቃዉሞ ኣጓኒፍዎም ማለት እዩ?
መልሲ፡- ጻድቅ ሰብ ኩሉ ይወርዶ፡ይስደድ፡ጌታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ ከመራ ተቀቢሉ ጽቡቅ ስራሕ ሰሪሑ።
 መጽሔት ቁምነገር ሕቶ፡-ናይ ኣቡነ ጳውሎስ ሓወልቲ ንምቋም ካብ ዝሓሰቡ ውሽጢ ንስኺ ሓንቲ ዲኺ?።
መልሲ፡ ህጂ እዚ ሕቶ እዚ ምሕታትካ ብጣዕሚ ደስ ዝብል እዩ።እዚ ሕቶ ነይሩ ኣነ ዝመጻእኩ። ሓቂ ንኸወጽእ ደልየ ኣለኹ።በመጀመርታ ደረጃ ሓወልቲ ቅዱስ ኣቦና ይሰረሓሎም ኢለ ዘመንጨኹዎ  ሓሳብ የለን።
መጽሔት ቁምነገር ሕቶ ፡- ናይ መን ሓሳብ ደኣ?፡
ወ/ሮ መልሲ፡- ህዝቢ እዩ።ቃሊቲ ዘሎ ቁስቋም ማርያም ጽላት ኣብ ጥቅምጢ ምስ ወጸ ኣይኣቱን ኢሉ ኣይምለስን በለ።ንብዙሕ ግዜ ተቀሚጡ ህዝቢ ብምህለላን ልቅሶን በችንቀት ነበረ እሞ።ሓድ ሰብ ግን ቤተ ክርስትያን ክሰርሕ እየ ኢሉ ስርሐ፡ንሱ ምስ ተሰርሐ እውን ምእትው ኣይትኻእለን፡ድሕሪ ብዙሕ ምህለላ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቦታ በጽሑ።ነዚ ክሳዕ ህጂ ዘይተኻእለ ህጂ ከእትዊዎ ማለት እዩ።ብ ሓንቲ ብራከ ፡ድፍእ ኢልም ወዲቆ ጸሎቶም ምስ ኣብጽሑ ።ኩሉ ኮይኑ።
በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዝነበሩ ህዝቢ በምልኡ “ሓወልቲ ክስርሓሎም ይግብእ ፡ብ ሕይወቶም ከለዉ ተቀሪጹ ኽርእይዎ ኣለዎም” ኢሉ ህዝቢ ዘተንሰኦ እንበር ኣነ ዘምጻእኩዎ ሓሳብ የለን።ኣነ ዘውጻእኩዎ ሳንቲም እውን የለን።
ሕቶ፡-ብ ናይ መን ገንዘብ ተሰርሑ?።
ወ/ሮ ፡-መልሲ እዚ ብ ህዝቢ ዘዋጽኦ ገንዘብ እዩ።
ሕቶ፡-?ህዝቢ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ኣዋጺኡ ?
ወ/ሮ መልሲ ፡-ኣስታት (400,000 )ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ተዋጺኡ።
ሕቶ፡-ስለዚስ ኣብዚ ሓወልቲ  ውሽጢ ኢድ የብልክን ማለት እዩ?
ወ/ሮ ፡መልሲ፡- እዚ ነገር እዚ ክሰምዕ ከለኹ፡ ናቶም ክብሪ ምርኣይ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ  ስለ ዝነበረኒ።ናቶም ክብሪ ምርኣይ ምንዮተይ ብምንባሩ ተሓጊሰ  ክደምቀሉ ብዝኽእል መገዲ ክሕግዝ ጀሚረ።
ሕቶ፡- ን ምሳሌ እንታይ ንምግባር?
ወ/ሮ እጅጋየሁ ፡-ቅዱስ ኣቦና ከይሰምዑ ሰርፕራይዝ ንምግባር ኢለ ድምቀት ንኽነብሮ፡ሰሪሐ
ሕቶ፡-ስለምንታይ ቦሌ መድኃኒዓለም  ተመሪጹ?

መልሲ፡- ኣብ ቅድመ ጭቃ  ደው እንዳበሉ፡እንዳ ተኸሰሱ ዘስርሕዎ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝኾነ
ሕቶ፡- ሓወልቲ ካበይ  ተሰሪሑ?
መልሲ ወ/ሮ፡-ሓሙሽተ ሚኢቲ ዓመት ክጸንሕ ዝኽእል ፋይበር ዝበሃል ነገር ኢዩ ተሰሪሑ።
ሕቶ፡-ሓወልቲ ምስርሑ ኣባታችን ሓንቲ ኣይፈልጡን ኢልክኒ ይመስለኒ?
መልሲ ወ/ሮ፡- መድሓኒ ዓለም ምስክረይ እዩ። እመቤትን ይብለካ ኣለኹ ።ዝኾነ ነገር  ኣይፈልጡን።
ሕቶ፡- ዝመረቁ ግን ንሶም እዮም?
መልሲ ወ/ሮ፡- ጉዳይ ከይፈለጡ እዮም ገረሞ።
ሕቶ፡- እንታይ  ?
መልሲ ወ/ሮ፡- ንኽመጹ በቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ተመሃሮ ስለ ዘለዉና ፡ይምጹኡና ሙጹና መርቁልና በሉልና ተባሂሎም እዮም ዝመጹ።
ሕቶ፡- ከይፈለጡ?
መልሲ ወ/ሮ፡- ፍጹም ዝፈለጡዎ ነገር ኣይነበረን።
ሕቶ ፡- ምስ ረኣዩዎ እንታይ ኢሎም?
መልሲ፡ወ/ሮ፡- ሓቂ ንምዝራብ ምስ መጹ ሪቫኑን  ብ መቀስ ቆሪጽኩም ኣብዚ ዝተሸፈነ ኣሎ ክፈቱዎ ኢልናዮም።ምስ ረኣዩዎ ብጣዕሚ እዮም ሰንቢዶም ደንጺይዎም፡ደንጊጾም መስቀሎም ኣብ ዓይኖም ገይሮም፡ዝተከዙላ ፎቶ ግራፍ ኣለኒ ከርእየካ ይኽእል እየ ከም ጭብጢ።
ሕቶ፡- ካብኡ እንታይ ኢሎም?
መልሲ፡ ወ/ሮ፡- “ኣይግባኣንን እዮም ዝበሉ”እዚ ነገር እዚ ንዓይ ኣይግባእን እዮም ዝበሉ፡እንታይ ስለ ዝገበርኩ?፡መን’የ  ኣነ?፡ኢሎም ርእሶም ዘትሓቱ ኣቦ እዮም።
ሕቶ፡- ህጂ ናይ ሓወልቲ መጠረሽታ እንታይ እዩ?።
መልሲ፡ወ/ሮ እጅጋየሁ፡- ሓወልቲ ህጂ ኣሎ።ክነብር እዩ፡ክቅጽል እዩ።ዝፈርስ ሓወልቲ የለን’።

ኩቡራት ህዝቢ ክርስትያን  እሞኸ እዚ ኹሉ ጸለመ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቅቡእ ኣምላኽ ስለምንታይ??።፡ቅኑዓት ወብሳይታት ተዋህዶ እንብለን ከማን ብዘይ ጭብጢ “ኣቡነ ጳውሎስ ዘስርሕዎ ሓወልቲ” ብምባል መሳርሒ ጸለመ ማሕበረ ቅዱሳን ብምዃን ብዘይ ጭብጢ ከምዚ ምግባረን ኣየሕዝንን ዶ?!!፡ስለምንታይ ግን ደቂ ኦርቶዶክስ ኢና ዝብሉ  ማሕበር ምትሃተኛታት ነዚ መሪጾም።ሓሶታት ምሂዞም፡ን ብጹእ ኣቦና ሽሞምን ዘይሽሞምን ከሰክምዎም መሪጾም።ቤተ ክርስትያን ሓበሻ ዳግማዊት ኢየሩሳለም መሳደዲትን፡ሰቃሊትን ቅዱሳን ካብ ምዃን መዓስ እያ ተዕርፍ። ክንዲ ናይ መዋእል ቤት ትምህርቲ ካብ ግዜ ሃጸይ ዘርዓ ይዓቆብ ክሳዕ ህጂ። ምናልባሽ ነገረ ትምህርቲ መለኮት ዘይፈልጡ ከም ማሕበረ ቅዱሳን ነቲ ትምህርቲ ዜማ ትምህርቲ ይወስዱዎ ይኾኑ፡ግን ዜማ ጥራሕ ሚሂርካ ንዘምልኾ ዘይፈልት ህዝቢ ሒዝካ ምንባር ክርስትና ዲዩ።
ዘሕዝን እዩ፡እቶም ኣቡነ ጳውሎስ ሓወልቲ ኣስሪሖም እንዳበልኩም መሳኽን ክንዲ ጸሎትን ሓጢኣትኩም ትሓስቡን ተውሪዩ ግን ካብ ሎሚ ንደሓር ሓቂ ነጊርናኩም ኣለና እሞ፡ካብ ሕሜታ ደኣ ተቆጠቡ። ዝወዓለ ይንገርካ እዩ እሞ፡ካብ ኣፍ እዛ ደገኛ ኣደ ሰሚዕኩሞ ኣለኹም እቲ  ሓቂ።ከድኩም ኣዲስ ኣበባ እውን ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም።ስለምንታይ ግን ዓለማውያን ዘይተቃወሙስ ሓወልቲ ኣቡነ ጳውሎስ ን ማሕበረ ቅዱሳን ኮርኲሑዎም??፡ ጽቡቅ ስለ ዘይፈቱ እቲ ምሰኦም ዘሎ መንፈስ ዶ ይኸውን።ዶ ዋላስ እተን ንጹህ ደም ቅዱስ ኣስቲፋኖስን ክንደይ ቅዱሳን መነኮሳትን  ዘፍሰሳ የእዳው ነዚ ክሰርሓን ከውሪያን ስለ ዘይዓርፋ ፡ክሳዕ መዓስ እዩ ኸ ኣብያተ ክርስትያናት ናይ በልዓካን ለኽዓካን ዝኸውን።ንምኻኑ ኢትዮጵያውያን ኩኑ ኤረትራውያን ደድሕሪ እዚ ዝነፈሰ ማሕበር ካብ ትነፍሱ ከምዛ ደገኛ ሰበይቲ ደገኛ ሓሳብ መዋእልኩም ስለምንታይ ዘይተማዕበሉ?!።
                ሃይማኖተ ኣበው
                haymanoteabow@gmail.com

Friday 24 August 2012


ን ሎሚ ብ ቐሺ ሙሴ ሽሻይ ኣብ ልዕሊ ኩቡር ኣቦና  ፕሮፈሰር ቐሺ ኣትናቴዎስ ኣብ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝሃቡዎ ትምህርቲ ተዋህበ ሕቶን ርኢይቶን   ከነቅርበልኩም ኢና ።
ብቐዳምነት ናይቲ ሰማያዊ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ምስ ኩላትኩም ክኸውን እተስፎ! ቀጺለ ድማ ነቲ ካብ ዕለት 2-5 ነሓሰ 2012 ኣብ ኣትላንታ ዝተገብረ ዓመታዊ ጉባኤ ብዝምልከት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ብኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ ዝቀረበ ትምህርቲ ዘለኒ ርእይቶን ሕቶን ከቕርብ ደስ ይብለኒ።
ጉባኤ ብሓቂ ጽቡቕ ኔሩ ዝብል ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ’ዩ ዘለኒ። ንመበል 13 ግዜ ብዘይምቍራጽ ክጋባእ ምኽኣሉን፡ ብምኽርን ጸሎትን ናይ ብጹእ ኣቦና ተማእኪሉ ምክያዱን ድማ ነቲ ጉባኤ ርዝነት ሂብዎ ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ እንተኾነ’ውን እቲ ብኣቦና ቀሺ ሓለፎም ዝቐረበ ትምህርትን፡ እቲ ብብጹእ ኣቦና ዝወሃብ ዝነበረ ኣገዳሲ መልእኽትታትን ብሓቂ ደስ ዘብል’ዩ ኔሩ።
እቲ ብኻልኦት ኣቦታት ዝቐረበ ትሕዝቶ ትምህርቲ ግን ሓውሲ ምጕርምራምን ሻቕሎት ዘበገሶ ዘይህዱእ ትምህርቲ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ እምበር ዕላማ ወንጌል ዝሓዘለ ኮይኑስ ኣይተሰምዓንን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ’የ ንኽጽሕፍ ተደሪኸ ዘለኹ።
1. ናይ ውሽጢ ቤተክርስቲያንና ጉዳይ ሓዲግና ካብ ኦርቶዶክስ ወጻኢ ብምኻድ ንኻልኦት ከምዚ ይብሉ፡ ከምዚ ይብላ፡ ከምዚ ተዛሪቦም፡ ከምዚ ተዛሪበን፡ ወይስ ከምዚይብሉና፡ ከምቲ ይደግሙና፡ ከምዚ ኢዮም፡ ከምቲ እዮም ወዘተ ምባል፡ ብፍላይ ኣነ ከም ዕሸል ናይ ወንጌል ተመሃራይ፡ ካባኹም ካብ መማህራነይ ወንጌል ጥራሕ እየ ዝጽበ ኔረ። ኣብ እምነት እንዳማትካ ኣቲኻ እዚ ተባህለ፡ እዚ ተገብረ ምባል ወይ ምፍራድ ግን ድኻም ጥራሕ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።1 ቆሮ45/ሉቃ637/ማቴ536
2. ንስርዓት ኣምልኾና ብዘይትንክፍ፡ ምስ መንእሰይ ግን ዝኸይድ ሰሓቢ መደባት ኣዳሊና፡ ነዚ መንእሰይ ከነዕግበሉ እንኽእል ሰፋሕቲ ጉባኤታት ካብ ኣእምሮና ካብ ዝስወር ዓመታት ኣቝጺሩ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ከሎ ግን፡ ኦርቶዶክሳውያን ካህናት ከም ናይ ጋዜጠኛ ጸብጻብ ብዝመስል፡ ንሕና ብዛዕባ ካልኦት ክንዛረብ እዋኑ ድዩ?!! ቀጽሪታትና ግን ይፈርስ’ዩ ዘሎ። ኣባጊዕ’ውን ይውሰዳ’የን ዘለዋ። ስለዚ ኣብ ዘረባ ግዜና ካብ ነጥፍእ፡ ከመይ ጌርና ነዚ መንእሰይ ንሕዞ ግዳ ዘይንበላሓት፡ ወይ ከኣ በዚ ኣርእስቲ እዚ ናብ ኣምላኽ ዘይንቀርብን ምስ ሕልናና ኸኣ ዘይንዛረብን። ካብ ብድኽመታት ካልኦት ንዛረብ ድማ ድኽመታትና ዘይነለሊ’ሞ ብጸሎት ድማ ዘይንነቅሕ!!??1 ቆሮ512-13።ገላ64-5
. ስለምንታይ እዩ መንእሰይ ኦርቶዶክስ ዝሓድጋ ዘሎ ??
.እንታይ እዩ ፈውሱ ኢልካ መድሃኒት ምድላይ ኣይመሓሸን??
ናይቲ ጉባኤ ሓፈሻዊ ዘዋህለልክዎ ስእሊ ከምዚ ዝበልክዎ ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ናብቲ በቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ ዝተዋህበ ትምህርቲ ከብል። ቀሺ ኣትናቴዎስ ዘቕረብዎ ትምህርቲ፡ ምስቲ ዛጊት ኣዋህሊለዮ ዝጸናሕኩ ትምህርቲ ዝተጋራጨወ ኮይኑ እዩ ረኺበዮ ዘለኹ።
1. ብቐዳምነት እታ ሓድሻትኒ ዘላ ትምህርቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ትውፊት እዩ ትብል’ያ። ከምኡ’ውንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ትውፊት እንበር፡ ካብ ትውፊት ወጻኢ ኣይኮነን ዝብል’ዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንዓይ ከምዝርድኣኒ፡ ትውፊትዘይኮነስ እቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከምዝኾነ እዩ።መጽሓፍ ቅድስ ትውፍፊ እንተኾይኑ’ሞ ከም ውዳሴ ማርያም፡ ወይስ ከም ካልኦት ናይ ቤተ ክርስትያን መጻሕፍቲ ከም ቅዳሴን ሓይማኖተ ኣበው ወዘተ፡ ከም ሓደ ካባታቶም እዩ ማለት እዩ ክኸውን። እንታይ መፍለዪ ሽም ደኣ’ሞ ክንረኽበሉ!??
ኣነ ካብ የነታ ኣከሎም ዘብሄረ ሎጎ ሳርዳ (ጾሮና ) ከም ዝተመሃሩና ግን መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ፡ ትውፊት ከኣ በይኑ ከምዝኾነ’ዩ። በዚ መሰረት፡ ዝኾነ ትውፊት ከም ትውፊት ክንቅበሎ እንኽእል፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋራጮ ምስ ዘይከውን ጥራይ እዩ። ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝገራጮ ግን እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነ እቲ ትውፊት’ዩ ዝስረዝ፡ ወይ ዝጓሓፍ።
2. ነታ ኣብ ወንጌለ ማርቆስ 76-8፡ ዘላ ምህሮ ስርዓት ሰብ ትብል ድማ ትውፊት ሰብ እያ ትርጉማ ኢልኩምና ኣለኹም፡ ትውፊት ኣምላኽን ትውፍት ሰብን ተባሂሉ ዝፈላለ ትውፊት ኣሎ ድዩ??
3. እታ ኣብ 2 ተሰሎንቄ215 ዘላ ጥቕሲ ኣብ ቅንፍ (ትውፊት) ትብል ዘላ እታ ትውፊት ትብል ካበይ መጸት ናይ ዝብል ሕቶ’ውን መብርሂ ክወሃበኒ ይሓትት?
4. መስረት እምነትና ትውፊት እዩ ዝበልኩሞ ድማ መብርሂ ክትህቡሉ እምሕጸን??።
ንዓይ ከምዝርድኣኒ መሰረት እምነትና መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ እምበር፡ መሰረት እምነትናስ ፍጹም ትውፊት ኣይኮነን!! እቲ ትውፊት ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ብሰንሰለታዊ ምርክኻብ ኣቢሉ ኣባና ዝበጽሐ ውርሻ ኣበው ኣይኮነን ?? እዚ ውርሻ ኣበው እዚ ድማ ገለ ብጽሑፍ ገለ ድማ (ዘይበ )፡ ማለት ብቓል ኣባና ዝበጽሐ’ዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ እቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተረኣእዩ ምንም ዘጋጩ ዘይብሉ ኮይኑ ዝተረኽበ ጥራይ ከም ትውፊት ክንቅበሎ ከምዝተሓድገልና ከምኡ እዩ ዝርድኣኒ።
ስለዚ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስንሲ ንፈላልዮ ደኣ! ከምኡ እንተዘይጌርና ግን እቲቀንዲ ኣርእስትና ፋሕ ክብለና ይኽእል’ዩ። ምናልባት ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ካብቲ ቀንዲ ንቤተክርስቲያን ዘፍርሳ ዘሎ ግጉይ ትምህርቲ ድማ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ትውፊት’ዩ ዝብል’ዩ። ናይ ማሕበረ ቅዱሳን ተመሃሮ በዚ ትምህርቲ እዚ ስለዝጸደፉ ሕጂ ክወጹሉ ናብ ዘይክእሉ ዓዘቕቲ ኣትዮም ነቲ ክቡር ካብቲ ሕሱር ምፍላዩ ሸጊርዎም ይርከብ። ስለዚ ከየስተብሃልናሉ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኦርቶዶክሳውያን ዝተፈልየ ትምህርትን ኣካይዳን ሒዝና ክንከይድ ንፍትን ከይንህሉ ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። ኣብ ቃል ኣዋድና ብንጹር ሰፊሩ ዘሎ ሓሳባት ግን መሰረት እምነትና 81 መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝብል እዩ ትውፊት ኣይበለን። ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዓንቀጽ ሓደ ቁጽሪ ሓደ።
5. ቅዱስ ጴጥሮስ መጽሓፍ ቅዱስ ክብል ከሎ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን እዩ ዝዛረብ ዝበልኩማ ድማ ከተብርሁለይ ብትሕትና ይሓትት ኣለኹ’ሞ ስለዚ ክቡር ኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ መብሪሂኹምን ብሃረርታ ይጽበ።
እግዚኣብሔር ሰላሙ ይሃበና።
                                    ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
                               ካህን ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን 

Thursday 23 August 2012

ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ 5ይ ፓትሪያርክ ዘ ኢትዮጵያ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ።


ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ  5ይ ፓትሪያርክ ዘ ኢትዮጵያ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ።
ብጹእ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዶክተር ኣቡነ ጳውሎስ ፓትሪያርክ ዘ ኢትዮጵያ ወእጨጌ ዘመነበረ ተክለሃይማኖት ናይ ዓለም ሕብረት ኣብያተ ክርስትያናት ፕረሲደንት ፡ናይ ዓለም ናይ ሃይማኖት ናይ ሰላም ናይ ክብሪ ፕረሲደንት ሎሚ ሓሙስ ዕለት 23/08/2012 ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ።
ኣብቲ ዝተገብረ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡
1,ናይ ግብጻዊት ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዓቃበ መንበር ኣቡነ ባኽምዮስ
2፡ናይ ህንዲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ወኪል
3፡ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ወኪል፡
ከምኡ እውን ወከልቲ ናይ ሊባኖስ፡ ግሪኽ፡ ሩስያ፡ ሮማ ካቶሊክን ሉኡኻት ክሳተፉ ከለዉ። ን ኣቶ መለስ ዜናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እውን፡ገብረ እግዚኣብሔር እንዳ ተባህለ ማዕረ ኣቡነ ጳውሎስ ጸሎተ ፍትሓት ክገብሩሉ ዊዒሎም። 
ኣብቲ ኣጋጣሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኩቡር ኣቶ ኃ/ማርያም ደሳለኝ ን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሎም ክርከቡ ከለዉ ተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተረኺቦም ነይሮም። ታሪኽ ሂወት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ብ ብጹእ ኣቡነ ገሪማ  ተነቢቡ።
እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቴድራል ቅድስቲ ስላሴ ሎሚ ዓንቲ ዝተፈጸመ  ስነ ስርዓት ጸሎት ኣቡነ ጳውሎስ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ተሳቲፉዎ።
 ናብቲ ብ ኣቡነ ገሪማ ዝቀረበ ታሪኽ ሂወት ነብል።
ኦ ጎይታ ነፍሲ ባሮትካ፡ ኣቡነ ጳውሎስን፡ገብረ እግዚኣብሔርን ኣዕርፍ! ኣሜን።
                       haymanoteabow@gmail.com

His Holiness Abune Paulos, Patriarch and Catholicos of the Ethiopian Orthodox Tewahedo Church, Archbishop of Axum and Ichege of the See of Saint Teklehaimanot.

His Holiness Abune Paulos, Patriarch and Catholicos of the Ethiopian Orthodox Tewahedo Church, Archbishop of Axum and Ichege of the See of Saint Teklehaimanot.
haymanoteabow@gmail.com

ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዶግቶር ኣቡነ ጳውሎስ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብ ቀጠታ ይመሓላለፍ ኣሎ ክካታተል ንዝደሊ በዚ ክትካታተሉ ትኽእሉ።


 ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዶግቶር ኣቡነ ጳውሎስ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብ ቀጠታ ይመሓላለፍ ኣሎ ክካታተል ንዝደሊ በዚ ክትካታተሉ ትኽእሉ።
http://ephremtube.com/tv_live.php

Wednesday 22 August 2012

ኣስከረን ብጹእ ወቅዱስ ዶግቶር ቀደማዊ ጳውሎስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 5ይ ፓትሪያርክ ዘ ኢትዮጵያኣቡነ ጳውሎስ ካብ ሆስፒታል ናብ ቤተ ክህነት እንዳ ሓለፈ ኸሎ።


  ኣስከረን ብጹእ ወቅዱስ ዶግቶር ቀደማዊ ጳውሎስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  5ይ ፓትሪያርክ ዘ ኢትዮጵያ ኣቡነ ጳውሎስ ካብ ሆስፒታል ናብ ቤተ ክህነት  እንዳ  ሓለፈ ኸሎ።
ብጹእ ወቅዱስ  ጳውሎስ ቀዳማይ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 5ይ ፓትሪያርክ  ዘ ኢትዮጵያ  ኣስከረኖም ናብ ቤተ ክህነት ኣምሪሑ ኣሎ።እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ኮነ ፖሎቲካ ኢትዮጵያ ካልእ ገለ ዘስግእ ተርእዮታት ይቀላቀል ኣሎ። ናብቲ ኣገባብ ኣቀባቢላ ነብል።






















እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ረይሳ ክቡር ቀዳማይን ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ካብ በልጅም ብክብ ዝበለ ስርዓት፡ኣገባብን ትማሊ ቦለ ኣትዩ።ኣብቲ ብኣሸሓት ዝቁጸር ህዝቢ ካብ ቦለ መዕርፎ ነፈርቲ ክሳዕ ቤተ መንግስቲ ለይቲ እንኮሎ እኳ ከይተረፈ ብኣሸሓት ዝቁጸር ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዘለዎም ኣኽብሮትን ፍቅርን ገሊጾም።
ብዓይኒና ን ካታተሎ ከም ዝነበርና ዛጊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተሩ ክንድዚ ዝኣክል ፍቅሪ ዘለዎ ኣይመስለናን ነይሩ።ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ከቢድ ምዃኑ ህዝቢ ኢትዮጵያ  በቲ ዘልቅሶን ዝበኽዮን ዝነብዖን ዝነበረ ይርአ ነሩ።ካብተን ዘልቅሳን ዝበኽያን ነበራ ድማ ኣንታ ጎይታይ እዚ ንዓኻ ኣይግባእን ንዓይ እንበር ንስኻ ንበር ኣነ ክመውት፡ኣነ ተሪፈ ታይ ክዓብስ እየ። ኣንታ ኣባይ ዝደፈረ ጅግና፡ ኢለን ኣደታት ከልቅሳን ክበኽያን ፡ጅግና ይጠፍኣና ኣሎ ኣእውዩ ብምባል ምረት ሓዘንን ክገልጻ ከለዋ።
መንእሰያት ድማ በቲ ቋንቋ ዓዶም ኣምሓሪኛ “ጅግና ኣልሞተም”፡”መለስ ኣልሞተም”፡ጅግና ኣይሞተን መለስ ኣይሞተነ፡ስራሕካ ምሳና እዩ ዘሎ።ሳላኻ ተማሂርና።ሳላኻ ከቢርና።ዘይንፈልጦ ፈሊጥና፡ሽታ ደሞክራሲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝኸፈትካ ሰብ ፡ኣባይ ደው ኣይብልን ክህነጽ እዩ ቅሰን ኣጆኻ፡ ኣሎና ወዘተረፈ,,።እንታይ እሞ ምሉእ ለይቲ ክበሃል ዝሓደረ  ኣብዚ ክንጽሕፎ ግዜ ኣይኣክልን እዩ።ከምኡ እውን ቦታ የለን።ኩቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ ግን ከምቲ ገለ ፖሎቲከኛታት ስልጣን ዝደልዩ ዝብልዎ ነበሩ ዘይኮነስ ብ ሓቂ ብህዝቢ ፍቱው ሰብ ምንባሩ ብዘይ ምስክር ዓይኒና ሪኡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳ ሃለወ ግን ናይ ኣስላም ምንቅስቃስ የኢትዮጵያ ነጻነትና የ ፖሎቲካ  ኣፈና ኣበቃለት  ዝተባህሉ። ብፍላይ ኣብቲ ብ ፓልቶክ ዝዝርግህዎ መደቦም መለስ  ንሕና ክንቀትሎ እካ ዓቅሚ ተሰኣና ኣላህ ቀቲሉዎ ዝብል ድምጺ ከስምዓ ይርኣያ ኣለዋ።እዚ ዘርእየካ ተልዩ መለስ ክሳዕ ክንደየናይ ሓያልን ብርቱዕን ዘይድፋእ ጎቦ ከም ዝነበረ የረድእ።
ብሓቂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ክብሪ ዝግብኦ መራሒ እዩ።ን ሃገሩ ቅዋም ኣውሒሱ፡ከምቲ ንፉዕ ወላዲ ን ደቁ ካንሸሎ ሰሪሑ ዝገድፎም ዝብኢ ከይኣትዎም ።መለስ ንዕኡ ይመስል።ኢትዮጵያ ቅዋም ኣለዋ፡ መለስ ተሞተ ብሕግን ቅዋምን ድሮ ኣቶ  ሃይለማርያም ኮፍ ኣቢሎሞ ኣለዉ እዚ ናትና ከምኡ ተጋነፎኸ ከመይ እዩ።ክኸውን ዶ ዋላስ ምስ ኣምላኽ ንዘልኣለም ዝነብር ኩንትራት ስለ ዝግበረ እዩ???፡ኣይመውትን እየ ኢሉ ተኣማሚኑ።
ኣብ ቀጻሊ የራኽበና።
                  ሃይማኖተ ኣበው
         ን እትሰዱዎ ሓበረታ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተጺሒፍኩም ክበጽሓና ይኽእል።                     haymanoteabow@gmail.com