1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 31 March 2012

ዘኒቆዲሞስ(7ይ ሰንበት ጾመ-ኣርብዓ)።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ቅዱስ ጽሑፍ
ዲያቆን:- ሮሜ፣ 7.1-19 (Rom)ተሓጋጋዚ ዲያቆን:-1 1 ዮሃ፣ 4.18-21 (1st  John) ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ  5፡34-42 (Acts)ካህን:- ዮሃ፣ 3.1-20 (John) ያሬዳዊ መዝሙር፡ሖረ ሃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ (ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ናብ ጎይታ ኸደ)መዝሙር ዳዊት፡- ሃወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፣ ኣመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላእሌየ፣ ከመ ኢይንብብ ኣፉየ ግብረ እደውየ። መዝሙር ዳዊት፡- ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸእየ (መዝ 17.3)።
Psalms:- You have put my heart to the test, searching me in the night; you have put me to the test and seen no evil purpose in me; I will keep my mouth from sin. ” Psalms 17:3.
ቅዳሴ፡- ማርያም

                                          ዘኒቆዲሞስ
ኒቆዲሞስ ፍሉጥ መምህር እዩ ኔሩ (ዮሃ 3.10) በቲ ጎይታ ኣብ ቤት መቕደስ ዝገበሮ ተኣምራት ድማ ኣዝዩ ተማረኸ (ዮሃ 2.13-23) ኒቆዲሞስሓላፊ ናይ ኣይሁድ ስለዝነበረ፣ ምስ ክርስቶስ እንተተራእዩ ፈሪሳውያን ክቃወምዎ ከምዝኽእሉ ተረዲኡ ብለይቲ እምበር ብመዓልቲ፣ ብጸልማትእምበር ብብርሃን ምስ ክርስቶስ ክራኸብ ኣይደለየን (ዮሃ 3.1) ስለዝኾነ ድማ ብጸልማት ናብ ክርስቶስ መጸ። ድሒሩ'ውን ኣብታ ክርስቶስዝተሰቕለላ ዕለት-ዓርቢ፣ ጸሓይ ምስ ተኸወለት ብርሃን ብጸልማት ምስተተክአ: ስጋ ክርስቶስ ሓመድ ከልብስ ብጸልማት ናብ ክርስቶስከምዝመጸ ንዕዘብ (ዮሃ 19.38) ኣይሁድ ንትምህርትን ተኣምራትን ክርስቶስ ክቃወምዎ ኰለዉ፣ ኒቆዲሞስ ግና እቲ ብለይቲ ዝጠዓሞ ትምህርቲ ክርስቶስ ንልቡ ስለዝረትዖ ንክርስቶስ ይድግፍ ነበረ (ዮሃ 7.51)
ኒቆዲሞስ ንትእምርትታት ክርስቶስ እኳ እንተኣመኖ፣ ንኣምላኽነት ክርስቶስ ግና ኣይተቐበሎን ኔሩ። ይኹን እምበር ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌምምስ ኣተወ ምስ ጎይታ ንምዝዝርራብ ከምዝመጸ እቲ ጽሑፍ ይገልጽ። ኒቆዲሞስ ትንቢት ነቢያት ንምምርማር ዕድል ዝረኸበ ሰብ እዩ ኔሩ።እንተኾነ ግና፣ ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ትምህርቲ ንምቕባል ስለዝኸበዶ ክርስቶስ በዚ ነገር እዚ ተገሪሙ፣ "መምህር ኣይሁድ ክንስኻስ ነዚ ነገር ነዚ ኣይትፈልጥን?" ክብል ንኒቆዲሞስ ሕቶ ሓተቶ። ኣስዒቡ፣ ክርስቶስ መምህርን ኣምላኽን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ህይወቱ በጃ ክህብ ዝመጸ "መድሃኔ-ዓለም" ከምዝኾነ ኣጸቢቑ ክሳብ ዝስወጦ ገለጸሉ (ዮሃ 3.2፣ 3.14-18፣ 13.13-15፣ ማቴ 23.8)።
ክርስቶስ ነቲ ኒቆዲሞስ ኣብ ኦሪት መርገም ምዃኑ ዝፈልጦ ናይ ኣስራዚ ምስሊ-ተመን ጠቒሱ፣ በዚ መስቀል እዚ በረኸት ከምዝርከብ ሓበሮ(ዘሁ 21.8 ገላ 3.13 2 ቆሮ 5.21 ዮሃ 3.14-15) ክርስቶስ ካብ ዝመሃሮ ትምህርቲ ንኒቆዲሞስ ዝኸበዶ ክፋል፣ ትምህርቲ ካልኣይ ልደት እዩኔሩ። ጎይታ ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ እዩ ስለዚ ካብ መንፈስ ክትውለድ ኣሎካ ስለዝበሎ፣ ኒቆዲሞስ ምስቲ ንሱ ዝርድኦ ምድራዊኣወላልዳ(ልደት) ብምምስሳል "ሰብ ምስ ዓበየ ካልኣይ ከመይ ጌሩ ይውለድ?" ክብል ንክርስቶስ ሓተቶ ጎይታ ግና "ካብ ማይን ካብ መንፈስንክትውለድ ግድን እዩ" ክብል ብዘይ ጥምቀት መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ከምዘይክእል ሓበሮ።

ጎይታ ኣብ ወንጌሉ ብዘይ ካልኣይ ልደት መንግስቲ ኣምላኽ ክንወርስ ከምዘይንኽእል ምሂሩና እዩ። ሓደ ሰብ ብስጋ ካብ ወለዱ እንተዘይተወልደ ኣብዚ ዓለም ክነብር ኣይክእልን። ከምኡ'ውን ብመንፈስ ካብ እግዚኣብሄር ዘይተወልደ ሰብ ኣብታ መንፈሳዊት መንግስቲ-ኣምላኽ ክነብር ዝከኣል ኣይኮነን። ሰብ ብምስሊ ኣምላኽ እኳ ኣንተተፈጥረ፣ ኣብ ሓጢኣት ስለዝወደቐ፣ ሰይጣናዊ ሓሳብ ንኣእምርኡ ወሪስዎ እዩ። ከምውጽኢቱ ድማ ካብ ንኣምላኽ ንሰይጣን ኪግዛእ ክኢሉ እዩ። እቲ  ንመጀርያ እዋን ብዳርባ እምኒ ንሓዉ ዝቐተለ ሰብ'ውን ሰይጣናዊ ሓሳብንኣእምርኡ ስለዝወረሶ እዩ (ዮሃ 8.44-46) ከምቲ "ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ እምላኽ'ውን ሰኣኑ" ዝብሎ፣ ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ሞት ዝወደቐ ፍጡር ብምዃኑ፣ መንግስቲ-ኣምላኽ ኽወርስ እሞ ብህይወት ምእንቲ ክነብር፣ ብጥምቀት ወንጌል ብእምነት ካብ እግዚኣብሄር ዳግም ክውለድ ግድን ኮነ።
ክቡር ኣንባቢ፣ ትርጉም ካልኣይ ልደት፣ ነቲ ኣረጊት ሰብካ ምስ ኩሉ ክፉእ ሓሳቡን ባህርዩን ኣሊኻ ሓድሽ ሰብ ክርስቶስ ምልባስ ማለት እዩ። ነቲ ኣዳማዊ ባህርይ ብቓል ኣምላኽ ጌርካ ስዓሮ፣ ካብ ኣምላኽ ዳግማይ ብጥምቀት ተወለድ። ኣምላኽ ውሉዱ ክትኮኖ ጸዊዑካ እዩ'ሞ መንግስቱ ክትወርስ ውሉድ ኣምላኽ ንምዃን እዙዝ ኩን። ዳግማይ ብእምነት እንተተወሊድካ ድማ ንልደትካ ሸለል ኣይትበሎ። ንክርስቶስ ብኹሉ ህይወትካ ምሰሎ፣ ኣሰር ክርስቶስ ተኸተል፣ ህይወት ድማ ክትረክብ ኢኻ።
ኣምላኽ ጸጋ ይሃብካ።

ትርጉም ዲን.ዑቕበ ዘመደ። ብፍቓድ  ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

ህግደፋውያን ኣብ መንጎ ኣምንቲ ክርስትና ኦርቶዶክሳውያን ንካቶሊካውያንን፣ ከቢድ ኣዕናዊ ጽልኢ ምሂዞም ኣለዉ።

ግደፋውያን ኣብ መንጎኣም ነቲ ክርስትና ኦርቶዶክሳውያን ንካቶሊካውያንን፣ ከቢድ ኣዕናዊ ጽልኢ ምሂዞም ኣለዉ።


ኤርትራውያን ይትረፍ ክርስትያናት ኣሕዋት፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣስላምን ክርስትያንንውን ብሓደ ተቓሊሶም ብሓደቁራስ እንጌራ ተማቒሎም፣ ክርስትያንበስመ-ኣብኢሉ፣ ኣስላማይብስም- ኣላህ፣ ኢሎም፣ መግቦም ቀዲሶም ፍቕሮም ሓልዮምን ዓመታት ዝጸንሑ እዮም።
ህግደፍ ግን ይትረፍ ቁሩብ ናይሃይማኖት ኣፋላላይ ንዘሎካሲ፣ ስጡምሓዳርን ስድራን እንተርእዩ ሓዳርከ የፍረሰ ዘይሓድር፣ ልኡኽ ሸይጣን እዩ። ኤርትራውያን ግን ክሳብ መዓስ በዚ ንሱ ዝኸዓዎ ሓተላ መርዚ እናተመረዝና ክንነብር ኢና እንድዒ።
እቶም እዚ ጽሑፍ እዚ ዝዝርግሑ ጳጳሳት፣ እዚም ጽሓፎም ንህዝቢ ካቶሊኽን፣ ተዋህዶን ከሰምብዶም ዝግባእ ኣይመስለናን።
ምኽንያቱ፣ ኣቦኦምፓትርያርክ ኣባ ኣንጦንዮስን ሞትኣሕሊፎምን ዓመታ ኣብ ማሕበር ዘብልዩ ዘለዉ ጨካናት ልኡኻት ህግደፍ እዮም። ሕጂ ውን ከምቀደሙ ህዝቢ ክርስትያን ሓድነቱን ፍቕሩን ናይ ቀደም ምትሕልላዩን ኣጽኒዑ፣ ነዚ ነቲሕ ዝኾነ ጎሓፍ መልእኽቲ ሸይጣን ኣብ ዕነ ደርብዩ፣ ከም ቀደሙ ክጸንዕ ንላቦ። ብሽም ስላሴ ንኣምን ኢና ካቶሊኽ ንክርስትያንን።
ብኣንጻሩ ንሳቶም ዝባረኽዎ እዩ ከይብላዕ ዝግብኦ ነይሩ። ከመይሲ ንሳቶም እዮም ብስም ኣብን ወልድን መንፈስቅዱስን ተወጊዞም ተገዚቶም ዘለዉ እምበር ህዝቢ ተዋህዶ ይኹን ህዝቢ ካቶሊክ ውግዘት የብሉ ማእሰርቲ የብሉ ቅዱስ ንፈቃርን ህዝቢ እዩ።ውድቀትን ህግደፍ!ግዱሳት ደቂ ተዋህዶን ካቶሊክን ኤርትራውያን።

Thursday 29 March 2012

ረቒቕ ተንኮል ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ፡ንምፍራስ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን 4ይ ክፋል ን ቃሕ ኦርተደክሳዊ!!! ፡፡


ረቒቕ ተንኮል  ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ፡ንምፍራስ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን 4ይ ክፋል ን ቃሕ ኦርተደክሳዊ!!!።
ህዝቢ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክርድኦ ዘለዎ ነጥቢ ዘሎ ግን ንሕና ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ብዕላማ ይገብሮ ምንባሩ እዩ ፍልይ ዘብሎ እንበር እዚ ኹሉ ተገብረ ን በይኑ ገሩዎ ወይ ድማ ህግሓኤ ጥራሕ ላዕለዎት ገረሞ ኣይኮነን። ኩላቶም ፖሎቲከኛታት ኤረትራ ኣብ ጉዳይ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን በደል ኣይፈጸሙን ኣይበሃልን እዩ።ብደረጃ ውዱባት ግን ብቀጥታ ሻዕብያ ድማ ብ ተዘዋዋሪ ማለት ብ ጎስጋስ ን ተገብሩ ነገራት ብምምዝማዝ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክስ ወጽዓ ገሮም እዮም።ህጂ እውን ካብ ዝኾነ ተቃዋሚ ህዝቢ ተዋህዶ ፍታሕ ንጽበ ተሊና ናብ ዳግማይ ጸልማት ንኣቱ ኣለና ማለት እዩ።ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ፖሎቲካ ን ሃይማኖት መሳርሒ ክገብሮ ስለ ዝጽዕር ኣብ ዝመጹ ነገስታት እውን ክንጎርሕ የድሊ ንኽንጎርሕ ድማ እዩ እዚ ኹሉ ክጸሓፍ ተደልዩ ዘሎ።
ውሕሉል ምንቅዩነት ኣብ ልዕሊ ኦርተደክስ ግን ድሕሪ እታ ሃይማኖት ካብቲ ተቃላሳይ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሕብረተ ሰብ ኤረትራ ምንጻላ ፡ካብ የእምሮ ተጋደልቲ ድሕሪ ምሕካኻ ነዚ ምስ ጸፈፈ ናብ ድሕሪ ናጽነት ናብ ምቁራና እዩ ኣትዩ።እዚ ቅድም ኣብ 3 ሰለስተ ክፋል ዝተሓንጸጸ ን  በተፋለለየ ኣገባባት ምልማስን ምድኻምን  ኣድኪምካ ደሓር ፍጹም ነንሕድሕዱ ኣጋራጪኻ  ን ሓድነት ሃገር የስግእ ኣሎ፡ዝበኣሱ ሰባት በቲ ሓደ ወገን እንዳለኣኽካ  ከም ዓራቂ ኮንካ እንዳ ኣውደኽደኽካ በቲ ድማ ስምምዕ ይስእኑ ኣለዉ ኢልካ ምዕጻዉ፡ ከምዚ ኢልካ ንትወስዶ ስጉምቲ  ን ህዝቢ እውን መንግስቲ ታይ ገሩ ኣቅሽቲ ጸጊቦም ሰላም ሲኢኖም ዝብሉ ሰዲድካ ከምኡ እውን መንእሰያት ከምዘይእከቡሉ ምግባር ምልማስ።ሽዑ ድማ ቃል ኣምላክ ዘይፈልጥ ወይ ድማ ከም ባህሉን ሃይማኖቱን ዘይነብር መንእሰይ መልሚልካ ነቲ ዝጸንሐ ሃይማኖትን ባህልን ምግሓፍ ።እዚ ካብቲ በዓል ምሕየድን ሸንገብ መራሒ ሃማመተኤ ነብር ከምኡ እውን ላዕለዎ ሰበስልጣን ነዚ ኹሉ ይፈልጥዎ እዮም።

መንግስተ ኤረትራ ኣብቲ ኣብ 2003 ዓም ናብ ፈጸምቲ ኣካልት ህግድፍን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝሰደዶ መልአኽቲ ምስጢር ዝብል ከምኡ እውን ኣብቲ ን ጋዜጠታት ብሕቲ ዝከሰሉ ነበረ ግዜ ጎስጓስን ሃይማኖት ክርስትና ኢትዮጵያ መታን ኣብ ኲናት ክትዕወት ኣመሪካ ን መንእሰያት መታን ኣብ ኲናት ክደኽሙ ከም ዝጸውም ይገብሩ ኣለዉ።መንእሰያት ኣብ ኲናት ሰብ ኣይንቀትል ይብሉ ኣለዉ ነዚ ኣመሪካ እያ ትገብሮ ዘላ።ህጂ እውን ምዕራባውያን ብከምቲ ቀደም ብሽም ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ ዘእተዉዎ መግዝእቲን ከምቲ ብሽም መስቀላውያን ንረብሓኦም ሃይማኖት ዝተጠቀሞ ምዕራባውያን ይሰርሑሉ ኣለዉ ንህዝብና ክከፋፍሉ ይሰርሑ ኣለዉ ።ኤረትራ ጠፍአት እንዳ በልካ ይጉስጎስን ን ሰባት የእምሮኦም ይጥወን ነሩ።መንግስተ ኤረትራ ን ናብ ፖሎቲካ ዝመጠዋን ዝሸጣን ሽሙ ብደገ በቶም ልኡኻቱ ከም ዝነኣድ እንዳ  ነኣድካ  ነቶም መጻኢኣ ይጽልምት ከም ዘሎ ዘለለዩ እሞ ንናጽነታ ዝቃለሱ ድማ ሽሞም ብ ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ካብ ገጽ ተዋህዶ ምንጻል እዩ።ኣብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቀዳማይ ተጠቃዒ ዝነበሩ ድማ ጳጳስ ድበ ኩሉ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ እዮም ዝነበሩ።
መንግስተ ኤረትራ መታን ን ተዋህዶ ንምፍራስ ክጥዕመሉ ን ኣቡነ መቃርዮስ ከም ዘየስርሕዎ ምስ ተረድአ ኣብ ልዕለኦም ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ከካይድ እዩ ወሲኑ።ብ ቀዳምነት ድማ ኣቡነ ፍሊጶስ እዮም ነሮም።ፕረሲደንት ኢሳያስ ብ ኣካል ን ኣቡነ ፍሊጶስ ጸዊዑ ኣቡነ መቃርዮስ ተኣነጺሎሞም ፓትሪያርክ ኣብ ምዃን ክሕግዞም ከም ዝኽእል እዩ ተላብዩዎም። ፖሎቲካዊ ቅንጸላ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ መቃርዮስ ቀጺሉ። ኣቡነ መቃርዮስ ተመርዕዩ እዩ። ጸረ መንግስቲ እዩ።ምስ መንግስቲ ተዘይተሳማሚዕና ኣይንኽእልን ኢና። እንዳተባህለ ዘሎ አተገሩ።ን ኣቡነ መቃርዮስ ተመርዕያ እያ ተባህለት ሰበይቲ ክሳዕ ካቢነ ምንስተራት ብምኻድ ተሓቲታ ።ዘገርም ነገር ግን ንሳ ኣይፈልጦን እየ ኣነ ድማ ሰብኣየይ ብድንግልናይ ዝረኸበኒ ኣበይ ይፈልጦ መቃርዮስ ከ ኢላ ብምግራም ከም ዘይትፈልጦ ሓቢራ።ነዚ ከጽንዑ ዝኸዱ ኣይተዓወቱን ፈሺሎም ተመሊሶም በዚ ዘይተዓወተ መንግስተ ኤረትራ ግን ነቶም  ዝፈትዎምን ካብኦም ከምኡ ተቃዉሞ ዘይተጸበዮ ተቃዉሞ ዘበርከቱሉን ፡ ክመጹና እዮም በዓል ኣቡነ ጴጥሮስ እንዳበለ ዝንየተሎም ነበረ ኣቡነ መቃርዮስ  ወይለየኸ ነዚ ድኺ ገርኪ ብምባል ኣብ ልዕለኦ ከዕውቶ ዝኽእል ነገራት ኣብ ምእራይ እዩ ተዋፊሩ።ኣቡነ መቃርዮስ እውን ዓው ኢሎም መንግስተ ኤረትራ ምስራሕ ይኸልኣኒ ኣሎ ኢሎም ዓው ኢሎም ይዛረቡ ብምንባሮም፡ ብ ልኡኹ ኣቶ ሓጎስ ብምግባር ብዛዕበኦም ተዛረቡዎን ዝበልዎን ምስ የዕርኽቶም ኮይኖም  ዘዕለሉዎን ጸብጻብ ክእክብ  ተጋይዩ።ዘገርም ክሳዕ ህጂ ኣቡነ መቃርዮስ ኣይፈልትዎን እዮም መን እዩ ነዚ ገሩ ብ መገዲ መን። መወዳእታ ድማ ኣቡነ መቃርዮስ ከይ ሓተቱ  ቤተ መንግስቲ ኤረትራ ብዝሓተትኩሞ መስረት ካብ ስራሕ ተሰናቢትኩም ኣለኹም ተባሂሎም።
 እቲ ኣይ ቀሺ ኣይ ጳጳስ ዝኾነ ሰዓቢ ፕሮቲስታንት ዝኾነ ፕረሲደንት ኢሳይያስ  ድኽመት ትምህርቲ ህዝብና ብምምዝማዝ ነቶም ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ  ኣቡነ መቃርዮስ ካብታ ተወለዱላ ካብ ሃገሮም ክባረሩ ገይሩ።ስለምንታይ እዩ ግን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣማኒ ፕሮቲስታንት ቤተ ክርስትያን ክንሱስ ን ተዋህዶ ክዳናገጽ ተደሪኹ ልቢ ዘለዎ ይመልሶ !!!???። ካበኡ ብምቅጻል ድማ ነቶም በላሕቲ ዝበሃሉ ከም እኒ ኣባ ተወልደብርሃን ንስኻ ከኒሻ እንታይ የእተወካ ከምኡ እውን ካልእ ተወሳኺ ስለ ዝበሉ ክእሰሩን ክባሳበሱን ክሳዕ ግዜ ሞቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብ ተዳጋጋሚ ክኣትዉ ተገሩ።ብምቅጻል እውን ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ያዕቆብ ተፈላለየ ክሳዕ ምድስካልን ናጽነት ኤረትራ ኣይኣምኑን እንዳ ተባህለ ዘይ ወዓልዉ ክእሰሩን ክባሳበሱን ክድስኩሉን ተገሩ ።ህዝቢ ስለ ዘይፈልጥን  እቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ደቂ ተዋህዶ ድማ ተዋህዶ ከም ሸየጢት ሃገር  ገሩ ኣብ የእምሮኦም ስለ ተመልአን ፡ን መራሕቲ ተዋህዶ ኣብ የእምሮኡ ኣንድነት ዝድግፉ ስለ ተነግሮን ግን ።ዝሰምዖም ሰብ ከምዘየለ ስለ ተረድኡን ንመን ክነግሩ ን ፈጣሪ ሰማያት ጥራሕ ነጊሮም  ምስ ንብዓቶም ሓሊፎም።ሎሚ ግን ግዜ ኣኺሉ እዩ ግዜ ኣቃላላዕ!!!!።
ይቅጽል..።

ብ ተወሳኺ ሓበረታ ኣለና
 ብዙሕ ደብዳበታት ዝለኣኽኩምልና ኣለኹም።ግን ስምኩም ክውጽእ ድሉዋት ዲኹም ኣይኮንኩምን ክንፈልጥ ስለ ዘይከኣልና ኣስማት ዝመጸና ደብዳበታት ከነውጽእ ኣይከኣልናን ።ከም ዘኣተወና ክትፈልጡ ንትደልዩ ግን ኣብቲ ትሰዱዎ መልእኽቲ ሽመይ ኣይተውጽእዎ ወይ ድማ ኣውጻዎ ክትብሉ ደጊምና ንሕብረኩም።ግን ብዙህ ደብዳቤታት ከም ዝኣተወና ክንሕብረኩም ንፈቱ ስለ ትገብሩዎ ዘለኹም ምትብባዕ ድማ ዝስመዓና ተስፋ ወሰን የብሉን።99.9% ግን ነዚ ዝቀርብ ዘሎ ክንእዱዎ ከለው ዉሑዳት ድማ ን ገለ ኣራስቲ ኣይተረድኣናን ገላጺ ኣይኮነን ኣስፊሕኩም ነገሩና ዝበልኩም ኣለኹም።ዝተቃወመ ግን የለን ። ብተወሳኺ ንሕና ዝዓቅምና እዚ እቶም ትፈልጡ ትበሃሉ ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትሪያርክ ነብር ግን ብፍላይ ኣብዚ ተተሓባበርኩም ሰናይ ነገር እዩ።ኣብ ሽም ክንኣቱ ኣይንደልን ትፈልጡ ሰባት ከም ዘለኹም ነቲ ዝፍጸምም በደል ግን ን ፈልጦ እዩ እሞ።ኣብ ምርዳኣ እዚ ዝግራሕ ዘሎ ወለዶ ነቲ ሓቂ ነጊርናዮ ንሕለፍ!።ብ ተወሳኺ ዘድልዩና ፅብጥታት ስእሊታት ፡ከምኡ እውን ኣብዚ ቀርብ ዘሎ ጉድለት ተልዩ ነቲ ዝንገር ዘሎ ሓቂ መታን ከየፍኩሶ እርማት።የድሊየና ኣሎ።
                ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
haymanoteabow@gmail.com
church.orthodox@yahoo.com
orthodox.tewahdo@yahoo.com