1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 30 October 2011

nzkone zelekum habertan melektn-orthodox.tewahdo@yahoo.com elkum sdedu.

ጉባኤ ተዋህዶዶ ጉባኤ መንግስቲ ኤረትራ???::

ጉባኤ ተዋህዶዶ ጉባኤ መንግስቲ ኤረትራ???
                ብሓቂ    ዘሕዝን ፍጻመ!!!::
ዋዕላ ሚላኖ ተኻይዱ ን ዓለም ዘገርም ንተዋህዶ መልክዓ ዘባላሹ ፡ን ናይ ሓቂ መገዲ ጽድቂ ዝደልዩ ድማ ካብ ቤተ/ክርስትያን ዘበርግግ፡ ቅለዳ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን እዩ ነይሩ።ካብቲ ዘገርም ኣብ ኣኼባ ሚላኖ ዋና ኣካየዲ ኣቶ ርእሶም ቆንስል ሃገረ ኤረትራ ኣብ ሚላኖ ኪኸውን ከሎ መሳርሒ ኸኣ እቶም ሞት ዝኣበዮም ንተዋህዶ ዝርምስዋ ዘለዎ  ኣቡን ኣቡነ ደስቆሮስ እዮም።ኣማን ብኣማን ኣቡነ ደስቆሮስ እንትርፎ ስልጣን ካሊእ ረብሓ ዘይብሉ ኢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሂወት ዝነብር  ኣቡን ዘገርም እዩ።ሎምስ እቲ ኣቡነ ዝብል እኳ ብሰብ ካሊእ ከየምስል እንበር ክንጽውዖም ሓፊርና ስለምንታይሲ  ኣቡን ኢልካ ክትጽወዖም ነዚኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንሕሉፋት ቅዱሳን ኣቦታት ዘይፈልጥ ሰብ  ሽም ከም ምብልሻው ስለ ዝኾነ።
መጀመርታ ኣኸባ ኪካየድ ምስ ተሓስበ ናብ ጉባኤ ሓደ ቀሺ መንእሰይ  ከየኣቱ ተኸልኪሉ። ኣቶ ርእሶም እዚ ኣኼባ እዚ ናይቶም መንግስቶም ዘኽብሩ እዩ ኢሎም ምስ ከልከሉዎ ሓደ ቀሺ ክምለሱ ከለዉ።ካልኦት ድማ ኦው ኢሎም ኣብዘለዉዋ ኣዮም ኮፍ ኢሎም።ግን በብሓደ ናብተን ናጻ ኣደታት ድማ ናይ ውጹን ኣይትእትዉን ዛዕባ ጀሚሩ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ንሓንቲ ወዘሮ ኣኽበረት ዝተባህለት ሃይማኖታ ኦርተደክሳዊት ኣይትኣትዉን ክኣቱ እየ ቅልስ ኮይኑ ኣስዕቦም ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣይትኣትዋን ኢሎም ይኽልክሉ መንእሰያት ግን ኣይሓመቁን ስለምንታይ ይኽልኣ ናዕቢ ክላዓላ ዕግር ግር ምስ ኮነ ኣቶ ርእሶም  መክሮፎን ገይሩ ውጹ እቶም ዘይተድልዩና ውጹ እቶም ን ህግድፍ ክትጸርፉ ትውዕሉ ተኣቢኹም ከኣ ዓደምቲ ናይዚ ኣኼባ ንሕና ኢና።ብሕጊ ወጢጥና ከነውጸኣኩም ኢና እንዳበለ ታህዲድን መናውራን ተካይዱ። ዝወጽእ ወጺኡ ዝተርፍ ድማ ተሪፉ። ናይዚ ኽሉ ግን ኣብን ፓትሪያርክ ኣየ በሃላይ ብዕልዋ ዝመጹ ኣቡን ፈጥፈጥ ኢሎም ግርም ኣለኻ ኣይተጋገኻን ክብልዎ ተሰሚዖም።ዘገርም ነገር እዩ ግን ኣቕሽቲ ተዋህዶ ዝኽልከሉሉ ኣኼባ፡ኣደታት ተዋህዶ ዘይእከባሉ ኣኼባ፡ጳጳስ ተባሂልካ ኣኽሊልል ገርካ  ከተብቅዕ ን ህዝቢ ክርስትያን ውጹ ክብልዎም ከለዉ ፖለቲከኛታት ሓቆም ኢልካ ተጣቅዕ ተኾንካስ ጵጵስና ዶኾን እዩ።
ፈሻዊ ግን እቲ ካብ ኤረትራ ተሓንጺጹ ዝመጸ ከየተተግበረ እዩ ኩሉ ተሪፉ፡ መንእሰያትን ኣደታትን ዘለዎም ቁጠዐ ተዓዘበ ኣቶ ርእሶም ብዘይካ እቶም ወዲ ዓደይ ዘመደይ እና በለ ኪሓኮም ዝቀነየ ደናቁር ሸየጢ ሕልነኦም ካልእሲ ዋእ  እስከ ንሰሞዖም ዞም ቀለድቲ ክብል እዩ ውዒሉ።ግን እዝስ ጉባኤ ህግድፍ ዶ ጉባኤ ተዋህዶ።ኩቡር ክርስትያን ርአ ኣይትጋገ ብሃይማኖት ጸወታ የለን ሃይማኖትካ ዓዋሉ ዚጻወቱሉ ዉሑዳት ንኸብዶም ጥራሕ ዝነብሩ ዝኮርዕላ ኮይና ኣላ።ሃይማኖትካ ተቃዋሚ ክሳለመላ ዘይግባእ ቤተ/ክርስትያን ኮይና ኣላ።ታሪኽ ይደግም ኣሎ ወዲ ዲመጥሮስ  ታሪኽ ኣቡኡ።ዘሕዝነና ግን ናይቶም ካህናት ኢና ዝብሉ ጋዋኑ እዩ።ነደታ ፡ውጻ ክብልወን ከለዉ ስቅ ኢሎም ዘንጨብጭቡ ነበሩ ካብ ገለ ከይንጠቅሰን ዝዐቀብናየን ሃገራት ኣውረጳ ዝመጹ እዩ። እቶም ፖለቲከኛታት ከፋራርሕወን ፡ንኻህናት ንድያቆናት ቆንስል ኣይተኣትዉን ኢኹም ንስኹም ኣይተድልዩዋን ኢኹም ን ኤረትራ ኢሉ  ክሰጉግ ስቅ ኢሎም ክራዩ ምርኣይና እዩ ዘገርም እዩ እንበር ኣባ በዓል በእንተ ከርሱ ንብለኩም።
 ግን ዋእ እውይ በሊ መረት ሰብሲ ኣብዩ እዩ ግን የእውዪ ፈጣሪ ተናዒቁ  ንጉስ ከቢሩ፡ኩሉ ንንጉስ  ዘይሰግድ ይጥፋእ ተባሂሉ፡እወ ኩሉ ንንጉስ ዘይሰግድ  ቁርባን ኣይንግበኦ፡ጥምቀት ኣይግበኦ ተባሂሉ።ምምሕዳር ኣቡነ ደስቆሮስ ን ህግድፍ ዚጸልእ ኩሉ ኣይፍቀዶን ይብል ኣሎ።ወዳጀ ሃይማኖት ወዳጀ ወንጌል ወዳጄ ቅድስና።ረኣዩ በሉ ፡እዝስ ምስ ምቅያር ሃይማኖት ዶ ኣይመሳሰልን፡ ንሳቶም እዚ ክገብሩ ይውዕሉ ተመሃሮኦም ከኣ ተዋህዶ ኣይትቅየርን እንዳበሉ ክዝምሩ ይውዕሉ ህዝቢ ንምትላል ህዝቢ ንምስሓት ንህዝቢ ሓንጎል ሰብ ንምስራቅ፡ ብሓፈሻዊ ብዝረከቡዎ ኣሉታዊ መልሲ ግን ፡ሓንቲ እኳ ዝገበሩዎ የለን ፡ዝገበሩዎ ክንዲ ምዕራቅ ካሊእ 4ይ ቤተ/ክርስትያን ከም ዝረኸቡን ካህን ካብ ኤረትራ ክመጽእ ከም ዝኾነን ናብዞም ጸላኣቲ መንግስቲ ሰብ ከይኸይድን ክምህሩ ዊዒሎም ካብ ገለ ኣብያተ/ክርስትያን ኣውረጳ ዝመጹ ዑሱባት ካህናትን  ኣቡነ ደስቆሮስን። እቶም ኣብቲ ጉባኤ ኣይትኣትዉን ተባህሉ ሰባት ግን ኣብ ገጾም ሓጎስ ይንበብ ነሩ።እወ ከላ ከይነቃለዓካ ኢልካ ዲኻ ደሓን ግን ሓጥያት ተረፈ  ፡ቡታን ቡታን ኩሉ ፈሊጥኩም እዩ እዮም ዝበሉዎ።ዘግርም እዩ ግን ዘገርም ነገር።እዝስ ጉባኤ ተዋህዶ ድዩ ክጽብጸብ ዋላስ ጉባኤ መንግስቲ ኤረትራ።
እዚ ጉባኤ እዚ መንነት ኣቡነ ደስቆሮስ ገለ ካህናትን ዘቃለዐ ፡ዋላ ነቶም ደድህሪኦም ዝሰዓቡዉ እውን ዘሕፈረን ዘነወረን ኣኼባ ድማ እዩ።ስለምንታይ እዩ፡ እንድሕሪ ኢልና ከም ፖለቲካዊ ኣኼይባ ክስቶ ውጻእ ክስቶ እቶ እና ተባህለ ዝተካየደ ስለ ዝኾነ።ቆንስል ሃገረ ኤረትራ ሓዳስ ቤተ/ክርስትያን ንሱ ዝቃጻጸራ ቤተ/ክርስትያን ክምስርት ምኻኑን ከይተመለሱ ክባርኹሉ ምኻኖምን ንህዝቢ ሓቢሩ። ክሰርሓሉ ዘምጽኦም ዓቢ ዛዕባ ግን ከምዘይተዓወተን ኣፍሊጡ ኣሎ። ንርኢ ቅድሚ ህጂ እውን እኮ ናይ ህግድፍ ቤተ/ክርስትያን ዘይነበር ኮይኑ ኣይኮነን ህዝቢ ፈንፊኑዎ ስለ ዝጸንሐ እንበር ህጂ እውን መአከቢ ዕሽር ደልዮም እዮም እሞ ከምዘይሰልጦም ንኣምን። ሓቆም እዮም ከኣ ገንዘብ ቤተ/ክርስትያን መቂሩዎም ድኻ ጓል ድኻ ዝኣከበኦ ገንዘብ ኢዋእ ድማ ህዝቢ ኤረትራ ምስ እዚኦም ዝነብር ብንብዓቶም ተዳናጊጹ ኩሉ ግዜ ዝታለል እንበር ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኦርተደክስ ቤተ/ክርስትያንሲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዝበለ ይበል ኣብ ሓዊ ደኣ ንነድድ እንበር ንኣረማውያን ንተዋህዶ  ቅድስቲ ሃይማኖትና የሕሊፍና ከምዘይንህባ ዋላ ኣብ ገዛ ተኸላኣኩምና ኣብ ጎደና ንሃይማኖትና ክንሰብካን ክንጣበቀላን ኢና።ኢዋእ ግን ሃይማኖትኩም ብ ረብሓ ሸጥኩም ኣብ ዘለኹመን ሃገራት ከይኣክል ን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ሃይማኖቶም ክሸጡ ኣብ ምጉስጓስ ግዝየኹም ተሕልፉ ዘለኹም ዑሱባት፡ ጽባሕ ኢድኩም ክትረኽቡ ምዃንኩም ኣምላኽ ከም ዝቀጽዓኩም ኣይትዘንግዑ እንዳበልና ንዓና ግን ኣምላኽና እቲ ንውከሎ ከድሕነና እዩ።
እዝግዚኣብሄር ቅድስቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ይባርኽ።ተንኮለኛኣን መንቀኛኣን ድማ ይሃዘላ ኣምላኽ ምስ በዓል ሓቂ ይኹን።

                                              ሃይማኖተ ኣቦው

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 2ይ ክፋል

       ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 2ይ ክፋል
እስኪ ነዚ ሕቶ ብሓደ ኣብነት ጌረ ከብርሆ። ንኣቦይ ብኣካል ዘይፈልጦ ወይ ስእሉ ዘይረኣየ ሰብ ኣቦይ ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ እዞም ንኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሰባት ንሱ እንታይ ከም ዝመስልን መንገዱ ከመይ ከም ዝኾነን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጸ ንሱ በይኑ ጥራይ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ከርእየና ይእኽል እዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ። “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን፣” (ዮሃ.14።6)፣ነዚ የሱስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንገዲ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ክንሓስብ ከሎና ወይ እቲ ዝበሎ ሓቁ እዩ ወይ ከኣ ንሱ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ክንብል ኢና፣ የሱስ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ንምባል ዝደፍር መን ኣሎ?  የሱስ ጥዑይ ሰብ ወይ ነብይ ኔሩ ጥራይ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ንሱ ኣምላኽ ባዕሉ እምበር ጥዑይ ሰብ ጥራይ ኣይነበረን፣ ሓሳዊ ወይ መታለሊ
እንተኔሩ ድማ ጥዑይ ሰብ ክኸውንውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ የሱስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ኢልና ክንድምድም ኢና፣ኩሉ ሓቂ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የምስለካ እዩ፣ ኣብ ስነ ቁጽሪ 2 ተደመሮ  2 ኩሉ ጊዜ  4 እዩ፣ ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ (ኣተሓሳስባኦም ጸቢብ እዩ ንኸይንበሃል ኢልና)  3  ወይ  5  እውን መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣይንብልን ኢና፣ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዘለዎ መልስታት እንተ ተቐቢልና እቲ ናይ ስነ ሕሳብ ስራሕና ጌጋ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ትዘውር ንፈልጥ ኢና፣  “ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ”  ጸሓይውን ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር እያ ዝብል ስነ ሓሳብ እንተ ተቐቢልና ግን ኩሉ እቲ ናይ ስነ ጠፈር መጽናዕትና ከንቱ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ ቀመም H2O ማይ እዩ፣ 3ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O  ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፣
ስለዚ ሓቂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ፍጹምን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽ ነገርውን ከምኡ እዩ፣ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ከምቲ ኣብ ስነ ቁጽሪ። ስነ ጠፈርን ስነ ቀመምን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥውን ሓደገኛ ጌጋ የምጽእ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ከም ዝኾኑን የሱስ ከኣ ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተን ይምህር፣ ስለዚ ከም ‘ክርስትያን’(ጻድቕ) ናብ የሱስ እንተመጺኻ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንክርስትያናት ኢሉ ስለ ዘይሞተ ሓጢኣትካ ኣይሓድገልካን እዩ፣ እቲ ሓጢኣቱ ዝሕደገሉ እቲ ናብ ጎይታ መጺኡ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ” ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ፣ የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝመተ
ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O  ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፣ ስለዚ ሓቂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ፍጹምን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽ ነገርውን ከምኡ እዩ፣ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ከምቲ ኣብ ስነ ቁጽሪ። ስነ ጠፈርን ስነ ቀመምን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥውን ሓደገኛ ጌጋ የምጽእ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ከም ዝኾኑን የሱስ ከኣ ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተን ይምህር፣ ስለዚ ከም ‘ክርስትያን’(ጻድቕ) ናብ የሱስ እንተመጺኻ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ኢሉ ስለ ዘይሞተ ሓጢኣትካ ኣይሓድገልካን እዩ፣ እቲ ሓጢኣቱ ዝሕደገሉ እቲ ናብ ጎይታ መጺኡ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ” ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ፣ የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝሞተ ከም ኣባል ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ኮይንካ ክትመጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ከም ሓጥእ እንተ መጺእካዮ ግን ሽዑ ሓጢኣትካ ክሕደገልካ ይኽእል እዩ፣ኣምላኽ ሕልና ስለ ዝሃበና ኩልና ሓጥኣን ምዃንና ክንፈልጥ ቀሊል እዩ፣ ህጻናት ኣዝዩ ተነቃፊ ሕልና ኣለዎም።
ስለዚ ከኣ ንጌጋ ቀልጢፎም ይርድእዎ  (ይፈልጥዎ)፣ እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ግን ሕልንኦም እናተረረ ክኸይድ ይኽእል እዩ፣ ወዲ  3 ዓመት ቆልዓ ሓሶት ክዛረብ ከሎ ሕልንኡ ስለ ዝኸሶ ናይ ክሲ ምልክት ኣብ ገጹ ይርአ እዩ፣ ድሕሪ 15 ዓመታት ግን ንድምጺ ሕልንኡ ደጋጊሙ ዕሽሽ ብምባል ንሕልኡ ይቐትሎ’ሞ ኣብ ገጹ ዝኾነ ምልክት ከየርኣየ ክሕሱ ይኽእል እዩ፣ ናይ ሓደ ህጻን ከብዲ እግሪ ብክንቲት ተንኪፍካዮውን ይስምዖ እዩ። ናይ ዓበይቲ ሰባት ከብዲ እግሪ ግን ካብ ምትራሩ ዝተላዕለ መርፍእውን ኣጸቢቑ እንተ ዘይተጸቒጡ ኣይስምዖምን እዩ፣ ሕልና ሰባትውን እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ልክዕ ከምኡ እዩ፣ሕልና ሞራላውያን ፍጥረታት ምዃንና ምእንቲ ክነግረና ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዘቐመጦ ድምጺ እዩ።
ናይ ጽቡቕን ክፉእን መባእታዊ ፍልጠት ዘረድኣና ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ፣ ጎይታ የሱስ “ናይ ስጋ መብራህቲ” ኢልዎ ኣሎ  (ሉቃ.11።34)፣ ነዚ  “ዓይኒ” እዚ እንተ ዘይተጠንቂቕናሉ ሓደ መዓልቲ መንፈሳውያን ዕዉራት ክንከውን ኢና፣ ነቲ ኣብ ሕልናና ዝጎጥየና ነገራት ዕሽሽ ምባል ከምቲ ኣብ ዓይንኻ ንዝኣቱ ነኣሽቱ ደሮና ሸለል ምባል ሓደገኛ እዩ፣ ሓደ መዓልቲ መንፈሳዊ ኣዒንትና ምሉእ ብምሉእ ክዓውር እዩ፣ህጻናት ክውለዱ ከለዉ ሃይማኖት የብሎምን፣ ኩሎም ከኣ ሓደ እዮም፣ ድሕሪ ክልተ ዓመትውን ለዉጢ የብሎምን ኩሎም ስሱዓትን ተበኣስትን እዮም፣ ድሕሪ ጊዜ ግን ወለዶም ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይምህርዎም እሞ ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይኾኑ፣ ካብ 90%  ንላዕሊ ናይ ሰባት ሃይማኖት ወለዶም ዝመረጹሎም እዩ።
ኣምላኽ ግን ከም ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ኣይርእየናን እዩ፣ ንኩልና ከም ሓጥኣን እዩ ዝርእየና፣ የሱስ ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ሰብ ንኽመውት እዩ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጺኡ፣ ንሱ ምእንቲ እቶም ሓጥኣን ምዃኖም ዝእመኑን ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ ብቕዓት ከም ዘይብሎም ዝፈልጡን እምበር ምእንቲ እቶም ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ ብቑዓት ከም ዝኾኑ ዝሓስቡ ኣይኮነን መጺኡ፣ ሕልናኻ ሓጥእ ምዃንካ ይነግረካ እዩ፣ ስለዚ ስለምንታይ ደኣ ናብ የሱስ መጺእካ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ። ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ክፉእ ነገራት ጌረ እየ፣” ምባል ዝኸብደካ?ገሊኣቶም  “እቲ ሰናይ ዝኾነ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ሸለል ብምባል ከም ኣቦ ይቕረ ዘይብለልና?” ኢሎም ይሓቱ እዮም፣ ሓደ ውሉድ ገለ ክቡር ኣቕሓ እንተሰይሩን ተጣዒሱ ከኣ ንኣቦኡ ይቕረታ እንተ ሓቲቱን ኣቦኡ ይቕረ ይብለሉ እዩ ይብሉ፣ እዚ ነገራት እዚ ግን ሞራላዊ ነገራት ኣይኮነን፣ 4ኩሉ ሓጢኣትና ከምዚ ኔሩ እንተ ዝኸውን እግዚኣብሄር ይቕረ ምበለልና ኔሩ፣ ሓጢኣት ግን ከምዚ ኣይኮነን። ሓጢኣት ገበን እዩ፣ሓደ ዳኛ ኣብ መጋባእያ ተቐሚጡ ከሎ ወዱ ብገበን ተኸሲሱ ናብ ቅድሚኡ እንተ ዝቐርብ። “ወደይ። እፈትወካ እየ። ይቕረ ኢለልካ ኣለኹ። ኣይትቕጻዕን ኢኻ” ኢሉዶ ነጻ ምሰደዶ? ንእሽቶ ሕጊ ዝፈልጥ ምድራዊ ፈራዲውን ከምዚ ኣይምገበረን፣ እቲ ፍትሒ ናይ ምትግባር ንእሽቶ ባህርይ እምበኣር ካብቲብምስሉ ዝተፈጠርና ፍጹም ፍትሒ ዝገብር ኣምላኽ ዘመጻእናዮ እዩ፣ ኣዝዩ ከቢድ ገበን ምስ ፈጸምና እምበኣር እግዚኣብሄር ከም ፈራዲ “ኣዝዬ እየ ዘፍቅረካ። እንተኾነ ግን ገበን ፈጺምካ ኣሎኻ።
ስለዚ ከኣ ክትቅጻዕ ኢኻ”  ክብለና ኣለዎ፣ ኣብቲ መጋባእያ እቲ ውሉድ ክሳብ ክንደይ ብገበኑ ይጠዓስ ብዘየገድስ እቲ ኣቦኡ ከም ፈራዲ መጠን ክቐጽዖ ኣለዎ፣ እስኪ እቲ ወዲ ባንኪ ሰሪቑ ኔሩ ንበል፣ እቲ ኣቦ እቲ ግቡእ መቕጻዕቲ  - ንኣብነት  1  ሚልዮን ናቕፋ ቀጺዕዎ ንበል፣ እቲ ወዲ ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ስለ ዘይብሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ ኣለዎ፣ ሽዑ እቲ ኣቦ ካብቲ ናይ ፈራዲ መንበሩ ብምትንሳእ ነቲ ናይ ፈራዲ ክዳኑ የውጽእ፣ ካብ ጅቡኡ ቸክ ብምውጻእ ከኣ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላራት (ንዓመታት ዝኣከቦ ገንዘብ) ንመቕጻዕቲ ወዱ ይኸፍል፣ እቲ ወዱ ኣየፍቀርካንን ኢሉ ክኸሶ ይኽእልዶ?  ኣይፋሉን፣ ንወዱ እቲ ሕጊ ዝሓቶ ግቡእ መቕጻዕቲ ስለ ዝበየነሉ ቅኑዕ ፈራዲ ብዘይ ምዃኑውን ዝኸሶ ሰብ የብሉን፣ ኣምላኽውን ንዓና ልክዕ ከምዚ እዩ ጌሩልና፣ ከም ፈራዲ ኩልና ብሓጢኣትና ክንመውት ከም ዘሎና ፈሪዱ፣ ብድሕሪኡ ከኣ መልክዕ ሰብ ብምውሳድ ነቲ ንዓና ዝግባእ መቕጻዕቲ ተቐጺዕዎ፣
                                                     ይቅጽል……::

Saturday 29 October 2011

መንበረ ፓትርያርክ’ዶ ወይስ መንበረ ዮፍታሄ ?

      መንበረ ፓትርያርክ’ዶ ????ወይስ መንበረ ዮፍታሄ ??? !!!!!!!
                እሞ ሓቂ’ዶ ክንዛረብ!
መንበረ ፓትርያርክ ክንብል ከሎና መንፈሳዊ መንበርን ምምሕዳርን ናይቲ ወኪል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ዝኾነ ሕጋዊ ፓትርያርክ መራሒ መጓሰ ህዝቢ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቅዱስ ፓትርያርክ ብጻዋዒት እግዚኣብሔርን ብይደልዎ ጉባኤ ጳጳሳትን ዝሕረ እሙን መራሒ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንመንፈሳዊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ዝተፈላለየ ክፍልታትን ቤት ጽሕፈታትን ኣቝሙ ድማ ንሰንሰለታዊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ብቀኖናዊ ሕግን ዓለም ለኻዊ መምርሕን ተኸቲሉ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያክ ተኺሉ ህዝበ ክርስቲያኑ የመሓድር። ቅዱስ ፓትርያርክ ዘይብሉ ቤት ጽሕፈት ግና መንበረ ፓትርያርክ ክበሃል ብፍጹም ኣይግባእን። ምኽንያቱ ቅዱስ ፓትርያርክ ዘይብሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ክህሉ ወይ ድማ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝውክል መንፈሳዊ ምምሕዳር ክህሉ ብመሠረቱ ዘይከኣል ስለ ዝኾነ። ስለዚ ከምቲ ሽም ዘይብሉ ንህቢ መዓር ከምዕርን ሰሚሩ ክነብርን እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ፥ ከምኡውን ሕጋዊ ፓትርያርክ ዘይብሉ ጉባኤ ንቤተ ክርስቲያን መሓድር ሲኖዶስ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ዓቢ ዕሽነት እዩ።
እቲ ብ 11 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብዓመጽ ዝጀመረ ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ዘይመንፈሳዊ ናይ ኃይሊ ጉዕዞ፡ ምሉእ ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብውልቀ ሰብ ክቕየር፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ብዘይ ፍርዲ ክስጎጉ፡ ሊቃውንቲ ውሉደ ክህነት ክእሰሩን ክግፍዑን ኣብ ምእመናን ከቢድ ባእስን ሕንፍሽፍሽን ክኣቱ ጌሩ እዩ። እቲ ብናይ ቀደም ስምን ብልሙድ ኣጸዋውዓን ጥራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከይተረፈ “ናይ ተዋህዶ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ግናኸ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ኮይኑ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር ጉጅለ ረገጽቲ ሕግን ሓቅን፡ ንቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝውክል ዘይኮነስ ንዕንወትን ብርሰት ኣብጺሕዋ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ስፍራ ከተርቲ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ግቡእ እዩ።

ሓቂ ክንዛረብ እንተ ደኣ ኮንና፡ ናብዚ ስፍራ እዚ ካብቲ ፍትሒ ደልዩ ዝመጸ ሰብ፡ ፍትሒ ስኢኑ ብንብዓትን ተስፋ ምቑራጽን ዝተመልሰ ሰብ ይበዝሕ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ብቕንዕና ካብ ዘገልገለ እቲ ብሓሶት ዘውደልደለ ይኸብርን ዝረኽቦ ረብሓ ይበዝሕን። ካብቲ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሕ ኣማኒ ንላዕሊ ንኣቶ ዮፍታሄ ዝፈርሕን ንጎይቶቱ ዝእዘዝን ዝወሃቦ ሓለፋ ይበልጽ። እቲ ብደጊኡ ጽቡቕ ህንጻ ብዙሕ ቤት ጽሕፈታትን ዘለዎ መንበረ ኣቶ ዮፍታሄ፡ ብውሽጡ ብዙሕ ክፍኣትን ኃጢኣትን ዝስርሓሉ፡ ሕጻውንቲ ወለዶም ስኢኖም ጾሞም ዝሓደርሉ፡ ጽጉማት ዝያዳ ዝጉድኡሉ፡ ሊቃውንቲ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ዝሓዘኑሉ፥ ክቡራት ሕፉራትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝተደፈርሉ፥ ቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ከይተረፈ ዝተኸተርሉ፥ ትጉሃት ሰራሕተኛታት ብዘይ መሰል ዝተባረሩሉን ሻራን ረቂቅ ተንኮልን ዝመሃዘሉ ካብ ወተሃደራዊ ስፍራ ንላዕሊ ዝፍራሕ ቦታ እዩ።

ንሓደ ቦታ እኮ ቤተ መንግሥቲ ኢልና እንጽውዖ ሕጋዊ ኣካልን ምምሕዳርን ናይ መንግሥቲ ንዘለዎ ቦታ ደኣ እምበር፡ ንዘይሕጋውያን ሰባት ዝተኣከብሉ ስፍራሲ ቦታ ሸፋቱ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ከምኡውን ንህብን መዓርን ዝነበሮ ቆፎ፡ እቲ ንህቢ ብዝኾነ ምኽንያት ነቲ ቆፎ እንተ ሓደጎ ተራ ቆፎ ደኣ እምበር መዓር ወይ ንህቢ ኣለዎ ክንብል ዝከኣል ኣይኮነን። እሞኸ ደኣ እዚ ኣብ ጎድኒ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቲራቨሎ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ዮፍታሄ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና መንበረ ፓትርያርክ ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል? እቶም ኣብ ትሕቲ ዮፍታሄ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ጳጳሳት ይትረፍ ሃገረ ስብከታቶም ብነጻ ከማሓድሩ፥ ንመጓዓዚ ዝኸውን ናይ መኪንኦም ናፍታውን (ነዳዲ) ከይተረፈ ብመቑነን ካብ ኣቶ ዮፍታሄ ከም ዝፍቀዶም ካብ ብዙሕ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
እምበኣር ከምቲ ንጉሥ ሰሎሞን “እቲ ካብ ቅኑዕ መገዲ ዚዝምብል ሰብ ኣደዳ ሞት ይኸውን” ምሳ 21፡16 ክብል ዝተዛረቦ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓሶት ዓጊጎም ኣለዉ ኢልካ ንሓቂ ረጊጽካ ኣብ ጎደና ሓሶት ካብ ምጽንባር ንሓቅን እምነት እግዚኣብሔርን ሒዝካ መከራ ምጽጋብ ይበልጽ። ምኽንያቱ ሓዋርያ ጳውሎስውን “እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ጸጋ ብእኡ ክትኣምኑ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንትኡውን መከራ ክትቅበሉ እዩ” ፊሊ 1፡29 ዝብል ሠናይ ማዕዳ ጽሒፉልና ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ጌጋ ከኣ ኃጢኣት ምግባር ዘይኮነስ ብኃጢኣትካ ዘይምንሳሕ እዩ። ከምቲ “ኣቦኻ መርቕ፡ ወይ ኣቦኻ ርገም ከከም ዘውረሰካ” ዝበሃል ንደቕኻ ምርቓን በረኸትን ክትጽንሓሎም እምበር መርገምን ሕማቕ ታሪኽን ክትገድፈሎም ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ንኣቶ ዮፍታሄ ድማ ገለ ሰባት ካብ ጌጋኡ ክእረምን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ቤት ጽሕፈቶም ክገድፈሎምን እኳ እንተ ተነግሮ ምስማዕ ኣብዩ ብሓይሊ ጎነጽ እዩ “ዋና ማሓዳሪ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝብል ማሕተም ኣስሪሑ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ዝነብር ዘሎ። ሕጂውን “መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን እዩ? ኤር 8፡4 ዝብል ጥቅሲ እንዳ ደገምና “ዝተጋገየ ክጠዓስ፥ ዝዓመጸ ክኽሕስ” ንቡርን ቅቡልን እዩ እሞ ጊዜ ከሎካ ምጥዓስን ብጌጋኻ ምንሳሕን ሠናይ ምኻኑ ደጊምና ከዘኻኽር ፈቱ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
ልዑል እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ሰላም ንህዝብና ምሕረት የውርደልና!!!

Thursday 27 October 2011

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል::

                ንጹር መልእኽቲ ወንጌል
ኣብዚ ጽሑፍ ‘ዳግም ምውላድ’ ወይ ‘ምድሓን’ እንታይ ማለት ምዃኑ ክገልጽ እየ፣
ናይዚ ናይ ምድሓን ተመኩሮ ቀዳማይ ስጉምቲ ንስሓ እዩ፣ ቅድሚ ምንሳሕካ ግን ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ የድሊ፣ ሎሚ ኣብ ማእከል ክርስትያናት ካብ ግጉይ ርድኢት ናይ ሓጢኣትዝተበገሰ ብዙሕ ግጉይ ርድኢት ናይ ንስሓ ኣሎ፣ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ወንጌል። ናይ ክርስትና መምዘኒታት ኣዝዩ ለጠቕ ኢሉ እዩ፣ እቲ ሎሚ ብብዙሓት ሰበኽቲ ዝስበኽ ዘሎ  “ወንጌል”  ንእሽቶ ሓቂ ጥራይ ዘለዎ ዝተቓጠነ ወንጌል እዩ፣ ሰባት ብየሱስ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ጥራይ እዮም ዝንገሩ ዘለዉ፣ እንተኾነ ግን ከይተነሳሕካ ብየሱስ
ምእማን ፡ ኣሚንካ ድማ ስጉኡን ደሙን ከይወሰድካ ሓሙሽተ የዕማደ ምስጢርን ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ/ክርስትያንን ከይመሃርናን ከይኣመናን።ንማንም ኣየድሕኖን እዩ፣ዳግም ምውላድ መሰረት ህይወት ክርስትና እዩ፣ ነዚ መሰረት እዚ ከየንጸፍካ ጽቡቕ ህይወት ምንባር ልክዕ ከምቲ ንሰብ ጥዑይ ህይወት ክነብር ዝምህር ካልእ ሃይማኖታት እዩ፣ ጽቡቕ ወይ ጥዑይ ህይወት ክንነብር ከም ዘሎና ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ እቲ ብላዕሊ ዝህነጽ ህንጻ እምበር መሰረት ናይቲ ህንጻ ኣይኮነን፣ እቲ መሰረት ዳግም ምውላድ እዩ። ኩልና ከኣ ካብኡ ክንጅምር ኣሎና፣ኢየሱስ ነዚ ዳግም ምውላድ ዝብል ቃል ምስ ኒቆዲሞስ  ይዘራረበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ጠቒስዎ ኣሎ (ዮሃ.3።3)፣ ኒቆዲሞስ መራሒ ሃይማኖት ኣይሁድን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ብጽድቂ ዝመላለስን ሰብእኳ እንተነበረ የሱስ ግን  “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ።

 ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።” ኢልዎ፣ እምበኣርከስ ግብርኻ ጽቡቕ እንተኾነውን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታዉ መንፈሳዊ ልደት ከም ዘድልየካ ንርኢ፣ ቀጺሉ ድማ የሱስ ንሱ ኣብ መስቀል ከም ዝመውትን እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኽቡን ነጊርዎ (ዮሃ.3።14,16)፣የሱስ ሰባት ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ከም ዝሓረዩውን ነጊርዎ  (ዮሃ.3።19)፣ እቶም ቅኑዓት ግና ናብቲ ብርሃን ብምምጻእ ምድሓን ይረኽቡ (ዮሃ.3።21)፣ ዳግም ንኽትውለድ ናብቲ ብርሃን ክትመጽእ ይግብኣካ፣ እዚ ከኣ ሓጢኣትካ ብቅንዕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእማንን ምንሳሕን ማለት እዩ፣ ንኩሉ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ከም ዘይትዝክሮ ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን ሓጢኣተኛ ምዃንካ ክትእመንን ነቲ ክትዝክሮ ዝኸኣልካ ሓጢኣት ንኣምላኽ ክትነግሮን ይግብኣካ፣ ሓጢኣት ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ። ስለዚ ከኣ  መጀመርያ ንእሽቶ ክፋሉ ጥራይ ኢኻ ኣብ ህይወትካ ክትርእዮ ትኽእል፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ሃገር እናተቐመጥካ ግናኸ ንእሽቶ ክፋላ ጥራይ ምፍላጥ እዩ፣ ካብቲ እትፈልጦ ሓጢኣት ክትምለስ ምስ ጀመርካ ግን ቀስ ብቐስ ነቲ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ክፍልታት ናይዛ ‘ናይ ሓጢኣት ሃገር’ ትፈልጦ፣ ኣብ ብርሃን ትመላለስ እንተሊኻ ሓጢኣትካ መመሊሱ እናበርሃልካ ስለ ዝኸይድ ካብኡ እናነጻህካ ክትከይድውን ትኽእል ኢኻ፣ ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ብቅንዕና ክትመላለስ ይግባእ፣ካልእ ኣብነት ንምጥቃም። ኣብ ሓደ ብዙሕ ረሳሕ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ትቕመጥ ኣሎኻ ንበል፣ ንየሱስ ከኣ ኣብ ገዛኻ ክነብር ደሊኻዮ። ንሱ ግን ኣብ ረሳሕ ክፍልታት ክነብር ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ በብሓደ ኣብ ምጽራይ ይሕግዘካ፣ ቀስ ብቐስ እታ ገዛ ብምልእታ ትጸሪ፣ ብከምዚ እምበኣር ኣብ ህይወት ክርስትናና ብቅድስና ንዓቢ፣

 2ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘዝኸዶ ሰባት ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ይሰብኽ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ ኣሎ  (ግብ.20።20)፣ ዳግም ንምውላድን ጽቡቕ መሰረት ንምንጻፍን ዘድልያ ክልተ ረቛሒታት እዚኣተን እየን፣ ኣምላኽ ንስሓን እምነትን ብሓደ ከም ዝኸዳ ጌሩ ኣቋሪንወን እዩ፣ ብዙሓት ክርስትያናት ሰበኽቲ ግን ፈላልዮመን ኣለዉ፣ ንስሓ ካብ ብዙሕ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ስብከታት ወጺኣ እያ። ብዙሓት ሰበኽቲ እምነት ጥራይ ይሰብኩ ኣለዉ፣ከምቲ ዝጸዓረት እንተጸዓረት ሰበይቲ በይና ቆልዓ ከተምጽእ ዘይትኽእል ከምኡ ከኣ ብእምነት ጥራይ ዳግም ክትውለድ ኣይከኣልን እዩ፣ ሰብኣይውን ንበይኑ ቆልዓ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ፣ ቆልዓ ንኽውለድ ሰብኣይን ሰበይትን ክራኸቡ ኣለዎም፣ ከምኡ ድማ ንስሓን እምነትን ብሓደ ምስ መጻ ሽዑ ፡ኣብ መንፈስና መንፈሳዊ ልደት ይፍጸም መንፈሳዊ ቆልዓ (ሰብ) ከኣ ይውለድ፣ እዚ መንፈሳዊ ልደት ልክዕ ከምቲ ስጋዊ ልደት እዩ፣ ብቅጽበት ዝፍጸም እምበር ዘገምታዊ ኣይኮነን፣ ልክዕ ከምቲ ንስጋዊ ልደት ናይ ኣዋርሕ ምድላው ዘድልዮ።
ንመንፈሳዊ ልደትውን ናይ ኣዋርሕ ምድላው የድልዮ ይኸውን፣ እቲ ሓድሽ ልደት ግን ከምቲ ስጋዊ ልደት ብቕጽበት ዝፍጸም እዩ፣ ገለ ክርስትያናት መዓስ ዳግም ከምዝተወልዱ ኣይፈልጡን እዮም፣ ኣነውን መዓስ ዳግም ከም ዝተወለድኩ ኣይፈልጥን እየ፣ እዚ ግን ልክዕ ከምቲ ብስጋ ዝተወለድካሉ ዕለት ዘይምፍላጥ እዩ፣ ብህይወት ክሳብ ዝሃለኻ ከኣ ኣገዳሲ ነገር ኣይኮነን፣ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ነገር ሎሚ ብክርስቶስ ህይወት ረኺብካ ከም ዘሎኻ ርግጸኛ ምዃን እዩ፣ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ የሱስ ጥራይ እዩ ክንብል ከሎናስ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘሎና ኣየምስለናንዶ?
እስኪ ነዚ ሕቶ ብሓደ ኣብነት ጌረ ከብርሆ። ንኣቦይ ብኣካል ዘይፈልጦ ወይ ስእሉ ዘይረኣየ ሰብ ኣቦይ ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ እዞም ንኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሰባት ንሱ እንታይ ከም ዝመስልን መንገዱ ከመይ ከም ዝኾነን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጸ ንሱ በይኑ ጥራይ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ከርእየና ይእኽል እዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ። “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን፣” (ዮሃ.14።6)፣ነዚ የሱስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንገዲ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ክንሓስብ ከሎና ወይ እቲ ዝበሎ ሓቁ እዩ ወይ ከኣ ንሱ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ክንብል ኢና፣ የሱስ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ንምባል ዝደፍር መን ኣሎ?  የሱስ ጥዑይ ሰብ ወይ ነብይ ኔሩ ጥራይ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ንሱ ኣምላኽ ባዕሉ እምበር ጥዑይ ሰብ ጥራይ ኣይነበረን፣ ሓሳዊ ወይ መታለሊ
እንተኔሩ ድማ ጥዑይ ሰብ ክኸውንውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ የሱስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ኢልና ክንድምድም ኢና፣ኩሉ ሓቂ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የምስለካ እዩ፣ ኣብ ስነ ቁጽሪ 2 ተደመሮ  2 ኩሉ ጊዜ  4 እዩ፣ ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ (ኣተሓሳስባኦም ጸቢብ እዩንኸይንበሃል ኢልና)  3  ወይ  5  እውን መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣይንብልን ኢና፣ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዘለዎ መልስታት እንተ ተቐቢልና እቲ ናይ ስነ ሕሳብ ስራሕና ጌጋ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ትዘውር ንፈልጥ ኢና፣  “ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ”  ጸሓይውን ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር እያ ዝብል ስነ ሓሳብ እንተ ተቐቢልና ግን ኩሉ እቲ ናይ ስነ ጠፈር መጽናዕትና ከንቱ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ ቀመም H2O ማይ እዩ፣ 3ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O  ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና::
ይቅጽል……

Wednesday 26 October 2011

ህጂ እውን መንግስቲ ኤረትራ ን ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ንምዕናው ይሸባሸብ!!! ንቅሑ ኦርተደክሳውያን ሃይማኖትና ጠፍአት፡ንመክት ንጸሊ!!!።

ህጂ እውን መንግስቲ ኤረትራ ን ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ንምዕናው ይሸባሸብ!!! ንቅሑ ኦርተደክሳውያን ሃይማኖትና ጠፍአት፡ንመክት ንጸሊ!!!።
መንግስቲ ኤረትራ መቀጸልታ እቲ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ዝገብሮ ዘሎናይ ምዕናው ስዉር ኣጀንዳ ህጂ እውን ኣብ ከተማ ሚላኖ። ብዝኸፍአ ይቅጽል ኣሎ። መንግስቲ ኤረትራ ነቶም ኣብ ከተማ ሚላኖ ዘለዉ ስለምንታይ ፖለቲካ ኣብ ሃይማኖት ይኣቱ ስለምንታይ ተዋህዶ ሕጋ ይቅየር ፡ስለምንታይ ፓትሪያርክ ብሂወቱ ኸሎ ፓትሪያርክ ይምረጽ፡ስለምንታይ ተዋህዶ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን እትኣክል ብ ሓደ ዝተወገዙ ጳጳስ ትምራሕ ኢሎም ንዝሓተቱ ዝግበር ዘሎ ናይ ምህዳድ መቀጸልታ ብዝለዓለ ጥርዚ ክቅጽል ድሕሪ ምጽናሕ ።እንሆ ድማ ነዚ እኩይ ዕላማኦም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሰንበት ዕለት 23/10/2011 ሰዓት 4፡30 ኣቶ ይፍታሀ ነቲ ቢ ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ኤረትራ ዝተዋህቦ ዕዮ ገዛ ንምትግባር ነቶም ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ኣቡነ ደስቆሮስ ሒዙ መጽዩ ናይ ምፍራስን ምብትታንን መደብ ንኸተግብሩ ተላዒሎም ኣለዉ።

እዚ እኩይ ሰጠናዊ ዕላማ እዚ ድሕሪ መንግስቲ ብተፋላለዩ ዕሱባቱ ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን ዝገበሮ ፈተነታት ኣብ ከተማ ሚላኖ ቅድስቲ ቅድስቲ ማርያም ግን ዝሰለጦ እዩ ዝመስል ዘሎ። ካብ ቤተ/መንግስቲ ኤረትራ ዝመጸ ሓበረታ ከም ዘመልክቶ መንግስቲ ኤረትራ ገለ ዲያቆናት ዘለዉዎም በርከታ ኣንስትን ውሽጣ ውሽቲ ብምውዳብ ኣብቲ ቤተ/ክርስትያን ነቶም ነበሩ ሽማግለን ንሓደ ጉጅለ ናይቲ ቤተ/ክርስትያንን ምውቃዕ መዲቡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ክሳዕ ናይ ምትህሪራም ከም ዝበጽሑ ።ክግለጽ እንከሎ ቆንስል ሃገር ኤረትራ ኣብ ሚላኖ ክሳዕ ብ ኣውራጃ ብምውዳብ ዝገበሮ ፈተነ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ክሳዕ ብበትሪ ክዛበጡ ተራእዮም። ብ ተወሳኺ ቀልጢፉ ደኣ ቂሂሙ እንበር መንግስቲ ኤረትራ ን ገለ መንእሰያት ገንዘብ ብምሃብን ንዘለዎም ስራሕ ሲነት ብምጥቃም ኣብ ተፈላለየ ኣብያተ ክርስትያናት ተፈላለየ ጸብኣ ገይሩ እዩ።ኣብነት ድማ ቅድም ኢሉ ቅድሚ 3 ወርሒ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ብምእታው ኣብ ግዜ ቅዳሴ ንቀሺ ሙሴ በዓል ተስፉ ዝተባህሉ መንእሰያት ዘለዉዎም። እንሆ ድማ ሎሚ እዚ ኹሉ ሽግርን መከራን ወሪዱ ዘሎ።

ኣብቲ ኣብ ዕለት 30/10/2011 ተዳሊዩ ካብ ዘሎ ተንኮልን ክፋኣን ድማ። ነቶም ዚቃወሙ ካህናት ኣስማቶም ብምጽላምን ካብ ህዝቢ ይፈልዮም እዩ ዝተባህለ ጸለመ ብምክያድ ንሽሞም ምርሳሕ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ዚካኣሎ ክገብር ን ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ብ ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ተነጊሩዎ ኣሎ።ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ክልተ መርገጺ ኣለዉ ዝብሃል ቀሺ ኤፍረም ካብ ሚላኖ ኣውጺካ ካሊእ ሓድስ ካህን ክትካእ እዩ ዘሎ ዘይልወጥ መደብ መንግስቲ ኤረትራ።ቀሺ ኤፍረም ጽቡቅ ገይሩ ከም ተባህሎ ስለ ዘየተግብረ ንዕኡ ብ ኻሊእ እሙን ዝኾነ ካድር ብምትካእ ኣብቶም ኣብ ጎድኒ ኣቡነ እንጠንዮስ ደው ኢሎም ዘለዉ ካህናት መጥቃዕቲ ንምፍናው እዩ።ብ ተወሳኺ ድማ ነቶም ሽማግለ ቅድስቲ ማርያም ድማ ፈለማ ብትሕትና ቤተ/ክርስትያን ናብ መንግስቲ ከረክቡ ተኣብዮም ከኣ ነቲ ቤተ/ክርስትያን ሰብ ወዲብካ ብምንዓብ።ከም ዝዕጾ ብምግባር ከም ብሓድሽ ብ ቆንስል ሃገረ ኤረትራካሊእ ሓድሽ ክሕተት ካብቲ ኣብ መደብ ዘሎ እዩ።ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ከም ዘሎ። ነቶም ክሳዕ ህጂ ዝምክቱ ዘለዉ ካህናት ንህግድፍ ይቅረታ ክሓቱ ተዘየለ ድማ ክውገዙ ካብቲ ተዋህበ መምርሒ እዩ።ጉድ እዩ ተረኺቡ ዘሎ ቀደም ሰብ ሃይማኖቱ እንተቀይሩ ወይ ኣብ ሃይማኖት ጥፍኣት እንተተረኺቡዎ እዩ።ይውገዝ ነሩ ሎሚ ግን ቤተ/ክርስትያን ናብ መንግስቲ ስለ ዘየረከብኩም ኢልካ ዝግበር ዘሎ ጸቅጥን ምፍሪራሕን እዚ ኢልካ ኣይቁጸርን።ካብ ደብረ ማርያም ልደታ ድማ ን መነኩሰ ኣባ ሃብተ ወልድን ቀሺ ታደሰን ገለ ዲያቆናትን ናብምምሕዳር ኣቡነ ደስቆሮስ ክምለሱ ክሕተቱ እዮም።ንዝ ኣበዩ ግን ኣብ ዘየለዉሉ ስሞም ብ ኣቶ ይፍታሀን ቀንስል ሃገረ ኤረትራ ኣቶ ርእሶምን ናይ ሽም ጸለመ ብምክያድ ን ኣቡነ ደስቆሮስ ከውግዙ ትእዛዝ ክመሓላለፎም እዩ።ካብቲ ዘገርም ግን ኣቡነ ደስቆሮስ ንባዕሎም ብ ኣቡነ እንጥእንዮስ 3ይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ከየገልግሉ ተወጊዞም እዮም።ዉጉዝ ኣውጊዘ ክብል ግን መጨስ ኩሉ ንምርኣይ ምቅናይ ጥራሕ እዩ።ግን ኣቡነ ደስቆሮስ ብሓቂ ከም ጳጳስ መጠን ኣብ ጎድኒ ቤተ/ክህነቶም ድዮም ኪኾኑ ዋላስ ኣብ ጎድኒ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኤረትራ ሰንበት ትምስክሮ ክኸውን እዩ። ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ከም ዘሎ እውን ኣቶ ይፍታሀ ናይ ኮሚተ ምርጫ ከም ዘካይድን መን ንመን ክመርጽ ድሮ ተወዲቡ ከም ዘሎን ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ዘሎ እዩ።ኣብቲ ክግበር ዝህሰብ ዘሎ ብ ኣቶ ይፍታሀ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን ተንኮል ሓደ ዲያቆን ካብ ከተማ ሎንደን ክመጽእ ምኻኑ እውን ካብቲ ተበጽሐ ጭቡጥ ሓበረታ መንበረ ፓትሪያርክ እዩ።እዚ ብ ባሕሪ ን ህግድፍ ተቃዊመ ኢሉ መጺኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዕቅባ ሓቲቱ ዘሎ ዲያቆን ተመሊሱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ን ቤተ/ክርስትያንን ካህናቱን ንምውቃዕ ምስ ህግድፍ ክዳነገጽ ክመጽእ እዩ ዘገርም እዩ።

ስለምንታይ ግን ህዝቢ ኤረትራ ስቅ ይብል!!! !!!!! ዛጊት ኣብ ጎደነታት ሚላኖ ኣኸባ ከም ዘሎ ብላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ክልጠፍ እዩ።ብተወሳኺ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ኣውረጳ ብዛዕባዚ ዘይፈልጡ ምኻኖም ሎሚ ከም እተነግሮም ዝተረኸብ ሓበረታ የረድእ ስለምንታይ ግን እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ። ካብቶም 3 ሰለስተ መንግስቲ ኤረትራ ዘይደልዮም ካህናት ዛጊት ተበጺሑ ከም ዘሎ ሓደ ናይ ይቅረታ ፎርም መሊኡስ ድሮ ፓስፖርት ተዋሂቡዎ።እቶም ተረፉ ካህናት ምስ ዲያቆናቶም ግን ሰንበት ምረጹ ን መን ከም እተገልግሉ እትብል ናይ ኢያሱ ትእዛዝ ክትበጽሖም እያ። ወይ ኣብ ቆንስል ሃገረ ኤረትራ ሚላኖ ከይዶም ይቅረታ ናብ መንግስትና ተመሊስና ኣለና ክብሉ እዮም ወይ ድማ ናብ መንግስቲ ኣይንምለስ ፡ንተኣስረ ጳጳስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣይንጠልም ፡ካብ ምስዓብ ኣይነቃርጽ ክብሉ እዮም።ንዕኦም እውን ፈታኒት መድረኽ እያ።ሰንበት 30/10/2011 ።ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ከም ዘሎ ግን በቲ እቶን ሓዊ ደኣ ንሓልፍ እንበር ን ትእዛዝ ንጉስ ኣይንእዘዝን ይመስል። ኣብቲ ሎሚ ዝገበሩዎ ኣኸባ ሽማግለ ቅድስቲ ማርያም ግን መፍትሕ ከየረክቡ ወሲኖም ኣለዉ።ግን ሰንበት ወሳኒት ክትከውን እያ።

ስለዚ ን ኹሉኹም መንእሰያት ደቂ ተዋህዶ እንብሎ እንተ ኣልዩ ኣቡኡ ተረኪብኩም ንትእዛዝ ኣቶ ይፍታሀ ክትቃወሙን ክትምክቱን።ነቲ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ዲያቆናትን ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ተንኮል ደው ኢልኩም ክትቃወሙን።ንጽወዓኩም።ሃይማኖት ሂወት እዩ ሃገር ከኣ ክብረት እዩ።ብ ሓቂ ድማ እዚ ኹሉ ነገር ዝግበር ዘሎ ካብ ንዕቀት ንህዝቢ ዝተላዕለ ምኻኑ ክትፈልጡ ይግባእ።ኣበየናይ ሃገር እዩ መንግስቲ ፓትሪያርክ ዝቀየረ።ኣበየናይ ሃገር እዩ? ካህናት ተለኣኣኽቲ ፖለቲካ ዝኾኑ።ኣበየናይ ዓዲ እዩኸ ን ዘይሕጋዊ ፓትሪያርክ ተቃዊምኩም ተባሂሎም ሽሞም ዝኸፍአ ኣብ ኤረትራ ግን እዚ ኹሉ ይግበር ኣሎ።ብፍላይ ድማ እቶም ካህናት ተመሲልኩም ብረብሓ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ናይ ምፍልላይን ዘይ ምቅሳንን እትገብሩ ዘለኹም። ከም በዓል መሪጌታ ሉኡል ሎንደን ፡ጽባሕ ሕጊ ተዋህዶ ክፈርደኩም ምኻኖኑን ኣምላኽ ድማ ወይ ኣብ ሂወትኩም ወይ ድማ ኣብ ስድራኹም ፍሉይ ናይ ምቅጻዕ ስጉምቲ ክወስድ ምኻኑን ክትፈልጡ ይግባእ።መሪጌታ ልዑል ኣብ ልዕሊ ዲያቆናትን መንእሰያትን ዝገብሮ ዘሎ ኢ መጽሓፍ ቅዱሳውን ኢ ኦርቶዶክሳውን ወይ እዞም ንዓና ዘይሰምዑ ዲያቆናትን መንእሰያትን ወይ ናብ ግብጾም ኪኸዱ እዮም ወይ ዲማ ዓወንወን ኢሎም ከም ዝጠፍኡ ክገብሮም እየ ኢሉ ን ኣቶ ይፍታሀ ኣትዩሉ ዘሎ ቃል ኣብ ኣዝኒ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ተዋህዶ ከም ዝበጽሐ ክትፈልጡ ኣለኩም።ብፍላይ ድማ መንእሰያት እንዳወደብካ ዝግበር ዘሎ ዘይ ኦርተደክሳዊ ጥራሕ ዘይኮነስ!!! ዘይ ሃይማኖታዊ!!! ከምኡ እውን ካልኦት ኦርተደክስ ተዋህዶ ጽባሕ ከተቃልዐኩም ምኻና ፍለጡ።ተዋህዶ ክርዳዳ እዝሞ ከም ዓረብያ እትጉነጹ ደኣ እንበር ካሊእ ከምዘይብላ ፍለጡ። ብ ተወሰኻ ድማ ብህግድፍ ከጽሪዮም እዩ ኢልኩም ተላኢኽኩም ትመጹ ዘለኹም ናብ ሚላኖ ኣብ ጽባሕ ከይበጻሕኩም ናብ ውርደትን ሓሳርን ከቢድ ምድራዊ ሲኦልን ትመጹ ከም ዘለኹም ንሕብረኩም።ጸግዒ ቤተ/ክህነትኩም ደኣ ምኾንኩም እንበር ን ረብሓ ሃይማኖት ምንዋጽሲ ኣይግባእን ታሪኽ ተራፊ ፡ብልዒን ሽመትን ሓላፊ ምኻኑ ፍለጡ!!!!!።
ኣምላኽ መናወጽቲ ሃይማኖትና ብ ኢዶምን እግሮምን ቀይዶ ነታው አልድ ዋህድ እናበለት እትነብር ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ይሓሉ።
ለቱ ስብሃት
ይማኖት ኣቦው

Tuesday 25 October 2011

Friday 21 October 2011

ደብዳበ ካብ ብጹእ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናብ ኩሎም ምእመናን ::

ደብዳበ ካብ ብጹእ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናብ ኩ
ዕለት: 13 ጥሪ 2006
ናብ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ጳጳሳትን፡ ኤጲስ ቆጶሳትን ኣባላት ሲኖዶስ።
ኣቐዲመ መንፈሳዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም እብል።
ኣስዒበ ድማ፡ ብዕለት 05/05/1998 .. (13/01/2006 .) ብቁ 04/225/4428 ዝጸሓፍኩሙለይ ካብ ፓትርያርክ መዓርግ ኣውሪድናካ ዝብል ካብ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ካብ ዲድስቅልያ፡ ካብ ፍትሓ ነገሥስት፡ ካብ ቀሌመንጦስ ወጻኢ፡ ዘይሕጋዊ ውሳኔኹም፡ በጺሑኒ። ስለዚ እቲ ካብ መዓርግ ምውራድ፡ ብሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ብፍትሓ ነገሥት ፓትርያርክ፡ . ብዝሙት፡ . ብእምነት ምጉዳል፡ . ብስንክልና ማለት ክሰርሕ ዘይክእል እንተ ኾነ፡ ጥራይ እዩ ክወርድ ዝኽእል እምበር፡ በቲ ዝጠቐስክምዎ ኣንኳይ ካብ መዓርግ ከውርደኒ፡ ዘየሕትተኒውን እዩ። እዚውን ተሰዊርኩም ኣይኮነን ልእሊ ሕጊ ክትነብሩ ስለ ዝደለኹም ጥራይ እዩ። ማንም ድማ ልእሊ ሕጊ ክነብር ዝኽእል የለን። ከመይ ሕጊ እንተ ረገጽካዮ መሊሱ እዩ ዝረግጸካ። ብምጉዳል እምነት እንተ ኾነውን፡ እምነተይ ተሓቲተ መልሲ ከይሃብኩ ብገበን ካልእ ከኣ እዚ ኣለካ ከይተበሃልኩ፡ ኣብዚውን ዝግብኣኒ መልሲ ከይሃብኩ፡ ከይተሓተትኩ፡ ባእልኻትም ከሰስቲ፡ ባእልኻትም ፈርድቲ፡ ኮንኩም ስለ ዝፈጸምክምዎ፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ክፋረደኩም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፍርድኹም ዘይሕጋውን ኣብ ማንም ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ተራእዩ ተሰሚዑ ዘይፈልጥውን እዩ። እዚ ወሲንክምዎ ዘሎኹም መሠረተ ኣልቦ ክሲ፡ ንሱ ዘይኮነ ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ምሕላፍ ዘብጻሓኩም ድፍI ግን ኣነ ኣቐዲመ ንቤተ ክርስቲያን ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ምእመን ክመርሓ ወይ ከመሓድራ ብሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ፍጹም ክልኩል እዩ ጥራይ ስለ ዝበልኩ እዩ እቲ ሓቀኛ ምሥጢር።
ስለዚ ክስኹም ኣብ ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ሊቃውንትን ኤርትራን ቀሪቡ ኣነውን ብኣካል ቀሪበ መልሲ ከይሃብኩሉ እሞ ውሳኔ ጉባኤ ኣብ ሕዝቢ ከይተሰምዐ፡ ከምቲ ሕጊ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ሕጊ ፍትሓ ነገስትን ከምቲ ምስ ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎና 17 ዓንቀጻት ብምጥሓስን ናይ ሓንቲ ሃገር ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ክኽሰስ ከሎ፡ ናይታ ሓንቲ ፓትርያርክ ኣብ ጉባኤ ተረኺቡ፡ ነቲ ክሲ ቅኑእን ዘይቅኑእን ምዃኑ ውሳኔ ከይሃበሉ፡ ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ከም ዘይወርድ፡ ኣብ ኩለን ጸኒሑ ዘሎ እዩ። ነዚከ ኣበይ ጎሲኹሞ ሓሊፍኩም ኣለኹም፡ በዚ መሠረት ከምቲ ኣብ ላእሊ ዝተጠቕሰ ቀሪቡ ክረኣየለይ ይግባይ፡
. ናብ ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።
. ኣብታ ብሓዋርያዊ እምነት ሰንሰለት ኣደ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ይግባይ ኣሎኹ። እዚ ኩሉ ነቲ ድፍኢ ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ከዊልኩም፡ በደል እዩ ዝበልክምዎ፡ በዞም ዝጠቐስኩዎም ሕጋጋት ተራእዩ ክሳብ ዘይተመለሰ፡
. ፓትርያርክ፡
. ጳጳስ፡ ኤጲስ ቆጶስ፡ ካህን ዲያቆን፡ ከይትሾሙ፡ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኤወግዝ ኣለኹ። ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ በዚ ሕጊዚ ተመሥሪትኩም ክትእደቡ ኤፍልጠኩም። ነዚ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ሕንፍሽፍሽ ዝፈትር ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዘለዎ ሥልጣን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ከይሰርሕ ውጉዝ ይኹን ኣሎኹ።
ከምኡውቀሺ ሃብቶም ርእሶም ምክትል ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ልእሊ ሥልጣን ፓትርያርክ እትጽሕፎ ዘለኻ ዘይሕጋውን ድፍረት ዝመልኦ ዘይሕጋውያን ቃላት፡ ካብ እለት 8/05/1998 ግእዝ ብዲቁና ይኹን ብክህነት ከምኡውን ብካልእ ኣገልግሎት ከይተገልግል ኣውጊዘካ ኣሎኹ።
እዚ ዝሰደልኩም ዘለኹ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝበጽሓኩም ግዜ ናብ ሕዝቢ ከተንብብዎ ብህያው ኣምላኽ እማሕጽነኩም ኣለኹ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ሰላም ይሃባ። ንኤርትራ ሃገርና ይባርኽ።
ቅዳሕ:-
1. ንክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኤርትራ።
2. ንገዳማት ኤርትራ
3. ንጉባኤ ሊቃውንቲ ቤት ጽሕፈት ሳንሱር
4. ክፍሊ መንፈሳዊ ፍርድ ቤት መንበረ ፓትርያርክ
5. ክፍሊ ምም///ምም//ፓትርያርክ
6. //ትምህርቲ
7. መዝ/ቤት /ፓትርያርክ
8. /ሕጊ ቤት/ጽሕፈት ምም /ፓትርያርክ
9. ምቁጽጻር መካይን ምምሕዳር /ፓትርያርክ
10. ንኣድባራት ኣሥመራ፡
11. ኣሥመራ ሃገረ ስብከት፡
12. ንኩለን ሃገረ ስብከታት
13. ንኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፡
14. ንደብረ መዊእ ኣቡነ ኣርጋዊ ማይ ተመናይ። ኣሥመራ።
ብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ፡ 3 ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ
His Holiness Antonyos I Third Patriarch of Eritrea
                            ማሕተምን ክታምን
                     ሎም ምእመናን

እዚ ደባዳበ እዚ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ኩሉ ምእመናን ተዘርጊሑ ከብቅዕ ግን ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ብዙሓት ዲያቆናትን ነዚ ውግዘት እዞ ጢሒሶም ምስ ኣቡነ ደስቆሮስ ዝተወገዙ ጳጳስ ዝዳነገጹን ን መስኪን ህዝቢ ዘታልሉን ፈጻምይንየ ትንቢት ኣይተሳእኑን ።እቲ መልእኽቲ ግን እዚ።ኣቡነ ደስቆሮስ ፍጹም ከየገልግሉ ዝተውገዙ እዮም።ከምኡ እውን ኣቶ ይፍታሀ ከየገልግል ኣብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ዉጉዝ እዩ።ከምኡ እውን እቲ ሽጉጥ ተኾልዂሉ ዝኸይድ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ቤት/ጽሕፈት ዊዒሉ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ሰብ ኣብ ምጥቃምን ኣብ ምጭዋይን ዝዋፈር ቀሺ ነበር ኣቶ ሃብቶም ርእሶም ዝተወገዙ እዮም። በዞም ዝተወገዙ ኣትመሓደር ቤተ//ክርስትያን እንበኣር ሰላም ክትረክብ ፍጹም ዘይሕሰብ እዩ ስለምንታይሲ ካብ ዉጉዝ ዝርከብ በረኸት መርገም ስለ ዝኾነ።
ኣቡነ ደስቆሮስ ህጂ እውን ክንስሑን ናብ ኣቦኦም ከይዶም ይቅረታ ክሓቱን ደኣ ምተገብአ እንበር ኣብ ልዕሊ ዝተቃወሙዎም ካህናት እና ሃደዱን እና ኣፈራርሑን ክነብሩ ፍጹም ኣይግባእን እዩ።እቶም  ኩሎም ኣቦታትና እናበልኩም ንረብሓ ትጋዓዙ ዘለኹም ውሉደ ክህነት ኸኣ ወይልኹም እዝስ ምንዋር እዩ ንብል ናብ ልብኹም ክትምለሱ ድማ ንጽውዕ ሃይማኖትና ይባርኸልና ነቶም ንተዋህዶ ዘናዉጹ ዘለዉ። ሽበራውያን ድማ ኣምላኽ ኢዱ ይምለሰሎም ይቅጽል….።