1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 28 September 2011

መንዩ ተዋህዶ!!!???::


                   
   
          መንዩ ተዋህዶ!!!???::
መንዩ ተዋህዶ መንዩ ከ ኦርተደክስ
እቲ ቤተ/ክርስትያን እናፈረስት ስቅ ዝብልዶ ዋላስ
እቲ ደው ኢሉ ዝንሀለ ዝቃለስ
ውጻእ ዝብሎ ዘሎ ነዚ ጭዋ ቤት/ኣምላክ ዝሕምስ
ወይሲ እቲ ዝገብሮ ዘይፈልጥ ምስ ሓዉ ዚቃለስ
ኣብ ጸለመ ተዋፊሩ ዘሎ ዝሓደሮ እቲ ርኹስ
ምንባር ሓቂ ዝፈንፈነ ብኽልተ እግሩ ዝሕንክስ
እስከ መልሲ ሃቡ መን ኣሎ ዝምልስ

                      እቲ እንትርፎ ከብዱ ዘይዓጅቦ ሃይማኖት
                     ጥራሕ ክብረት እንበር ን ዕቤታ ዘይጥምት
                     ኣብ ናይ ጸለመ ዓለም ንበይኑ ዝህውትት
                     ተባህሎ ዝደግም  ናይ ሄሮዶስ ጫጩት
                        ነሓዉ ኣጥፊኡ ዝደሊ ክብሕት
                       ብዓይኒ ቅንኢ ንሓዉ ዝጥምት
 መንዩ ተዋህዶ
እቲ ንሓጥያት ምጥባው ዝለመደ
 ደርፊ ፖለቲካ ክሰምዕ ዝመረጸ ዝሓንገደ
ዓይኑ የዕዊሩ ዝኸይድ ዘሎ ተዋህዶ ሕጋ ተሓግሒጉ እናኸደ
ነቶም ዝጣበቁላ ብዘይወዓልዎ እናፈረደ
ኣብ ምሕሓይ ደቂ ኣምላኽ ዝንሀለ ተጸምደ
እዝይሲ ጸረ ተዋህዶ እዩ፡ክፋኣ ዝለመደ
                                 መንዩ ግን ተዋህዶ፡
                          እቲ ንይምሰል ዝኸይድ ተኸዲኑ ነጸላ
                        ዘጣቅዕ ዝውዕል ቤተ/ክርስትያን እና ፈረስት እንከላ
                         ሕርኽራኽ ኣብ ቤት/ኣምላኽ  ን ወጌል ሓበላ
                         ኣብ ምእላም ዝሓድር ናይ ጥፈኣት ታኸላ
                         ኣርእስቲ እናቀያየረ ዝነብር ዘሎ ሸንኮለል ዘብላ
                         እዙይሲ ፍጹም ተዋህዶ ኣይኮነን ናታ ቡቅላ
                         ከም ዘይኮነ ኸኣ  ጽባህ ክትምስክር እያ ባዕላ
መንዩ ተዋህዶ?
እቲ መከራ ዝጸግብ ዘሎ በቶም ቀረቡኡ
ሽግር ዝጸግብ ዘሎ ከም እንጠንዮስ ኣቡኡ
ብሓሰውቲ ዝጽልም ዘሎ በቶም ዝዓለዉ ካብኡ
እዝይሲ ይመስል እንሆ ብፍርኡ
ኣሰር ናይ ቅዱሳን እንሀ ኣሰሩ ኣብ ሕቆኡ
ወላዲት ኣምላኽ ከኣ ኣላ ኣብ የማኑ ኣብ ጥቅኡ
                             እቲ ትማሊ ዝንእዱዎ ነቡሩ ሊቅና እነበሉ
                              ን ኦዝያን  እንተተማጎቶ ኣይግባኣካን ኢሉ
                           እንሆዉ ማሕበር ዓላውያን ሓድሽ ሽም የውጽእሉ
                             ገልያድ ስለ ዘይፈርሐ ተመከቶ ደው ኢሉ
                          ክሰጉዎ ይፍክሩ ካብታ ዝመስረታ ባዕሉ
                       ንሶምሲ ኢብሉ ኣለዎ ፈጣሪ ግን ከይክሪኦን እዩ ስቅ ኢሉ
መንዩ ተዋህዶ??
እቲ ካብ ኣምልኾ ኦርተደክስ ዚዘንበለ
ተዋህዶ እኮ ብ ወልድ ዋህድ እያ ትልለ
ከመይ ገሩ ደኣ ተዋህዶ ይብለኒ ነዚ ዘይተቀበለ
ንመን ንምትላል ሃይማኖተኛ እና መሰለ
ንግብሪ ቅዱሳን ከፍርስ እና ወዓለ
ተዋህዶ እኮ ብግብሪ እዩ ዝልለ
ካብ ማሕበር ተወገዙ ብርሑቅ ዝፍለ
                                ቅዱሳን ዝሓለፉ ንኽብሪ እዛ ወንጌል
                        ንሱ ግን  ኣብ ጽውጽዋይ ይውዕል ሂወት ከይቅበል
                               ተሓተቶ ከይምልስ ኣብ ሸንኮለል ዝውዕል
                    እዙይሲ ኣይተዋህዶን  ቀው ኢሉ ደኣ የስተብህል
                   ንትምህርቲ ቅዱስ ቀርሎስ ካብ ኣበየ ምቅባል
                          ንፈርሃሉ ዘሪኡ ከይጠፍእ ፈታሪ ይቅረ ይበል
መሰረት ሃወርያት ገዲፉ ባዕላውነት ዝመረጸ
ንትምህርቲ ቅዱስ ኣትናቲዎስ ዝዓንቀጸ
ንማዕዳ መማህራኑ ከይሰምዕ ዘቅበጸ
 ጸላኢ ክርስቶስ ብሓሶት ተበጽበጸ
ደሓን ክፈልጣ እዩ ፍረኡ ምስ ነቀጸ
                                 ለቱ ስብሓት
                         ቀሺ ሙሴ ሺሻይ. ኣውረጳ

Monday 26 September 2011

ስቅ መሪጸ ኣለኹ !!!!!!!::


        ስቅ  መሪጸ ኣለኹ!!!!!::
ትም መሪጸ ኣለኹ ንስኻ እኮ ፍሉይ ኢኻ
ኣብ ኢድካ ዘለካ ትህብ ትፍርዲኻ
መን እዩ ዝማጻረ ጎይታይ ኣብ ቅድመኻ
ኣነስ ኣይክእሎምን ሕለፎም ደኣ ባዕልኻ
                     ትም መሪጸ ለኹ ረኣዮ ንኹሉ
                   ስቅ ዶ ከይትብል ዚ ቤትካ ከምዚ ኢሉ
                    ኣብ ቅድመኻ ቀሪቦም እና ኣታለሉ
                    ን ወንጌል ክዓጽዉ ፍሕኽ እናበሉ
                    ኣነስ ትም ኢለ ኣለኹ እነሀልካ ኩሉ
ክንዲ ዝነገርኩ ትመገዲ ሂወት
ዓለም ካብ ኣበየት ዘይ ሽመይ ካብ ሃበት
ትም መሪጸ ኣለኹ መልስ በዓል ናዝሬት
ናብ ምህለላይ ቁልሕ በል በጃኻ ናብዚ እሞ ጠምት
ክሳዕ መኣስ እዩ ከምዚ ኢሉ ዝሂወት
እስከ መልስ እስኻ ርኣያ  ነዛ ቤት
                                 ካብ ቃላት ሓሊፉ ዝተረጋገጸ
                              መድሓኒ ምኻንካ ምእማን ሰብ ካብ ኣቅበጸ
                                 ናባኽ ይገድፎ ኣነስ ስቅ መሪጸ
                                 ንምጽላም ደቅኻ ካብ እተሓንጸጸ
                               ብ ወረ ተሓሊፉስ ካብ ተበጽሐ ኣብ ሕጸ
                               ናባኻ ይገድፎ ኣነስ ትም መሪጸ
ንስኻ ኣኮ ፍሉይ ኢኻ ንስካ እኩ ፍሉይ
ኣነ ደኣ መንየ ክንዲ ቤትካ ዝጭነቅ ክንዲዙይ
ኢድካ ምለሰሉ ነቲ ቤትካ ዘጋዕዝይ
ኣነስ  ስቅ መሪጸ ንስኻ ደኣ ሕለፈለይ
ግንሓዮ ሃየ እንሆ ሳውል እንሆለይ
ደቅኻ ክሰግግ ይብል ኣሎ ዕንይንይ
ስቅ መሪጸ ኣለኹ እስካ እስከ ዕየይ
                        ነቲ ወንጌል ምስማዕ ካብ ኣውጽኡሉ ቃንቋ
                       ንሽም ቅዱሳንካ ንምጽላም ካብ ገበሩዎ ጣቋ
                       ኣነስ ትም መሪጸ ንስኻ ግጠም በቋ
                       ስቅ ኢልካ ኣይትርአ ዛ ቤትካ ወዲቃ
                       ኣምላከይ ተለዓል ስቅ ኣይትበል በቃ
ካብ ንምስማዕ ቃል ሂወት መሪጾም ንሓሶት
ካብ ንትሕቲናሲ መሪጾም ንድፍረት
ወንጌል ካብ ምስማዕ መሪጾም ታሪኻት
ጽዊጽዋያት ኣይሁድ ሸንኮለል ምድረ በዳታት
ኣነስ ስቅ መሪጸ ርአ ኣምላኽ ሰማያት
                             ነቲ ሂወት ዝህብ ቃል ምስማዕ ካብ ኣበዩ
                             ኣነስ ትም መሪጸ ጥራሕ ይኽበር ኢየሱስ
                            ግድንዩ ክቅበል ካብ መስቀሉ ኪቃደስ
                            ምስ ቶም ቅዱሳኑ ብመከራ ክሕወስ
                            መን ዶ ኣሎ እዩ ዝኸበረ ቅዱስ
                             ኣነስ ትም መሪጸ ጥራሕ በይኑ ይንገስ
ትዕጫ ቅዱሳን ኣባይ እንተበጽሐ
ኣይገድፋን ዛ መገዲ ኣይምለስን ፈሪሐ
እሮማይ ወዮ ምስቶም ሰማእታት ስመይ ተረቂሐ
ዘይከውን እዩ ህጂ ክረከብ ኣቅባሕቢሐ
ይጋዓዝ ደኣ ናብ ዝጎነፈኒ መስቀለይ ኣምሪሐ
ኣይፈርሖንየ ዲያብሎስ ተገዐረ ተነብሐ
                                 ኣብቲ መሰረቱ መሰረት ናይ ጥንቲ
                                 ከእትዉ ካብ ደለዩ ዘይነብረ መማቅርቲ
                                 ኣነስ ትም መሪጸ ክትሰርሕ ምእንቲ
                                 ምናልባሽ ተሰምዑዎ ትናትካ መግናሕቲ
                                 ኣነስ ትም መሪጸ ኣይደልን መሳርውቲ
ናብ ምስጢር ኣምላኽ ካብ ተሓወሶ ካሊእ
እንታይ ኢኻ እትጽበ  ጠሪሽና ክሳዕ ንጠፍእ
ኣነስ ትም መሪጸ ከይዛረብ ኩፉእ
ኢድካ ደኣ ስደድ ረኣዮ ነቲ ክፉእ
ወንጌል እናተቀየረ ከመይ ኢለሞ ክረግእ
ይዝመት እንድየ ዘለኹ መሰረተይ ይጠፍእ
 በጃኻ ቁልሕ በል ስምዓዮ ዝኹፉእ
                          መሰረት ቅዱስን ብኹሉ ተኣልዩ
                          ካብ ንዓኻ ምዝማር መሪጾም ከውርዩ
                          ጎይታ ምኻንካ ምንጋርሲ ካብ ኣፎም ምጻእ ኣበዩ
                         ኣብ ቤተ/ክርስትያንካ እዚይሲ ወራር እዩ
                        ትም መሪጸ ገሪሙኒ ነግሩ ከመዩ
ትም መሪጸ ንስኻ እኮ ኣምላኽ ኢኻ
መምዮ እስከ ነቲ ሓቂ ሸምግለና በጃኻ
ንሕና እንተበልና ከምታ ናይ ቅዱሳንካ
ግን ነጋሪት ናይ ኲናት ይውቃዕ ኣሎ ሪኤኻ
ትም መሪጸ ህጂ እውን ኣምላኸይ ዕቅባኻ
                                ርአ እሞ ኣምላኸይ ንኹሉ ተዓዘብ
                                ስቅ መሪጸ ኣነስ እንተበልካ ዓገብ
                                ወንጌካ ምንጋርሲ ካብ ተባህለ ዓገብ
                                ንምሕናቅ ደቅኻስ ካብ ተኣልመ መጻብብ
                               ኣነስ  ስቅ መሪጸ ሃየ እስኻ ተዛረብ
ኪኾኑ ካብ መረጹ ናይ ወንጌል ኣጋይሽ
ምስ ኣምላኽ ካብ ምስዓብ ካብ በሉ ክንቅሽሽ
ምርጫ ካብ ገበሩ ምስኻ ቅልሽ
ካብ ትኽ ኢልካ ምኻድ ካብ መረጹ ዕግሽግሽ
ኣነስ ትም መሪጸ ባዕልኻ ሃየ መልሽ
ካብ ኣነ ዝገጥምሲ ንዓኻ ምሕላፍ ይሓይሽ
               ለቱ ስብሓት
                ቀሺ/ሙሴ ሺሻይ
 ኣገልጋሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን


Sunday 25 September 2011

ዎ ኣምላኽ ርድኣና ኣይተሪአና ኩሉ ሕማቅ ይኣክል በጃኻ!!!!።

                           እዉይ በሊ መሬት !!! 
ብ ስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ እንታይ እዩ ዝብከል ዘሎ ዝንፋስ፡ እወ ኣይግድን እዚ ንፋስ ንፋስ ርኹስ መንፈስ፡ እዉይ በሊ መሬት ኣብዩ እዩ ከየእዊ ሰብስ።እወ ኣብዘይ ይዕለሎ ይዕልል፡ኣብዘይ ይዝለሎ ይዘልል፡ ግን ከ ንስኺ ውይ በሊ ትዝመጽእ ዘሎ መቅጻዕቲ እንኮላይ ኣባኺ ከይውዕል።ኣምላኽ ተረሲዑ።ምስኪን ተገፊዑ ፡ኣምላኽ ተጠሊሙ፡እወ ስም ቅኑዓት ጸሊሙ፡ ቤት/ኣምላኽ ሓሚሙ እውይ በሊ መሬት ወሪዱና ዘሎ እንታይ እዩ ጸገሙ።ሃይማኖት ተረኺቡ ፖለቲካ፡ ጉድ ሪኢና መስክረለይ ክምስክረልካ፡ሕኸኸኒ ክሓከካ ፡ጉድ ይግበር ኣሎ ፈጣሪና ርደኣና በጃኻ።ህጂ እውን መቀጸልታ እዚ ተንኮል ይእለም ኣሎ ኣብ ኣገልገልቲኻ።ዎ ኣምላኽ ሃበና ፍርዲካ። ናይ ጸለመ ደበና የንጸላሉ ኣሎ ኣብ ደቅኻ።እወ ይመጽእ ኣሎ ንፋስ ናብ ኣውረጳ፡ ኣመሪካ ኣፍሪቃ፡ ንፋስ ዝኸሓዱ ዝጠለሙ ንዓኻ። መስቀልካ ምስካም ዝሓንገዱ ካባኻ ፡ንንጉስ ዝሰገዱ ጠሊሞም ሕድርኻ። መስቀል ምስካም ተመነይዎም ዝነዓቁ ንዓኻ። ይሓኑ ኣለዉ ረኣዮም በዚ ምዕራብ ኣውረጳ ቁልሕ በል በጃኻ፡ ተገዝኡ ብዶላር ዝመስሉ ሰዓብትኻ፡ ተንኮል ክፍህሱ ተላእኩ ክዓግቱ ወንጌልካ ፡ዎ ኣምላክ ርድኣና ጉድ ትረክብ ኣላ  ቤትካ። ጉድዩ ጎይታየ  ፍረድ እሞ ባዕልኻ፡ከተምስል ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲንካ፡ ን ዝብኢ ክትወቅዕ ኣብ ኣድጊ ተጸጊዕካ፡ ቆርበት ኣድጊ ተኸዲንካ ሰብ ክንስኻ፡ ይእለም ኣሎ መተካእታ እዚ ቢዶ ኣምላኽ ኣውገሓልና በጃኻ።ብ ምዕባስ ኣፍ ቅጽዓዮም ሓሶት ከየውጸኡ ኣብ ደቅኻ። ዎ ኣምላኽ ደሓር ፈሪሳ ከይትሪኣ ቤተ/ክርስትያንካ።ርድኣና መድሃኒ ዓለም ሸምግለና በጃኻ ዚ ታሪኽ ከይድገም ታሪኽ ዝኸሓዱ ንዓኻ።ዎ የሱስ ክርስቶስ ርድኣና በጃኻ ደም ከይትነብዕ ኪዳነ ምሕረት ኣደኻ።እዝይሲ ኣብ ቤታ ደኣ ኣይደገም ኣምላኸይ ሓደራኻ።ኣሽንኳን ኣማኒ ዘምልኽ ንዓኻ: ንሰማዒ እኳ ኣደኒቁ ነቶም እኳኣደኒቁ ነቶም ዘየምልኹካ ስምዓዮ ዚ ቪዶ ሸምግለና በጃኻ። 
ብዝሓት የዒንቲ ዝጨነቆም ይጽበያ ኣለዋ ንዓኻ። እወ ሃንቀው ኢለ ይጽበየ ንህያው ፍርዲኻ፡ ህጂ እውን ከይድገም ከምዚ ረሳሕ ታሪኽ ኣብ ቤትካ፡ ወዲ ዳዊት ርድኣና ተድልየና ህጂ ኢኻ።
ዎ ኣምላኽ ርድኣና ኣይተሪአና  ኩሉ ሕማቅ ይኣክል በጃኻ!!!!።