1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 14 April 2012

ክርስቶስ ተንስኣ እምዉታን


  ክርስቶስ ተንስኣ እምዉታን

ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን------------በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------------ኣግዓዞ ለኣ
ሰላም------------------------------------------እምይእዜሰ
ይኩን-----------------------------------------ፍስሓ ወሰላም

 ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሲኡ

ወንጌል ማቴዎስ 28፡1ማርቆስ16፡ክሳዕ መፈጸምታ ሉቃስ 24፡1 ክሳዕ 23።

               ስብከት

ወተንስኣ እግዚኣብሄር  ከመ ዘንቃሕ እምንዋም

ወከመ ኃያል ወህዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ በድህረሁ መዝ77፡85/86

 እንቃዕ ናብዚ ኩቡር በዓል  ኣብጸሓና።እንሆ ሎም እውን ናብቲ ምሥጢረ ድኅነትና ዝተፈጸመሉ ኣዝዩ ክቡር በዓል ወይ ድማ ዝክሪ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ በጺሕና ኣለና፣ እዚ ግዜ ሰሙነ ሕማማትን ትንሣኤን ናይ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍልይ ዝበለ መንገዲ ኣዕሚቝና እነስተንትነሉን ምሕረት ኣምላኽና እነስተማቕረሉን ግዜ እዩ።የሱስ ክርስቶስ ተዘይ ይትንስእ ኣበይ መሃለና ነርና።ወይሲ ዕድልና ከመይ ምኾነ ነሩ።

ሞተ በፈቃዱ ወተቀብረ በሥምረቱ><ሃይማኖተ ኣቦው ከም ዝበሎ።ጎይታ ብፍቃዱ ሞት ብድልየቱ ድማ ተቀብረ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ኣብ ከርሰ መቃብር ሓዲሩ መግነዝ ፍትሑለይ መቃብር ክፈቱለይ ከይበለ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ብገዛእ ስልጣኑ በዘመነ ማርቆስ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ተንሰአ። <<ወተንሳእኩ በሥስልጣነ ባሕቲትየ>> ከም ዝበሎ ቅዱስ ቀርሎስ

ናይ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ 3 መዓልትን ለይትን ምጽንሑ ኣምሳል እዚ ነበረ።ከብዲ ዓሳ ናይ ከብዲ መረት ናይ ጎይታ መቃብር ምሳሌ ነበረ።ጎይታ ኣብ ትንሳኤኡ እቶም መቃብር ዝሕልዉ ነበሩ  ኣርባዕተ ጭፍራ በኣካለ ብርሃን ክንትንስእ መላእኽቲ ኣብ እግሪ ኣብቲ ሻሽ ተነጺፍዎ ነበረ ከመስግኑ ምስ ረኣዩ ሰንቢዶም እንዳጎየዩ ብምኻድ ን ኣይሁድ ከም ዝተንስአ ነግሮሞምም እዮም።ከይዶም መቃብር ተኸፊቱ  ዝረኸቡዎ ምትንስኡ ዘረጋገጹ ኣይሁድ ግን ደቂ መዛሙርቲ ሰሪቆሞ በሉ በልዎም።ካልኦት እውን ስዒቦም መጺኦም ኣብ መቃብር ምስ በጽሑ ግን ኣብቲ መቃብር ጎይትኦም ምስ ሰኣኑዎ ጎይታና ሰሪቆምዎ ኢሎም እንዳበኸዩ ከለዉ።መልኣኸ እግዚኣብሔር ግን<<   እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።

ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ።፯ -  ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምውታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኽን>>።ካብቲ መቃብር ተንሲአን ብምኻድ ን ደቂ መዛሙርቱ ነገረኦም ቅድሚ ሾሞንተ ሰሙን ዝጀመርናዮ ጕዕዞ ጾመ ኣርብዓ። ብጸሎትን። ጾምን። ምጽዋትን ተሓጊዝና፤ናብ ልብና ምልስ ኢልና፦ ምስ እግዚኣብሔርን። ምስ ርእስናን ምስ ኣኅዋትናን/ኣኃትናን ብዛዕባ ዘሎና ርክብ ከነስተንትን ኣሕሊፍናዮ ኣሎና።

 ኃጢኣት ማለት ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ብፍቓድካ ምፍራስ ማለት እዩ፣ ስለዚ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ግዚኣብሔር ሒዝናዮ። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንርእስና ወይ ንብጻይና ጐዲእና እንተኾይንና ከኣ ተነሲሕና ርክብና ከነስተኻኽል ንጽዋዕ ኣሎና፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብስቅያቱን። ሞቱን ትንሣኤኡን ምስ ኣምላኽና ከተዓርቐና። ንቍስልና ከሕውየልና። ነቲ ከሊሉና ዘሎ ጸልማት ክቕንጥጠልና እዩ፣ ሓደ ካብቲ ዝውቱር ኣብ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እንጥቀመሉ መንፈሳዊ ተግባር ካብ ኩሉ ምጻም እዩ።ነቲ ስቅለትን ሞትን ጎይታና ምስትንታን ኣብኡ ወልደ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከድኅነና ክንደይ ስቓይን ውርደትን ከምዝተቐበለ። ክሳዕ ሞትውን ከምዝበጽሐ ነስተንትን፣ ብሓቂ ከኣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፦ አረ እኳ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ” (ፊል 28)

 እዚ ኵሉ ኣብ ምንቲ ምንታይ? ንዝብል ሕቶ ከኣ መጽሓፈ ቅዳሴና ነዚ ዝስዕብ መልሲ ይህበና።ሞተ ዘኢይመውት። ሞተ ከመ ይስዓሮ ለሞት። ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን በከመ ኣሰፈዎሙ ለኣበው በቃለ ኪዳን እቲ ዘይመውት ሞተ። ንሞት ምእንቲ ክስዕር ሞተ ከምቲ ንኣቦታትና ብናይ ኪዳኑ ቃል ዘተስፈዎም ንምውታን ምእንቲ ኬተንስዖም ሞተ (ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም) ብርግጽ ክርስቶስ ንኣና ብኃጢኣትና ምኽንያት ንዝሞትና ሕይወት ምእንቲ ክህብ እዩ ዘይግብኦ ስቅያትን ሞትን ዝተቐበለ፣
 ሓደ ቅዱስ ኣቦ በዓል ሂጶ ከምዝበሎ።ዕብየት ክርስትና። ክርስቶስ ብሙማቱ ዘይኮነ። ካብ ሞት ብምትንሣኡ ስለዝኣምን እዩ ስለዚ ሞት ኢየሱስ ንኣና ሕይወትናን ትንሳኤናን እዩ፣ እቲትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ” (ዮሓ 11 25) ዝበለና ክርስቶስ ቃሉ እሙን ከምዝኾነ ርጉጻት ኢና፣ ኣብዚ ምድሪ ወንጌል ዝሰብከሉ ኣብ ዝነበረ እዋንንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ። ኣነ ንሱ ከምዝኾንኩን። ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ከምዝገብር እምበር ካብ ርእሰይ ሓንቲ ከምዘይገብርን ሽዑ ክትፈልጡ ኢኹም” (ዮሓ 8 28) ብምባል ናይ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰብ ዝተቐበሎ ስቓይን ሞትን ትርጉም እዩ። ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ክፈልጡን ክርድኡን ምዃኖም ቅድሚ ሞቱ ኣቐዲሙ ንተኸተልቱ ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ እዚ ናይ ክርስቶስ ልዕል ምባል ከኣ ንኣና ንኃጢኣተይኛታት ካብ ሞት ናብ ሕይወት። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት። ካብ ዘይምእዛዝ ናብ ምእዛዝ። ንምስግጋር ብእግዚኣብሔር ዝተፈጸመ ዓብይ ናይ ድኅነት መለኮታዊ ተግባር እዩ።

 ኣነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየዮሓ 12 32 መዝሙር ለይቲ ትንሣኤ ከምዝብሎ።ፋሲካ ብሂል ማዕዶት እስመ ዓደወ እግዚእነ እሞት ውስተ ሕይወት ጐይታና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሳገረ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ፣ እዚ ከኣ ኣብ ሞቱን ትንሣኤኡን ተሳተፍቲ ይገብረና ኣሎ ማለት እዩ፣ ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ካብ ሞት ናብ ሂወት ምስጊጋር ።ንዓና ምስ ክርስቶስ ሙማት ማለት ብኃጢኣትና ምጥዓስ። ንሰይጣንን ፈተናታቱን ምንጻግ። ንክፉእ ስሚታትናን ልምድናን ምሽናፍ እዩ ዘስምዕ።

 ምስኡ ሓቢርና እንተ ሞይትና ምስኡ ሓቢርና ከም እንትንሥእ ርግጽ እዩ፣ ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፦ እቲ ኃጥእ ሰብነትና ምእንቲ ክጠፍእ፦ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ከምዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና“ (ሮማ 65-6) ስለዚ ክርስቶስ ካብ ዝትንሥእ ንደሓር ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ሓቢርና 1 ቆሮንቶስ 15:55: ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧  (1ቆሮ 1555) ክንብላ ንኽእል ኢና፣ ዋዜማ  ፋሲካውን ነዚ ኣመልኪቱ።ሲኦል።እዚ ካብ ሥርዓተይ ፍሉይ ዝኾነ እንታዋይ እዩ? እዙ ክትንክፎ ዘይከኣልኩ። ኣረ ምጥማቱ ዝተሳእነኒ እንታዋይ እዩ!’ ኢላ ናብ መልኣከ ሞት ኣእወየት፣ ጻድቃን ግን በቱ ገመድ ኃጢኣት ዝበተኸ ትንሣኤ ክርስቶስ ተሓጐሱካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንደሓር ሞት ንርእሳ ከምዝረዓደት ይናገር፣


ንግሆ ፋሲካ ገሊኤን ኣንስቲ ናብቲ መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐብረሉ ቦታ ኣንጊሀን ከዳሞ ሬሳኡ ኣብቲ መቓብር ስለዘይጸንሐን ኣዝየን ሰንበዳ፣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ግን።ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፦ ንሱስ ተንሥኡ እዩ፤ ኣብዚ የሎን” (ሉቃ 245-7)ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ከምዘሎኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሃ፣ ኣብዚ የሎን።፣ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ፦ ንዕነ ነታ ጐይታ ተነቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ረኣያ፣ ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ ካብ ምውታት ከምዝተንሥኤ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም” (ማቴ 28 5-7) በለን፣ ብሓቂ ከኣ ነቲ ወሃብ ሕይወትን መድኃንን ኣብ መንጎ ሙታን። ኣብ ማእከል ሬሳታት። ምድላይ ግቡእ ኣይኮነን፣ እተን ኣንስቲ ጸላእቲ መጺኦም ነቲ ሬሳ ዝሰረቑዎ መሲሉወን እየን ዝሰንበዳ፣ እቲ መልኣኽ ግን። ንሱስ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ፤ ንስኻትክን ግን ቀልጢፍክን ኬድክን ነቶም ብፍርሃት ተሓቢኦም። ብጥራጣሬ ተረቢሾም። ኣብ ተስፋ ምቝራጽ በጺሖም ዝነበሩ ተኸተልቱ ክርስቶስ ካብ ሙታን ከምዝተንሥኤ ኣበሥራኦም። ንስኻትክን ከኣ ኣይትፍርሃ እናበለ ኣተባብዔን፣ ንምሸቱ።

ኢየሱስ ከኣ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መጸ፦ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ድማ።ሰላም ንኣኻትኩም ይኹንበሎም” (ዮሓ 2019) ቀዳማይ ህያብ ናይ ካብ ሙውታት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ሰላም እዩ፣ እቲ ንሱ ዝህቦ ሰላም ከኣ ፍሉይ ሰላም እዩ ዝነበረሰላም እሓድገልኩም ኣሎኹ፦ ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ፣ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፤ ኣይትሸበሩ ኣይትፍርሁ” (ዮሓ 1427) ሰላም ክርስቶስ ኣብ ፍቕርን። ፍትሕን እውነተይና ምዕባለን ደቅ ሰብን። ዝተመሥረተ ሰላም እዩ፣ስለማ ክርስቶስ ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ጥራሕ እዩ።ወንጌል ሉቃስ 2:[13-14] - :ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ሰላም  ነቶም ትእዛዝ ክርስቶስ ዝሕልዉ ሰባት ጥራሕ እዩ።ኢሳይያስ 48:18:ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ ክርስቶስ ዝሃበና ሰላም እንበኣር እታ  ከም ፍቃድ ኣምላኽ ነቢርና ንረኽባ ሰላም እያ።

ሰላም ክርስቶስ ነቲ ብውሽጥን። ብደገን ዝርብሸናን ዘፈራርሓናን ሥጋውን መንፈሳውን ኵነታት ቀንጢጡ ቅሳነትን ናጽነትን ዘልብስ ሰላም እዩ፣ብዙሓት ሰባ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ስለ ዘይነብሩ ሰላም ዘይብሉ ሂወት ይነብሩ ይባሳጨዉ ኩሉ ከለዎም ይርበሹ ፡ድቃስ ይኣብዮም የንጸርጽሩ፡ብንእሽቶ ይሓርቁን ይትንከፉን።ስለምንታይ እቲ ን ሂወት ዘዕርፋ ካብ ክርስቶስ ዝርከብ ሰላም ኣብ ሂወቶም ስለ ዘይብሎም።ኣብ ሓዳርካን ሂወትካን ኣስተማቂርካዮ ዘይትፈልጥ ሰላም ክትረክብ ንጎይታ ብምሉእ ልብኻ ክትስዕቦ ብምውሳን ኣብ ቅድመኡ ኸኣ ደጊም ይእኽለኒ ንዓለም ምንባር ኢልካ ናብኡ ብምቅራብ ጥራሕ እዩ።ኣብ ዓለምና ሰላም ተሳኢኑ ፍቅሪ ዛሕቲሉ ህዝብታት ዓለምና ኣደዳ ኲናትን ስደትን ኮይኑ ዘሎ እንበኣር እታ ብክርስቶስ እትርከብ ሰላም ስለ ዘይወነና እዩ።ሰላም ብኽእለትን ብጥበብን ኣይኮነን ሰላም ንክርስቶስ ኣብ ሂወትካ ብምንጋስ ጥራሕ ይርከብ።

ሰላም ክርስቶስ ብዛዕባ ንበልዖን ንኽደኖን ከይተሸገርና እንነብረሉ ዕድል እዩ ዝፈጥረልና፣ በዚ ምኽንያት ኢና ለይቲ ፋሲካ።ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን። በዓብይ ኃይል ወሥልጣን ኣግኣዞ ለኣዳም ኣሰሮ ለሰይጣን። ሰላም። እምይእዜሰ ይኩን ፍስሓ ወሰላም እናበልና ብልዑል ድምጺ እናተቐባበልና እምነትና ንገልጽ፣ ክርስቶስ ካብቲ ዝጭቍነና ባርነት ኃጢኣትን። ካብ ፍርህን ጥርጣረን ከናግፈና እዩ ካብ ሞት ዝተንሥኤ፣ ስለዚ ኃቢርና ጐይታ። ንእሱራት ፍትሓዮም። ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም። ንጉሁያ ትልቢ ኣሓጕሶም፦ ብትንሣኤኻ ንምሉእ ዓለም። ንዅሉ ሕዝብኻ ኣብሪህካ ኢኻ ደጊም ኣብ ምድሪ ሰላምን ርግኣትን ይኹን ንምባል  ንቃልካ ኣብ ልበይ ከም ድሙቅ ልቺ ኣብርሃዮ እንዳበልና ናብኡ ምቅራብ እዩ።ብፍላይ ሎሚ እዩ ኣብ ልብናን። ሃገርናን ከባቢናን ሓቀይና ሰላምን ርግኣትን ክነግስ ተኾይኑ ፈጺምና ናብ ኣምላኽ ምቅራብ ን ኣምላኽ ምምራጽ ክለድልየና እዩ።ኣነን ቤተይ ግን ንዓኻ ኢና ነገልግል ክንብል ኣሎና።ንዓና ሰላም ልዕሊ ዝኾነ ህዝብታት ተድልየና እያ ስለምንታይ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ምሉእ ሰላም ኣስተማቂርናያ ኣይንፈልጥን እዚ ድማ ክርስቶስ ዘይብሉ ሂወት ንነብር ከም ዝነበርና የረድእ። ሰላም እንበኣር ኣብ ቤትና ኣብ ሃገርና ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ከም ዘድልየና፣ንፍለጥ።
እተን ኣንስቲ ካብ መቓብር ተመሊሰን ንሓዋርያት ከምዘበሠራኦም። ንሕናውን ኣብዚ በዓለ ፋሲካና።ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ። ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ ንኣና ነዞም ኣብ ትንሥኤኻ ዝኣመንና ብርሃንካ ስደደልና እናበልና ንለምኖ፣ ብርሃን ክርስቶስ እንተተቐቢልና ከኣ ከምቲ ዝነበርናዮ። ከምቲ ልሙድ። ኣብ ፍርህን። ጥርጣረን ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና፣ ነቲ ምሳና ዘሎ ብርሃን እውን ጸልማት ከይከውን መዓልታዊ ሂወትና ምርማር ኣሎና።ወንጌል ሉቃስ 11:35:እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ።  ካብ ሙውታት ንዝተንሥኤ ክርስቶስ ዝረኸበ ሰብ ዝኣምን ሰብ ከም ቀደሙ ኣብ ናይ ዓመጽን።ባእስን፡ ጸለመን ፡ጽልእን፡ስስዕትን። ቅንእን ንፍገትን። ግፍዕን ጭካነን። ሻርነትን ክቕጽል ኣይክኣልን እዩ። ኣብ ማእከልና ዘሎ ሰላም ምስኣን ኣምሰያ እቲ ከም ቃል ኣምላኽ ዘይምንባርና ምኻኑ ነስተውዕል።ኣብ ማእከልና ዘሎ ምትህልላኽን ቅርሕንትን ምጺሊላምን ብርሃን ክርስቶስ ኣባና ከም ዘየለ ምልክት እዩ።2 ጢሞቴዎስ 1:10:የሱስ ክርስቶስ ንሞት ዝሰዓሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡ህያው ኣምላኽና እዩ።

ብርሃን ክርስቶስ ዝተቀበለ ሰብ ከምተን ቀዳሞት ኣንስቲ ንጋሆ ፋሲካ ዝገበራኦ እዩ ዝገብር። ነሕዋትናን ነሓትናን። ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምዉታት ትደልዩዎ/ያኦ ኣሎኹም/ኣሎኽን፦ ንሱስ ተንሥኡ እዩ፤ ኣብዚ የሎን (ሉቃ 245-7 ርኤ) ብምባል ጥዑም ዜና ነበሥሮም፣ ክርስቶስ ስለዝተንሥኤ ሎሚ ኣብ ሰማያት መላእኽቲ ይሕጐሱ። ንሕና ድማ ብታሕጓስን ብሰላምን በዓል ፋሲካ ነኽብር፣ ክርስቶስ ሎሚ በዛ ዕለት እዚኣ ንሞት ሥዒሩ ተንሢኡ እዩሞ። ኣብ ሰማያት ተስፋ ሕይወት ተሠሪዑልና ኣሎ፣ ንሕና ከኣ ነዚ ዕድልዚ። ነዚ ዕድመ ብትሑትን ቅኑዕን ልቢ ንቀበሎ፣
ንኵልኹም። ኣብ ዓድን ኣብ በረኻን። ኣብ ወጻእን። ዘሎኹም ቡሩክ በዓለ ትንሣኤ ይግበረልኩም፣ በረኸት ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀደማዊ እንጠንዮስ ምስ ኩላትና ይኹን።ን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ኣብ ስርሖም ኣስልጦ ሂቡ ዕድመን ጥዕናን ይሃበልና ኣሜን።