1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 27 June 2012

ወይ ንብዓት ሓርገጽ እንዳ ኤልዛቤል።


ወይ ንብዓት ሓርገጽ እንዳ ኤልዛቤል።
ኣብዚ ዘለናዮ ኣዋርሕ ኣብ እቶም ሕጊ ጢሒሶም   ኣምላኽ ንዒቆም ዕርክነት ምስ ኣምላኽ ሸለል ኢሎም ዕርክነት ምስ ንጉስ ዝመረጹ ነቲ ስራሕ ቅዱሳን ዘባላሸዉ ጉጅለ ኢልዛቤል እቲ ከም ኣመሎም ዝጥቀምሉ ነበሩ ናይ ምትላል መድረኽ  ሓደ ሓደ  ክዕጾ ብምጅማሩ፡ ኣብ ዓቢ ዓቅሊ ጽበት ምስቲ ተጸግዕዎ ጎቦ ኣትዮም ኣለዉ። ነቲ ዘታልልዎ ነበሩ ህዝቢ  ከመይ ገይሮም የዕሽዉዎ ሓሶታት ስለ ተወድኦም ናብ  ጸርፍን ምፍሪራሕን ተመሊሶም ናብ ንብዓት ሓርገጽን ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ብውሽጣ ውሽጢ ዝገብሩዎ ናይ ምፍርራሕ መድረኽ  ሓሊፍዎም ድማ በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ቀረባ ልኡኹን ዘመድን ይፍታሀ ዝኾነ ዓወት ፍረዝጊ እትዝርጋሕ ማዕዶት እትብል ብሎጎም ገይሮም ካብቲ ዘለዎም ናይ ሕርቃንን ተስፋ ምቁራጽን ሕሱም ጓህን ከም ልማዶም ነቲ ኣብ ኣትላንታ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ክጸርፉዎን ክረግምዎምነቶም ፓፕ ሽኖዳ ክመርሑና ዝተመዘዙ  ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ክትድፈሩ ኢኹም ብምባል ብዓውት ፍረዝጊ ክውጭጩ ጀሚሩም ኣለዉ።
ብዘበን ዉበያ ዝጸመመት እዝንሲ ዉበ እንዳበለት ትነብር ዝብልዎስ ለከ ከምዚ እዩ፡መሳኽን ሰብ ኣትላትና ኣብ ልቦም  እዮም ኣትዮም ዘለዉ፡ንፈርሕ ኣምላኽ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ  ገለ ተኣምር ተገይሩ እውን ኣትላንታ እዮም ገይሮሞ ከይብሉ፡ክብሪ ኣምላኽ ን ኣትላንታ ከይብዎ፡ንፈርሕ ንቅድመና እንብሎም ቤተ ክርስትያን ኣትላንታ ካባኹም ፍልይ ዘብሎም ኣሰር ቅዱሳን ስለ ዝሓዙ ደኣ እዩ እንበር ኣይተምልኽዎም፡ ክሳዕ ክንድዚ ድምጾም ኣየባህርርኩም ንብለኩም። እንተ ምድፋር ን ብጹእ ኣቦና ግን ኣይ ልማድኩምን ሞያኹምን ስለ ዝኾነስ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝገበርኩሞ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይክትውዕሉን ኢኹም፡ደሓር ከኣ ጸገም ምስ መጸ እወ ዘይጎሃና ኣይኮነ ኢልኩም ነቶም ብጹኣን ኣቦታት ከምትስልበጡዎም፡ ንፈልጥ።እንዳ ኢልዛቤል  ኣንኳንሓደ ፍጡርሲ ኣምላኽ እኳ ክደፍርዎ ኣይፈርሑን ነዚኣስ ይኽእልዎ እዮም።ጽድቂ ምግባር ደኣሎም ዘይኽእሉ እንበር።ምሳሌ 12:16: ዘገርም እዩ።

ጉጅለ ኤል ዛቤል ኣብ ልዕሊ ኣቡነ መቃርዮስ ዘይገበሮ እንታይ ስለ ዘየሎ እዩ፡ክንዳፋፈር ኢና ዝተባህለ።እንታይ ዓቅሚ ሃልዩዎም እዮም፡ ጽምብላሊዕሲ ርእሳ ዘይከደነትሲ ባይታ ኸደነት ዝተባህለስ ለካ ከምዚ እዩ።ምስ ዝብኢ ድኹም ስኢልኩም ዘየውጻእኩሞም ዋላ ምስ ቶኽላ ዋላ ዘይተጸረፉ ድዮም እንታይ እዩ ጎዲሉ ኩሉ እቲ ዝግበር እኮ ተገይሩ እዩ።ህጂ እውን ከምቲ ጎይታ ይሁዳ ዝበሎ ንብለኩም ወንጌል ዮሐንስ 13:27 እቲ ትገብሮ ቀልጢፍካ ግበሮም ንብለኩም።
ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለኩም  ጸአት 23:1:ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል።  ዘገርም ድማ ጉጅለ ኤልዛቤል ፈታሺት ንጽህና ኮይናስ ፡ንጽህናዶ  ፡ገለዶ፡ ኣባ ተስፋልደት በለዶ ዋእ ገሪሙና፡ ወይ ደረጃኻ ዘይምፍላጥ ሃጠው ቀጠው፡ ዋላ ህጂ እውን ኣይተመሃርኩምን ዘለኹም ብኹሉ ተፈንፊንኩም ሰንኪ ሓሶትኩምሲ ህጂ ከኣ ሓሶት ክትምህዙ ትፍክሩ ኣለኹም።ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኢሳይያስ 30:1:ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብልእግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡  ግናኸ  ካባይ ኣይኰነን፡ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው ኣሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን። ብሓቂ ምሳኹም ዘሎ ሰጣን  ሓንካስ ሰጣን እዩ ኣይወጽእ ኣይኣቱ፡  ስለ ዝሰኣንኩም እንበር ኣበይ ገዲፍኩም ተመጻእኩም ኸኣ ከም ኣቦታትኩም ትሓፍሩ።መልስና ኣቦኻ እዚኣ እንዳበለ ሞተ ጥራሕ ንብለኩም።
ምክያስ 3:[14-15] - :ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር
ዓቅሉ ዝጸበቦ እንታይ ዘይገብር ንሶምዶ ሓሶት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ከይውዕሉ ደቂ ኣበው ቅዱሳን ከኣ ካብ ምቅላዖም ዓዲ  ከይንውዕል። ሓሶት ድራር ምሸት ናይ ዘልኣለም ውርደት ዝብል ቃል ንዕኦም ስለ ዝለመዱዎ ኣይንታይኩምን እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ፡ ዘታልሉ ባይታ ስለ ተዓጸወ ኸኣ ሃነፍነፍ ዝብሉ ዘለዉ።ቅድሚ ህጂ ነቶም ኣብ ዱባርዋ ነበሩ ኣቡን ምስ መቱ ከም ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ተባረኹ ገይሮም ናይ ኮምፒተር  ርቀት ብምጥቃም መሳኽን ንህዝቢ ኤረትራ ከም ቀደም መሲልዎም ከታልልዎ በታ ልሳነ ተዋህዶ ዝበሃሉ።ብ ማይ ቢሖቅ ማሕበረ ቅዱሳን ዝተቆማጥዑ ፡ብድጎማ መንግስቲ ኤረትራ ዝነብሩ ነቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ንምሕጓስ ብፎቶ ገይሮም ምስ ኣቅረቡዎ ከም ዘቃላዕናዮም ናይ ትማሊ ትዝክሩዎ ሓቂ እዩ፡ሽዑ ንሽዑ እኳ ተኣለይዎ ግን ቅዳሕ ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ ህጂ እውን ከነፍሽሎም ድሉዋት ኢና ሎሚ ግን ኣብኡ ትብዓት ስለ ዝሰኣኑ ግዲ ኾይኖም ኣብ ናይ ኣቶ ዓወት ብሎግ ከውጽእዎ መሪጾም ኣለዉ።
እታ  ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ብዝስደድ ገንዘብ እንዳ ተመወለት ንተዋህዶ ንምፍራስን ምርባሽን እትልኣኽ ማሕበር ብላተ ማርያምን ገለ ማሕበር ማርያም እስራኤል ፡ኢሎም ዘታልሉን፡ ገለ እውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ፡ ቀደም ኣብ ኣስመራ ከይተረፈ ቪዶ ካሜራ ገይሮም  ተሓቢኦም ብምቅዳሕ ናብ መንግስቲ ንጹሃት ዘረክቡ ነበሩ እሞ፡ ህጂ መጺኦም፡ነቲ ዝገብርዎ ነበሩ ርኹስ ስራሕ ዝደግሙ።መንግስትና ሃይማኖትና ኢሎም ዝጭርሑ፡ ንሓቂ ከይሕዙ ዝፈርሑ እትምራሕ ጉጅለ ቅድመ ህጂ ኣብ እስራኤል ማዕሮ ቪዶ ካመራ ገይራ ነቶም ተዋህዶ ኩትሻ መንግስቲ ኣይትኸውንን እያ ኢሎም ደው ዝበሉ ተበዓት ኣስማቶም ስእሎምን ቀዲሓ ናብ ፡ሃገራዊ ድሕነት  ኣስመራ ኣብጺሓቶ ምንባራ እውን ነጊርናኩም ነርና ኢና።
ህጂ ግን እንታይ ይገብር እታ ዘይትነዓቅ ሓቂ ክትስዕር ጀሚራ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘታልልዎ ህዝቢ ከተፈድሖም መዓልታ ሓልያ ደበኽ ኢላ ኣላ።ይውጋሕ ጥራሕ ጋና ኣሎ ንስኹም ትገብሩዎ ሰብ ዘይፈልጦ ክንደይ ንጹሃት ዘየትሓዝኩም፡ ኣብ ኤረትራ ኾነ ኣብዚ ዘለኹሞ ክንደይ ሰንኩኹም ዘይተጨውዩ።ክንደይ ስድራቤታት ሰንክኹም ዘይጸነታ።
ገሪሙና ዘሎ ግን ነታ ዝጸርፍዋ ነበሩ ቤተ ክርስትያን ኣለክሳንደርያን  ቅዱስ ኣቡነ ሽኖዳን መናፍቅ ኢሎም ዝጸርፍዎምን ነበሩ ቅዱስ ኣቦ፡ በቃ ኣብ መዓልቲ ምርጫኦም ክትሳተፉ ኣለኩም።ዋላ ከምቲ ናይ ቀብሪ ህዝቢ ንምዕሻው ኣብ ግብጺ በጺሕኩም ክትምለሱ ኣለኩም፡ ናይ ሰላም ቃል ኣስምዑና ብምባል ነቲ ሃገራዊ ድሕነት  ተዋህባ ካልእ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ነቲ ካልእ ድሕረ መጋረጃ  ንምስላጥ ከተምባሁቅ ጀሚራ ኣላ። ከም ኣመላ ነቶም ከም ዓረብያ እትዝውሮም ጳጳሳት ክትገንሖም ፈቲና ኣላ።ሓቆም እዮም፡ ቅድሚ ህጂ ኣብ ሞት ቅዱስ ኣቦና ግብጺ በጺሖም ብዘይ ፍረ ተመሊሶም እዮም።
ነቲ ህዝቢ ግን ተሳቲፎም ዝብል ወረ ገርካ  ቲቪ ኤረ ኢዳ ኣይትስኣን ተዓሽዩ።ህጂ እውን በጃኹም ኣብ ኣየር ግብጺ ተሰቀሉ እሞ ንሕና ኸኣ ኣብ ምርጫ ተሳቲፎም ኢልና ከም ኣመልና ነታልል፡ንዛረብ በታ ካባ ሓሶት ዝኾነት ቲቪ ኤረ ገርና ኸኣ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ህዝቢ ነዕሽዎ እዮም ዝብሉ ዘለዉ፡ ዘገርም እዩ፡ ኣየ መንፈሳውነት ናይ ሎሚ ዘበን እስከ ኣምላኽ ይቅረ ይበለልኩም ንሕናስ እንበር ክትጠፍኡ ኣይንደልን ኢና።
ስለምንታይ ግን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክሳዕ ክንድዚ ኣምላኽሲ ቀደም እዮም እንካ ንዒቆሞ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓዊ ከቃጽልዎ ከለዉ።ግን ክሳዕ ክንድዚ ነፍሰ ምትላል ክሳዕ መኣስ፡ሰንክኹም ስም ሃይማኖትና ተጸሪፉ።ሰብ ካብ ቤተ ክርስትያን ይቅይር ኣሎ።እረ በጃኹምም ልቢ ግበሩ።ካብቲ ሓደ ኣደኒቁና ዘሎ ድማ ደለይቲ ሕብረት መሲሎም ክዛረቡ ምፍታኖም እዩ።ወይ ጉድ ምስመን እዩ እቲ ሕብረት??? ዝስሕቆ ዝሰኣነ ዘረባ፡ ምስ መናፍቅ ይሕበር እዩ?? ፡ናይ ትማሊ ዘረባኹም እባ ኣይትረስዕዎ፡ዶ ዋላ ናብ ልብኹም ኢኹም ተመሊስኩም፡ገሪሙና እኮ ዓሻ ጥዒሙዎ ኣሎ ሓው ዓሻ ኸኣ ሓሲምዎ ኣሎ ተባህለስ ከምዚ ምስ ተረኽበ  እዩ፡ኣየ እባ ነታ ኣደኹም ዝኾነት ኦርቶዶክስ ክንደይ ኢኹም ተብክዩዋ ዘለኹም።ምሳሌ 10:1 
ካብቲ ዘደነቀና ድማ ምውራድ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣግህዩና እዩ ክብሉ መጀመርታ ሰሚዕና ኣለና፡ ጨለ ዘረባ ።እወ ህጅስ ኣግህዩኩም ይኸውን ስለምንታይ ኩሉ መሳኹቲ ሓሶት ተዓጽዩ ፡ነገራት ምስኻዕ ኣብዩኩም መሕለፊ ስለ ዝሰኣንኩም ሎሚ ተፈሊጥኩም፡ሕጊ ተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ስለ ተተግበረ። እዩ እቲ ጓህኹም እሞ ዘግህየኩም ተሃልዩስ ትምኒትኩም ክትፍጽሙ ብዘይ ምኽኣልኩም ጥራሕ እዩ። ብሓቂ ሓቀኛ ጓሂ እንተጉሂኹም ደኣሞ ነቶም ተሳስይሎም ዘለኹም ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ ንዑ ደኣ ተመለሱ ናብ  ሓቂ ፡ሃይማኖትና ሰንክኹም ፋሕ ኢላ ውረዱ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ናብ ቦትኦም ይምጽኡ ዘይትብልዎም።
ነቲ ተዋህዶ ሃደሽደሽ ንምባል ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ሕንጻጽ ዝነበሮ እሞ፡ ብኣኹም ገይሩ ገረብ ብሓኽላ ቤተ ክርስትያን ዘፍርስ ዘሎ መንግስተ ኤረትራ ካብ ሃይማኖትና ኢድካ ጠርንፍ ዘይትብልዎ።ምስ መን ኮንኩም ንመን ትወግኡ ኣለኹም እካ ዘይትፈልጡ፡ነዚ ደኣ ይኣክል ተዋህዶ ምሽክዕላል ዘይትብሉ።ብድሕሪኡ ሰብ ኣይንጥርነፍን ተኢሉ ካልእ ስነ ሓሳብ ስለ ዘለዎም እዩ ምበልኩም፡እዚ ንብዓት ሓርገጽኹም ቀደም ሰብ ብገርሁ ምሰርሐ ነይሩ እንተ ሎሚ ግን ሰብ ለቢሙ እዩ። ምሳሌ 17:21ምሳሌ 17:25:
ብሓቂ ንወላዲትኩም  ምረት  ኢኹም።ሓደ ነገር ተረዲኡና ኣሎ ዕሽነትኩም ከምዘይ ርድኣኹም  ምሳሌ 27:22: 
ክንደይ ግዜ ቤተ ክርስትያና ካብ ኣሕዋታ ከም ዝተነጸለት ነጊሮምና ኣለዉ ኸኣ ኢሎኩምና፡ እወ ኣበይ እሞ ትሰምዑ፡ግን ኣብ ኣትላንታ ዘለዉ  ይኹኑ ዋላ ኣብ ካልእ ዘሎና ኣሕዋት ኣይኮናን ነጊርናኩም። ሓቂ እያ ትምጉተኩም ዘላ።ነቲ ኣቡነ መቃርዮስ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም ዝብል ድማ መሳኽን ናብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ምፍታኖም እዩ።ነዚ ትብልዎ ዘለኹም ጉጅለ ክእመን ኣይኮነን ጽዒሮም ኤረትራ ፍጹም ከይትሳተፍ ስለ ተኣገደት እሞ፡ ስም ናይታ ሃገር ንኽጽዋዕ እንበር፡ሰሪሖም፡ ኤረትራ እንተ በቲ ዝሰረዝኩሞ ሕጊ ድያ ዋላ በዚ ህጂ ሲኖዶስ ግብጺ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ኤረትራ ንኽትሳተፍ ስም ኤረትራ ኽጽዋዕ ስለ ዝጸዓሩ እዩ።

እንበር ሕብረት  ኣብያተ ክርስትያናት ኣመሪካን ኣውረጳን  ማእከላይ ምብራቅን ደኣ እሞ መን ምዃኑ ንባዕሉ ተፈሊጡስ መን ምዃንኩም ኣብ ቅድሚ ዓልም ብምቅላዕ ከም ትፍንፈኑ ገይርኩም እንድዩ እንታይ ምስክርነት ኣቡነ መቃርዮስ ኣድልይዎ።ካብ ዘረባ ምሽራፍ ግን መገዲ ሂወት ምሓዝ ይሕሸኩም ንብል።

ነቲ ዘፍረሱዎ ሕጊ ድማ ውዑልና ከምዚ እዩ ነይሩ ከምዚ እባ ብምባል ከማርሩ ጀሚሮም ወይ ንብዓት ሓርገጽ  እንዳ  ኢዛቤል ውዑል ደኣሞ ምሽ ኣፍሪስኩሞ ፡ናበይ ዉዑል ፡ግብጻዊት ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምስ ኦርቶዶክሳውያን ደኣላ ተወዓዒላ እንበር ምስ ፖሎቲከኛታት ኣይኮነትን ፡ስለዝስ ኣብዘይ ጉዳይኩም ኣይትእተዉ ።ተመለሱ ግዳ ኩሉ ከይፈንፈነኩም።ዓሻስ ክሳዕ ጎቦጣ ዝውዳኣ ይጻወት።
                      እግዚኣብሔር ኣምላኽ በዓል ሓቂ ይሓግዝ ኣሜን !
                     ሃይማኖተ ኣበው።
                haymanoteabow@gmail.com